back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ምስፍሕፋሕ ሓይሊ ስራዊት ኢትዮጵያን ኣብ ዞባና ዝህልዎ ጽልዋን

ኢትዮጵያ ካብ ምሕደራ ኢህይወደግ ወጺኣ ናብ’ዚ ንገዛእ ርእሱ “ናይ ለውጢ ሓይሊ” ኢሉ ዝሰመየ ብመሪሕነት ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ ዘሎ መንግስቲ ካብ ትሰጋገር፡ ኣብ ዉሽጢ ኢትዮጵያ ይኹን ዞባ ቀርኒ ኣፍሪቃ ብዙሓት መቕይሮታት ይረኣዩ ኣለዉ። ብቐንዱ ኢትዮጵያ ዝኣተወቶ ናይ ለውጢ መስርሕ ጌና ብህጻንነቱ ከሎ፡ ናብ ሰፊሕ ፖሊቲካዊ ቅልውላው ምስግጋሩ ክኸዉን ከሎ፡ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ፡ በቲ ሓደ ደላይ ሰላም፡ ፍትሒ፡ ማዕርነት፡ ብልጽግና ኮይኑ ክሰብኽ፡ በቲ ኻልእ ድማ ምስ ፍጹም ጸረ ሰላም፡ ልዕልና ሕጊ፡ ዕብየት፡ ልምዓት ዝኾኑ ከም ብዓል ፕረዝደንት ኢሰያስ ክመሓዞን ክማኸርን፡ ካብኡ ሓሊፉ እዉን ናይ ምኽሮም ኣፈጻሚ ክኸዉን ከሎ፡ ኣብ ዞባና ሓደጋኡ ዝኸፍአ ሓይሊ ይፍጠር ከምዘሎ ህዝብና ዝርድኦ ይመስለኒ። ምሕዝነት ኢሰያስን ኣብይን፡ ልክዕ ከምቲ ሰረቕትን ኣብ ምስራቕ ተሰማሚዖም ከብቅዑ ኣብ ምምቓል ዝበኣሱ ደኣ ከይኸዉን እምበር፡ ንሓደን ወሳንን ታርጌት ዝተሰማምዑ ይመስሉ። ንሱ ድማ ነቲ ንኽልቲኦም ከቢድ ዕንቅፋት ስትራተጂኦም ዝኾነ ‘ሕወሓት’ ብምጥፋእ ናይ “Game Over” ጽምብል ክገብሩን፡ ናይ ነዊሕ ሕልሚ ኢሰያስ ከፈጽሙን እዩ።
ነዚ ሕጋዊ ባይታ ንምጥጣሕ ኣብ መላእ ኢትዮጵያ ዘጋጥም ህዉከትን ሞትን ኩሉ “ናይ ወያነ ኢድ ኣሎዎ” ዝብል ቀጻሊ ኽሲ ይቐርብ ምህላዉ፡ ምቕታል ድምጻዊ ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ ኢድ ናይ ወያነ ከም ዘሎዎ ንምእማን ዓቃቢት ሕጊ ምስክርነታ ዝሃበትሉ ጉዳይ ምንባሩ፡ ኣብ ግዜ ምርጫ ክልል ትግራይ፡ “ኣድላይ ዝበለ ስጉምቲ ክንወስድ ኢና” እንዳበለ “ኣዴታት ክሓዝና፡ ገዛዉቲ ክፈርስ፡ መንእሰያት ክሞቱ ኣይንደልን” ዝብል ምሕጽንታ ካብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝተገልጸሉ፡ ብግብሪ ድማ ናብ ኲናት ዝመርሕ ስጉምታት ይዉሰዱ ምህላዎም ንዕዘብ ኣለና። ገለ ካብኡ፡ ‘ምርጫ ክልል ትግራይ ዘይምእማን፡ መንግስቲ ክልል ትግራይ ሕጋዊ ኣፍልጦ ዘይምሃብ፡ ባጀት ምዕጻው፡ ወዘተ ክኾኑ ከለዉ ብወገን ሕወሓት ድማ መንግስቲ ኣብይ ኣሕመድ ካብ መስከረም 25 ንድሓር ብወግዒ ፍሩስ ምዃኑ፡ ዝኾነ ትእዛዝ ናይ ፈደራል መንግስቲ ከም ዘይቅበሉ ብወግዒ ምፍላጦም እዩ።
ሎሚ ቕነ ድማ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ 4 እዝታት ናብ 6 እዝታት ከም ዝስፍሐ፡ ምምራቕ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ፡ ምሕያል ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ይካየድ ምቕናዩ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ እዋን ንላዕሊ ዝተዋህቦ ተልእኾ ንኽፍጽም ኣብ ዘኽእሎ ቑመና ከምዘሎ ብሰፊሑ ክግለጽ ጸኒሑ ኣሎ፡፡ እዚ ብስራት እዚ ንኣቶ ኢሰያስ ብምርኢት ቀሪብሉ፡ ናብ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ ከይዱ ብዓይኑ ተዓዚቡ። እዛ ናይ ሎሚ ኢትዮጵያ ድማ ኣብ ሕማቕ ፖሊቲካዊ ወጥሪ ኣትያ ዘላ ሃገር ምዃና ህዝቢ ኢትዮጵያ ብዓቢኡ ይምኮሮ ኣሎ፡፡ መራኸቢ ብዙሓን ይትንትናኦ፡ ስነ-ጥበባዉያን ይገጥምሉ፡ መንፈሳውያን ዝጽልዩሉ ዘሎዉ ሕማቕ ኩነታት እዩ ዘሎ። ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝእሰር ኣሲሩ፡ ዝቕተል ቀቲሉ ኣብ ስልጣን ናይ ምቕጻሉ ሕልሚ ብዝለዓለ ክቕጽሎ ከምዝቖረጸ ዘጋጥሙ ዘለዉ ፍጻመታት እኹል ምስክርነት እዮም። ነዚ ድማ ሓደ እዚ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝማእከሉ፡ ካልእ ሓድሽ እዚ ድማ ኣብ ባህርዳር ዝማእከሉ ወሲኹ፡ ልክዕ ከም’ቲ ኣዘዝቱ እዉን ዝበሉዎ ካብቲ ከባቢ ዝነቅል ምልዕዓላት እንተሎ ኣደብ ዘትሕዝ (ጸጥ ከምዝብል ንምግባር)፡ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ነቲ ምንብርካኽ ኣብዩዎ ዘሎ ዉድብ ሕወሓት መዓልቦ ንምግባር ይመስል።
ቀጺሉ ድማ ንኤርትራ ይኹን ቀርኒ ኣፍሪቃ ብምሉኡ ኣዝዩ ኣሰካፊ ናይ ኲናት ዞና ይፈጥር ምህላዉ እዩ። ከም እንሪኦ ዘለና ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ፡ ነዛ ዝቕተል ቐቲሉ፡ ዝእሰር ኣሲሩ፡ ዝብተን ድማ በቲኑ ባዶሽ ዘትረፋ ኤርትራ ወኒኑ ስቕ ዝብል ዘይኮነ፡ ፍጹም ኢትዮጵያዊ ባህጊ፡ ኢትዮጵያዊ ግዝኣት፡ ናይ ኢትዮጵያ ጸጋ ዝብህግ ዘሎ መራሒ እዩ። ነዚ ንምግባር ድማ ኣቐዲሙ እዉን ከም ዝገለጾ ሎሚ “ክልተ ሃገር፡ ክልተ ህዝቢ” ክሪኢ ዝደሊ ኣይመስልን። ብምርጫ ኢሰያስ ሓይሊ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ማያት ቀይሕ ባሕሪ ክዝንቢ ምሉእ ፍቓድ ወሲዱ ይህንደድ ኣሎ። ንኬንያ ይኹን ጅቡቲ ዘግለለ ስሉስ ኩርናዕ ምትሕግጋዝ ኤርትራ፡ ኢትዮጵያ፡ ሶማልያ ብዝለዓለ ይድፋኣሉ ኣሎ። እዚ ቁጠባዊ ረብሓ ዘይኮነ ፖሊቲካዊ ሽርሒ ምዃኑ ብዙሓት ክኢላታት ገሊጾሞ እዮም። ሕሉፍ ታሪኽ ኢሰያስ ከምዘብርሆ፡ ገዲም ተቓላሳይ ኣቶ መስፍን ሓጎስ እዉን ከምዘብርሆ “ሕልሚ ዓባይ ኢትዮጵያ ናይ ኢሰያስ” መዓልቱ ዝኣኸለ ይመስል።

ኣንጻር ምስፍሕፋሕ ዶ/ር ኣብይን ሽርሒ ኢሰያስን ዝዓጠቑ ሕወሓት ብወገኖም፡ ወተሃደራዊ ምርኢት ከርእዩ፡ ሓደስቲ ኮማንዶ ከመርቑ፡ ሰፊሕ ዘመተ ኣንጻር ማኣከላይ መንግስቲ ይገብሩ ኣሎዉ፡፡ ትግራይ ብዘይ ትእዛዝ ፈደራል መንግስቲ ብመሰል ርእሰ-ዉሳኔኣ ትመሓደር ዘለ ሓንቲ ክልል ኢትዮጵያ ኮይና ኣላ ማለት እዩ። እዞም ኩሎም ፖሊቲካዊ ቅልውላው ንዞባና ዞባ ወተሃደራዊ ወጥሪ ገይሮም፡ ኢትዮጵያ ብዓባያ ድማ ብሰላም ወፊርካ ብሰላም ዘይትምለሰላ ሃገር ከም ዝገበርዋ፡ ዕለታዊ ጸብጻባት ዉሽጢ ኢትዮጵያ ዝምስክሩዎ ዘለዉ ሓቂ እዩ። ሓደጋኡ ድማ ብኹሉ መዳዩ ኣዕናዊ፡ ናይ ምንባርን ዘይምንባርን ሕቶ ዝምልስ፡ እንተ ንጥፍኣት ኢሰያስ፡ ኣብይ ወይ ሕወሓት፡ ከምኡ ድማ እንተ ንዓወት ቃልሲ ኤርትራያን ወይ እዉን ንፍጹም ጥፍኣት ቃልሲ ንፍትሒ ኤርትራውያን ክኸዉን ከምዝኽእል ግሁድ እዩ። ስለ ዝኾነ ድማ፡ ፍልልያትና ወጊድ ኢልና፡ ግዜ ከይቀደመና ክንቅድሞ ከምዘለና እቲ ግዜ ባዕሉ ይጽወዓና ኣሎ። ከም ኤርትራውያን ሃገርና ነበር ከይተባህለት፡ ቃልስና ካብ ንሓርነት ንነጻነት ከይተቐየረ፡ ሕጂ ክንፈጥሮ ዘለና ሓድነት ፈጢርና ተኣምር ክንስራሕ፡ እቲ ዉጹዕ ህዝብናን፡ እታ ብዋጋ ጀጋኑ ዝተረኽበት ሃገርና ኤርትራን ይጽዉዑና ኣለዉ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles