ሃገራት ኣፍሪቃ ብ ሰንኪ ካብ ቻይና ዝወሰደኦ ዕዳ ኣብ ከቢድ ቁጠባዊ ወጥሪ ከም ዘለዋ ፋይናንሻል ታይምስ (Financial Times) ይሕብር። ኣብ ዝሓለፈ ዕስራ ዓመታት፥ ቻይና እታ ብብዝሒ ንኣፍሪቃ ብእትህቦ ልቃሕ ካብተን ዘለቅሓ ሃገራት ቀዳማይ ደርጃ ዝሓዘት ከትከወን ከላ፡ ክሳብ ሕጂ 150 ቢሊዮን ዶላር ንሃገራት ኣፍሪቃ ኣለቂሓ ኣላ። ብምሰረት እዚ ወጺኡ ዘሎ ጸብጻብ፥ ቻይና ዳርጋ ንኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ከም ዘለቃሓተንን ሓሙሽተ ሃገራት ኣፍሪቃ ማለት ኣንጎላ፡ ከንያ፡ ኢትዮጵያ፡ ካሚሮንን ጋናን እተን ብብዝሒ ካብ ቻይና ዝተለቀሃ ሃገራት አየን። ኣንጎላ ካብ ቻይና ብዝተለቃሓቶ ብዝሒ መጠን ቐዳማይ ደርጃ ኪትሕዝ ከላ ክሳብ ሕጂ ኣስታት 43 ቢልዮን ዶላር ክትልቃሕ ከላ ኢትዮጵያ ካኣ ካብ 2002 ክሳብ 2018 ንዝተፈላለየ ናይ ትሕቲ ቅርጺ ስርሓትን ካለእን ኣስታት 13.7 ቢሊዮን ዶላር ተልቂሓ ከምዘላ ብተወሳኺ እቲ ጸብጻብ ኣስፊሩ ኣሎ።
ብመሰረት ጸብጻባት ባንክ ዓለም (World Bank) ካብ’ቲ ንድኻታት ሃገራት ዝተዋህበ ልቃሕ፡ ናይ ቻይና ልቃሕ ነዘን ሃገራት 63% ከም ዝኾነ የመልክት። እተን ግጁለ 20 “G20” ዝበሃላ ብ ቁጠባ ዝማዕበላ ሃገራት ዕዳ ናይ ምስራዝን ምምሕይሽን ስጉምቲ ብምውሳድ ናይ 44 ሃገራት ልቃሕ ክስርዛን ከምሓይሻን ከለዋ፡ ግብረ መልሲ ቻይና ኣብዚ ጉዳይ ግን ዝሑል ሙዃኑ ይሕብር።
ከም ዝዝከር ንነዊሕ እዋን ድኻታት ሃገራት ካብ ቻይና ዝልቓሖኦ ብ “መጻወዲያ ልቃሕ” ብ ዝብል መጸውዒ ከም ዝግለጽን፡ እዚ ክኣ ቻይና ነቲ ዘለዋ ኩቱር ናይ ምስፍሕፋሕን ጥረ ነገር ንምርካብን ካብ ዘለዋ ሽውሃት ኢላ ትገብሮ ድእ ‘ምበር፡ እተን ሃገራት ንክምዕብላ ካብ ዘለዋ ሓልዮት ኣይኮነን ክብሃል ጸኒሑ እዩ። በዚ መሰረት ከኣ ኣዚዩ ሐዳገኛ ልቃሕ ተባሂሉ ይንገር።
ሓንቲ ካብተን ድኻታት ሃገራት ዝኾነት ኤርትራ፡ ብዝሒ መተን ልቃሕ ካብ ቻይና ክንደይ ሙካኑ ከሙ’ውን ብ ሰንኩ ዝመጻአ ተጽእኖ ቁጠባ ዓዘቕቲ ኣብ ከመይ ኩነታት ከም ዘላ ዝሕብር ጸብጻብ ‘ኳ እንተ ዘይሃለወ፡ ኩቱር ዝቕባበን ሕጽረት ሃለኽቲ ነገራት ኣብቲ ሃገር ከም ዘሎን ብተደጋጋሚ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ።