ሰኑይ, ጥቅምቲ 27, 2025

ግብጺ ኣብ ልዕሊ ሓጽቢ ግድብ ኢትዮጵያ መጥቃዕቲ ክትገብር ትራምፕ ጸዊዑ

ፕረዚደንት ኣሜርካ ዶናልድ ትራምፕ ሎሚ ኣብ ሞንጎ ሱዳንን እስራኤልን ኣሜርካን ኣብ ዝነበረ ናይ ተሌፎን ርክብ፡ ብዛዕባ ኢትዮጵያ እትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ኣመልኪቱ ኣብ ዘሰምዖ ቃል፡ ግብጺ ኣብ ልዕሊ እቲ ሓጽቢ መጥቃዕቲ ዘይምግባራ ከምዘገረሞ ገሊጹ። 

እቲ ብተንቀሳቃሲ ስእሊ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ተሌፎን እናተዛራረበ ዘርኢ ቪድዮ፡ ንብዙሓት ሰባት ኣዝዩ ከምዘሰንበደን፡ ፕረዚደንት ትራምፕ ኣብ ዘረብኡ ኢትዮጵያ ንዝተፈተነ ውዕል ምኽታም፡ ኣብ ኣጠቓቕማ ማይ ምስ ግብጺ፡ ክትፍርም ዘይምኽኣላ ኣሜርካ ክትህባ ዝጸንሐ ገንዘብ ከምዝቀነሰቶን ኣብ ቀጻሊ ከተቋርጾ ምዃናን ሓቢሩ።

ብተወሳኺ ፕረዚደንት ትራምፕ ንቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን ዓብደላ ሓምዶክ፡ ንኢትዮጵያ ናብዚ ስምምዕ ንክትመጽእ ከእምንዋ ክገብሩ ከምዘለዎም ሓቢሩ። 

ግብጽን ኢትዮጵያን ኣብ ዝሓለፈ ዓመታት ጀሚረን ብጉዳይ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ፡ ኣብ ዲፕሎማስያውን ካልእን ወጥርታት ከምዘለዋ ይግለጽ። ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ኢትዮጵያ ነቲ ትሃንጾ ዘላ ሓጽቢ ክትመልኦ ብምጅምራ እቲ ወጥሪ ከምዝወሰኸ ይፍለጥ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ