back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

እስራኤል ካብ ሓተቲ ዑቑባ ዝተሰርቀ ገንዘብ ንምምላስ ከምዘይትሕግዝ ኣፍሊጣ

ሚኒስትሪ ዕዮን ሰብኣዊ ጉዳያትን እስራኤል ኢሳቕ ሽሙሊ፡ መንግስቲ ነቲ ብኣስራሕቲ ኣብ ባንክ ክኣቱ ዝግብኦ ካብ ሓተቲ ዑቅባ ናይ 20% ካብ ደመዞም ዝቑረጽ ዝነበረ ገንዘብ ዝኣከብዎ ግን ከኣ ከእትውዎ ዘይክኣሉ ንምምላስ ኣብ ዝቐረበ ጥርዓን ከምዘይተሓጋገዝ ኣፍሊጡ ክትብል ጋዜጣ ሃረጽ (Haartz) ሓቢራ። 

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መጋቢት ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እስራኤል፡ ብብዙሓት ዘይመንግስታውያን ትካላት፡ ኣብ ናይ መንግስቲ ባንክ ክእከብ ዝጸንሐ ገንዘብ፡ ብሰንኪ ወሪዱ ዘሎ ለበዳ ሕማም ኮሮና ነዞም ሓተቲ ዑቑባ ክምለሰሎም ዝብል ቁቡል ብምግባሩ፡ ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቑባ ኣብ ባንክ ናይ መንግስቲ ክቕመጥ ዝጸንሐ ኣብ ነፍሲ ወከፍ ወርሒ ዝተቖርጸ ደውመዞም ክወስዱዎ ጸኒሖም እዮም። እንተኾነ ግን ገለ ካብ ኣስራሕቲ ናብቲ መንግስቲ ዝኸፈቶ ባንክ ነሕልፎ ኣለና እናበሉ ክቆርጹሎም ዝጸንሑ ገንዘብ ከታልልዎም ስለዝጸንሑ ብዙሓት ሓተቲ ዑቑባ ግዳያት ኮይኖም ከምዘለዉ እታ ጋዜጣ ወሲኻ ሓቢራ። 

ኣብ እስራኤል ዝርከቡ ሓተቲ ዑቑባ ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት መንግስቲ እስራኤል ዘውጽኦ ፖሊሲታት ኣብ ቑጠባውን ማሕበራውን ህይወቶም ዓበይቲ ስምብራታት ገዲፉን ይግደፍን ከምዘሎን ይፍለጥ። 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles