back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ እስራኤል ሓሙሽተ ኤርትራውያን ህይወቶም ከምዘጥፍኡ ተሓቢሩ

ለበዳ ሕማም ኮሮና ካብ ዝመጽእ ኣትሒዙ፡ ንሱ ዘስዓቦ ምፍንቓል ካብ ዕለታዊ ህይወትን ምግላልን ዝመንቀሊኡ ኣብ እስራኤል ሓሙሽተ ሰባት ህይወቶም ከምዘጥፍኡ “ማእከል ሕብረተሰብ ኤርትራውያን ሓተቲ ዑቑባ ኣብ እስራኤል” ናብ ላዕለዎት ሰበ-ስልጣንን  መንግስትን እስራኤል ናብ ዝጸሓፎ ደብዳቤ ገሊጹ። 

እቲ ማእከል ኣብ ደብዳቤኡ ሕብረትሰብ ሓተቲ ዑቑባ ኣብ እስራኤል ኣብዚ ሒጂ እዋን ከቢድ ናይ ቑጠባውን ማሕበራውን ግለላ ኣጋጢምዎ ከምዘሎ ብምሕባር፡ ህጻናት ብሰንኪ ቀረብ መምሃሪ ኮምፒተርን ኢንተርነትን ክረኽቡ ዘይምኽኣሎም፡ ተጀሚሩ ዘሎ ብመገዲ ኢንተርኔት ዝወሃብ ትምህርቲ ክከታተሉ ከምዘይክእሉ ዘለዉ ሓቢሩ።

ብዘይካዚ ብሰንኪ ዝተፈጠሮ ጸቕጥን ምግላልን ብዙሓት ናይ ህይወት ምጥፋእ ፈተነታት ከምዘጋጠመን፡ ድሮ ህይወት ሓሙሽተ ሰባት ሓሊፉ ከምዘሎ ብምሕባር፡ መንግስቲ እስራኤል ጉቡእ ቆላሕታ ክገብረሉ ጸዊዖም። 

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቑባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ብመንግስቲ እስራኤል ክወጹ ዝጸንሑ ፖሊስታት፡ ከቢድ ቑጠባውን ማሕበራውን ሽግራት ክፈጥሩሎም ከምዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሒጂ እዋን ብሰንኪ ለበዳ ሕማም ኮሮና እዞም ሓተቲ ዑቑባ ክሰርሑለን ዝጸንሑ ትካላት ስለዝተዓጽወን፡ መንግስቲ ዝኾነ ዓይነት ሓገዝ ክገብረሎም ዘይምኽኣሉን ከቢድ ጸቕጢ ፈጢሩሎም ከምዘሎ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles