back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሽወደን ፥ኣብ ልዕሊ ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ ክሲ ተመስሪቱ

ሽወደን ብምኽንያት ምስዋርን፡ ፍርዲ ዘይብሉ ማእሰርቲ ጋዜጠኛ ዳዊት ኢሳቅን፡ ሎሚ 21 ጥቅምቲ ንብዙሓት ሰበስልጣን መንግስቲ ኤርትራ  ክሲ ከምዝተመስረተሎም ራድዮ ኤረና ሎሚ ኣብ ጸብጻባ ገሊጻ። እታ ራድዮ ወሲኻ እቶም ሰበስልጣን ናብ ሽወደን ኣብ ዝመጹሉ ግዜ፡ ብፖሊስ ናይታ ሃገር ተታሒዞም ናብ ጉቡእ ፍርዲ ክቀርቡን በዚ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ክሕተቱን ምኻኖም ዝጠልብ ምኻኑ ገሊጻ። 

ኣብቲ ክሲ ኣስማቶም ተዘርዚሩ ዘሎ ሰበ ስልጣን መንግስቲ ኤርትራ፣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ፣ ኣማኻሪኡ ኣቶ የማነ ገብርኣብ፣ ሚኒስተር ፍትሒ፣ ፎውዝያ ሓሽም፣ ጠቕላሊ ሓለቓ ስታፍ ሰራዊት፣ ጀነራል ፊሊጶስ ወልደዮውሃንስ፣ ሓላፊ ሃገራዊ ድሕነትን ጸጥታን፣ ብርጋደር ጀነራል ኣብራሃ ካሳ፣ ከምኡ ድማ፣ ኣዛዚ ውሽጣዊ ጸጥታን ፖሊስን፣ ብርጋደር ጀነራል ስምኦን ገብረድንግል ምኻኖም ይሕበር። 

እዚ ተመስሪቱ ዘሎ ክሲ ብዙሓት ኣካላት ናይ ሕግን፡ ጸብጻባት ጋዜጠኛታት ብዘይዶብ፡ ንዳዊት ኢሳቅ እትጣበቅ ማሕበርን፡ ካልኦት 12 ዓለምለኻዊ ናይ ሰብኣዊ መሰል ተጣበቅትን ክኢላታትን ብምትሕብባር፡ ዳዊት ኢሳቅ ናብ ዝቕመጠሉ ዝነብረ ከተማ ኣብ ዝርከብ ኣኽባር ሕጊ ኣቅሪቦሞ ዘለዉ። 

ዳዊት ኢሳቕን ካልኦት ብዙሓት ጋዜጠኛታት ቅድሚ 19 ዓመት፡ ከካብ ዝነበርዎ ቦታ ተወሲዶም ምስ ተኣሰሩ፡ ክሳብ ሎሚ ደሃዮም ኣበይ ከምዘሎ ከምዘይፍለጥን፡ ፍርዳዊ መስርሕ ከምዘይቀረበሎምን እዩ ዝፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles