ብ ሶኑይ 19 ጥቅምቲ 2020 ማዕኬናት ዜና እትዮጵያ ኣብ ዝጸብጸብኦ ዜናታት፡ ሰራዊት ምክልኻል ናይታ ሃገር፡ ካብ ኣርባዕተ ናብ ሹዱሽተ እዝታት ክብ ከም ዝበለ ኣፍሊጠን።
እዞም ተወሰኽቲ ክልተ እዝታት፡ ሰሜናዊ ምዕራብ እዚ ማእከላዊ እዝን ዝብል ስያመ ሒዞም ከምዘለዉ ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ ሰሜናዊ-ምዕራብ፡ ባህርዳር ማእከል ዝገበረ ክኸውን እንከሎ፡ እቲ ማእከላዊ እዚ ድማ ኣዲስ ኣበባ ማእከል ዝገበረ ምዃኑ ሓለቓ ሰራዊት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኢታማጆር ጀኔራል ኣድም መሓመድን፡ ሓለቓ ሓይሊ ምድሪ ምክትል ኢታማጆር ጀኔራል ብርሃኑ ጁላ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሮም።
እዞም ክልተ ኣዘዝቲ ሰራዊት ኣብ መግለጺኦም፥ ኣብ ዝሓለፈ ክልተ ዓመታት ዝተራእዩ ሓደሽቲ ምዕባለታት ናይ ሰላምን ጸጥታት ነዚ ወሰኽ እዝታት ከም ዘድሊ ከእምተሎም ከምዝኽኣለን፡ ንዝኾነ ዝዋሃቦ ስራሕ ብዝቐልጠፈ ኣብ ምፍጻም ክሕግዝ ከምዝኽእል ዝወሰኹ እቶም ኣዘዝቲ፡ ውሽጣዊ ይኹን ደጋዊ ተጸብኦታት ንምብርዓን ዘኽእል ኣወዳድባ ምዃኑ ወሲኾም ገሊጾም። ብተወሳኺ እዘን ክልተ ሓደሽቲ እዝታት ኣብ ውሽጢ ሓደ ዓመት ኣብ ዝተመደበለን ናይ ትእዛዝ ቦታ ስራሕ ከምዝዋፈራ ሓቢሮም።
ከም ዝዝከር ኣብ 2018 ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ ተኸቲሉ፡ ዳግመ ስርርዕ ኣብ ክፍልታት ምክልኻል ሰራዊትን ኣዘዝትን ጸጥታን ከምዝተገብረን፡ ዓቕሚ ናይቲ ሽዑ ቆይሙ ዝጸንሐ እዝታት ካብ ሽዱሽተ እዝታት ናብ ኣርባዕተ እዝታት ወሪዱ ከምዝነበረ ይፍለጥ።
እዚ ምስፋሕ እዝታትን ዳግመ ስርርዕን ሰራዊት እትዮጵያ ኣብቲ ዞባ እንታይ ጽልዋ ይህልዎ? ንዝብል ሕቶ ተንታኒ ፖለቲካ ቀርኒ ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቕን ኣቶ ዓብዱልራሕማን ቦሓሽም፡ “ምውሳኽ ናይዚ ክልተ እዝታት፡ ከምቲ ኣብ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝተገልጸ፡ እቲ ሰሜናዊ-ምዕራብ ተባሂሉ ዝቐውም ዘሎ፡ ንዝኾነ ተኽእሎታት ተጻብኦ ካብ ግብጺ ንዝመጽእ ዘተኮረ ይመስል። ከምኡ’ውን ምስ ከባቢታት ወልቃይትን ሑሞራን ተታሓሒዙ ንዝፍጠር ውሽጣዊ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ጸጥታ ኩነታት ዝተታሐዘ እዩ ዝብለ ረድኢትን ገምጋምን እዩ ዘለኒ” ይብል። ኣስዒቡ ኣቶ ዓብዱልራሕማን ቦሓሽም “ብንጹር ቀዳማይ ምኒስተር ኣብይ ኣሕመድ ከም ግዝያዊ መሰጋገሪ መንግስቲ ዘይኮነ፡ ከም ቀዋሚ መንግስቲ በትረ ስልጣኑ ኣብ ምድልዳልን ዓቕሙ ኣብ ምሕያልን እዩ ዝንቀሳቀስ ዘሎ” ክብል ወሲኹ ገሊጹ።
እዚ ከምዚ እንከሎ “ኢንተርናሽናል ክራይስስ ግሩፕ” (International Crisis Group) ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣብ ዝዘርገሖ ጸብጻብ፡ ኣብ ናይ ኢትዮጵያ ፖሎቲካዊ ኩነታት ዘተኮረ፥ኣብ መንጎ መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ማእከላይ መንግስቲ ኢትዮጵያን ጎንጺ ከይለዓል ስግእት ከምዘለዎ ሓቢሩ ምንባሩ ይዝከር።