ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን እስራኤል ኢሳቕ ሽሙሊ፡ መንግስቲ ነቲ ብኣስራሕቲ ኣብ ባንክ ክኣቱ ዝግብኦ ካብ ሓተቲ ዑቅባ ናይ 20% ካብ ደመዞም ዝቑረጽ ዝነበረ ገንዘብ ዝኣከብዎ ግን ከኣ ከእትውዎ ዘይክኣሉ ንምምላስ ኣብ ዝቐረበ ጥርዓን ከምዘይተሓጋገዝ ኣፍሊጡ ክትብል ጋዜጣ ሃረጽ (Haartz) ሓቢራ።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እስራኤል፡ ብብዙሓት ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ባንክ ክእከብ ዝጸንሐ ገንዘብ፡ ብሰንኪ ወሪዱ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮና ነዞም ሓተቲ ዑቑባ ክምለሰሎም ዝብል ቁቡል ብምግባሩ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቑባ ኣብ ባንክ ናይ መንግስቲ ክቕመጥ ዝጸንሐ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝተቖርጸ ደውመዞም ክወስዱዎ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን ገለ ካብ ኣስራሕቲ ናብቲ መንግስቲ ዝኸፈቶ ባንክ ነሕልፎ ኣለና እናበሉ ክቆርጹሎም ዝጸንሑ ገንዘብ ከታልልዎም ስለዝጸንሑ ብዙሓት ሓተቲ ዑቑባ ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ሓቢራ።
ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቑባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ እስራኤል ዘውጽኦ ፖሊሲታት ኣብ ቑጠባውን ማሕበራውን ህይወቶም ዓበይቲ ስምብራታት ገዲፉን ይግደፍን ከምዘሎን ይፍለጥ።