ደለይቲ ፍትሒ ኤርትራዊያን ነበርቲ ዋሺንግተን ዲሲ፣ መሪላንድን ቪርጂንያን ኣብ ትሕቲ ጽላል የኣክል ንኽጥርነፍ ዓብይ ስራሕ ተሰላሲሉ፡ ኣብ ዕለታት 08/29/2020ን 10/10/2020ን መስራቲ ጉባኤኡ ብምቕንዕ ባይቶ ኤርትራዊያን ዋሺንግተን ዲሲ፣ መሪላንድን ቪርጂንያን ተመስሪቱ።
እዚ ባይቶ’ዚ፡ ብትሕዝትኡ ኮነ ብቕርጹ ፍልይ ዝበለ ኮይኑ፡ ንኹሉ ኤርትራዊ ኣብቲ ዓንዲ ሕጊ ተዘርዚሩ ዘሎ ዓንቀጻት ዝኣመነ ኩሉ ኤርትራዊ፣ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ኣፈላላይ ዝጥርንፍ ትካል እዩ። እዚ ባይቶ’ዚ ኣብ ልዕልና–ሕጊ ዝተመስረተ ኮይኑ ንኹሉ ክሰርሕ ዝኽእል ብዘይ ገደብ ዕድል ዝህብ’ዩ። ምሕደራዊ ቅርጹ ኣብ ንሓድሕዱ ዝደጋገፍን ዝቆጻጸርን ኮይኑ ንልዑላውነት ህዝቢ ቀዳምነት ዝህብ እዩ። ሕዝቢ ብወከልቱ (Secretariat) ተኣኪቡ ጉዳያቱ ዝውስነሉን ዝቆጻጸረሉን ባይታ ተፈጢሩ ኣሎ። ፈጻሚት ሽማግለ (Executive) ንዕላማታት ባይቶ ከተተግብር ኣብ ሰፊሕ ምድላዋት ትርከብ ኣላ። ኣማኻሪትን ግርጭት እትፈትሕን ኣካል ድማ ንውሽጣውን ግዳማውን ኩነታት ብምጽናዕ ንዘለዉን ብሕጂ ንዝፍጠሩን ዘይምርድዳኣትን ግርጭታትን ክትፈትሕን ክትኣሊን ኣድላዪ ምኽርን ማዕዳን ክትህብን ክትግምግምን ተዳላያ ኣላ። ተራ ናይዛ ኣካል ብኸፊል ምስቲ ናይ ፍርዳዊ ኣካል (Judiciary) ዝመሳሰል ኮይኑ ንምስሊ ኤርትራ ንኸተንጸባርቕ ጻዕርታት ተኻይዱላ እዩ። ንኽሉ ኣታዊታትን ወጻኢታትን እትቆጻጸር ናይ ኦዲት ትካልው’ን ቦታኣ ሒዛ ኣላ።
ውሳኔታት ባይቶ ኣብ ዲሞክራሲ ተማእኪሉ፡ ጉሉጽነትን ተሓታትነትን ዝመለለዪኡ ኮይኑ ኩሎም ኣባላት ባይቶ ብናይ ሕድሕድ ምክብባርን ምጽውዋርን ባህሊ ንቕድሚት ክስጉሙ ብቆራጽነት ተላዒሎም ከምዘለዉ ከነበስረኩም ንፈቱ።
ኣብ መወዳእታ፡ በዚ ኩቡር ኣጋጣሚ ምኽንያት ብምግባር ነዞም ዝስዕቡ ኣካላት እዚ ዝስዕብ መልእኽቲ ከነመሓላልፍ ከለና ታሪኻዊ ጉቡእና ሙዃኑ ብምርዳእን ብምግንዛብ እዩ።
ንስርዓት ኢሰያስን ንቁንጣሮ ደቂ መዛሙርቱን፦
- ንውልቃዊ ስልጣንን ካልኦት ረብሓታትን ክትብሉ ንህዝቢ ኤርትራን፡ ነቶም ምእንቲ ናጽነት ኤርትራ ሂዎቶምን ኣካሎምን፡ ዕድሚኦምን ዝወፈዩ መጋድልትኹም ካብ ትጠልሙ ዳርጋ 30 ዓመት ኮይኑ ኣሎ።
- ህዝቢ ኤርትራ ቀሲኑ ብሰላም ንኸይነብር፡ ውልቀ መላኽነት ኣንጊስኩም ኣብ ራዕድን ሽበራን ተንብርዎ ኣለኹም።
- ህዝብና ከይስስንን ልምድታቱን ክብሪታቱን ዓቂቡ ንቕድሚት ካይግስግስን፡ ንብዘላ ስድራ በታቲንኩም ኣደዳ ሕሰምን መከራን ኣውሪድኩሙላ ኣለኹም።
- መንእሰያትና ከይመሃሩን ንቡር ሂወቶም ከይመርሑን ጅሆ ብምሓዝ ኣብ ጎዳጉዲ ተንብርዎም ኣለኹም። እቶም በትሪ መግዛእትኹም ዝመሮሮም ድማ ሃጽ ኢሎም ናብ እግሮም ዝመርሖም ክስደዱን ኣደዳ ስቓይን ሞትን ጌርኩሞም ኣለኹም።
- ነቲ ዝተረክብኩሞ ወለዶ ብኣልማማ ኣደንቂርኩም ኣብ ናይ ባርነት ሂወት ተንብርዎ ኣለኹም።
- ንኹሉ ብዛዕባ ኤርትራ ዝሓስብ ብምሕያር ፣ ግደ ስቓይን ሞትን ብምግባር ነቲ ዝተርፈ ሓፋሽ ህዝቢ’ውን ኣብ ዝዓበየ ካርሸሊ ብምእታው ኣብ ናይ ገዛእ ቤቱ እሱር ጌርኩሞ ኣለኹም።
- ነቲ በዚ ሰራም ሽርሑኹም ዘይተጻዓደ ህዝብና ብናይ ኮረና ሕማም ኣሳቢብኩም ግደ ዓጸቦ ትገብርዎ ኣለኹም።
- ንልዕልና ሕጊ ረጊጽኩም ነቲ ኩቡር ሰብ ከም ኣቕሓ ብይጽናሓለይ ንዓመታት ሓይርኩሞ ኣለኹም።
- ቁጠባና ረሚስኩም፡ ንነጋዶና ኣባሪርኩም ዓዲ ብምእልታ ናብ ልመና ኣውሪድኩማ ኣለኹም።
- ሕጂ ድማ ሕሉፍ ሓሊፍኩም ነታ ብመዳርግቲ ኣልቦ መስዋእቲ ዝመጸት ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእቲኹማ ኣለኹም።
ንመራሕቲ ኢትዮጵያ ብፍላይ ድማ ንዶ/ር ኣቢ ኣሕመድ፦
- ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ከም መራሒ ሃገር ዝነበሮ ስልጣን ቅድሚ 20 ዓመት ከምዘብቐዐን ሕጋዊ ወኪል ህዝቢ ኤርትራ ከምዘይኮነን ክንሕብረኩም ንፈቱ። ስለዝኸነ ድማ ምስ ኣቶ ኢሰያስ ኣፍወርቂ ትገብርዎ ዝኾነ ይኹን ውዕላት ዉዱቕ ምዃኑ ኣቀዲምና ብዓውታ ነፍልጠኩም።
- ብተወሳኺ፡ ኣብ ሕድሕድ ምክብባርን ምጥቕቓምን ዝተሞርኮሰ ጽቡቕ ጉርብትና ክህልወና ከምንደሊ’ውን በዚ ኣጋጣሚ ክንሕብረኩም ንደሊ።
ንሕብረተሰብ ዓለም ብሓፈሻ ንሃገራት ቀርኒ ኣፍሪቃ ድማ ብፍላይ፦
- ስርዓት ኢሰያስ ንኹሉ ዞባውን ኣህጉራው ዓለማውን ውዕላት ጢሒሱ ኣብ ገዛእ ህዝቡ ዘውርዶ ዘሎ ስቓይን መከራን ካብ ምዕዛብ ሓሊፍኩም ዝገበርኩሞ ነገር ስለዘየለ፣ በዚ ኣጋጣሚ ሞራላውን ሕጋውን ሓፍነትኩም ንኽትስከሙ ኣትሪርና ንሓትት።
- ንኤርትራ ካብዚ ዘለቶ ዞባውን ኣህጉራውን ዓለማውን ተነጽሎ ንኽትወጽእን ፣ ጉቡእ ተራኣ ንኽትጻወትን ዘይተሓለለ ጻዕሪ ከነካይድ ምዃንና በዚ ኣጋጣሚ ነበስረኩም ንፈቱ።
ንሓይልታት ምክልኻል ኤርትራን ሰራሕተኛታት ሃገራዊ ትካላትን፦
- ኣብ ትሕቲ ርህራሀ ዘይብሉ ዓማጺ ምልካዊ ጉጅለ፣ ጽንኩር ሂወት ተሕልፉ ምህላውኩምን፣ ንስድራቤትኩም ብግቡእ ክትዕንግሉስ ይትረፍ፣ ነዛ ንዓይንኹም እውን ክትጸግብዎም ኣብ ዘይትኽእሉሉ ሃለዋት ንዓሰርተታት ዓመታት ከርተት ኢልኩም።
- እቲ ስቓይኩም ዘይጸገበን፣ ኣብ ዂናትን ህውከትን ዝነብር ምልካዊ ጉጅለ ፣ ሓርነት ህዝብኹም ጨውዩ፣ ኣብ ጥሜትን ድኽነትን ሸሚሙ፣ ንዕሸላት ደቅኹም ከይተረፈ ኣብ ዘይውዳእ ኣገልግሎት ቆሪኑ፣ ናብ ስደትን ከርተትን ምግዳዱ ከይኣክል ፣ብምስጢር ህዝቢ ኤርትራን ሃገራዊ ትካላቱን ዘይፈልጥዎ፣ ብሕቡእ ውዑላት ነቲ ሰፍ ዘይብል ዋጋ ዝኸፍልኩሙሉ ነጻነትን ልዑላውነትን ሃገር ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ኣእትዩዋ ይርከብ።
- በትሪ ኣብ ኢድኩም፣ ተመን ኣብ እግርኹም እዩ ዘሎ’ሞ፣ ክሳብ መዓስ ብመርዛም ተመን እናተነኸስኩም ክትጽመሙ። ነታ ክቡር ሂወትኩምን ዕድመኹምን ዝኸፈልኩምላ ክብርቲ ነጻነት ሃገር ብምዕቃብ፣ ሓርነት ህዝብኹም ንምርግጋጽ ፣ ኣብ ጎድኒ ህዝብኹምን ደቅኹምን መጻኢ ወሎዶታት ኤርትራን ክትውግኑ ንጽውዕ።
ኣብ ውሽጥን ወጻእን እትነብር ሓርበኛ ህዝብና፦
- ሕማቕ ኣጋጣሚ ኮይኑ እቲ ንነዊሕ ዘመናት መዘና ኣልቦ ዋጋ ከፊልካ ዘርገጋገጽካዮ ናጽነት ሃገር ንረብሓኻ ኣይወዓለን። ገና ንሓርነትካ ሀረር ትብል ኣለኻ። ትዕግስትኻን ዓቕልኻን ኩኡ ግን ገደብ ክትገብረሉ ይግባእ። ኣብ ሞንኮብኻ ተወጢሖም ክሳዕ መዓስ ኢኻ ክትጽመሞም?!
- ዘይተመለአ ክትምልእ፡ ኣብዚ ሕጂ ዘለናዮ ፈታኒ እዋን ምስ ደለይቲ ፍትሒ ደቕኻ ወጊንካ ንኹሉ ይኣክል ብምባል ከምቀደምካ ካይተሓለልካ እጃምካ ኣበርክት። ዓወትና ናይ ግድን እዩ!
ንደለይቲ ፍትሒ ብሓፈሻ፦
- ሕሰም ህዝብና ናብ ተራእዩ ዘይፈልጥ ደረጃ ዓሪጉ ሃገርና ድማ ኣብ ሓደጋ ወዲቓ ኣላ።
- ተስፋ ህዝብናን ሃገርናን ኣብ ኢድ ደለይቲ ፍትሒ ኣሎ።
- ሚስጢር ዓወትና ሓድነትና ስለዝኾነ ፣ ቃልስና ብዝግባእ ኣወሃሂድና ካብ ታሕቲ ንላዕሊ ከቃልሱና ዝኽእሉ ትካላት ንህነጽ። ኩሉ ዓቕምናን ግዜናን ናብቲ ኣውራ ጉዳይና ነቕንዕ – ንሱ ድማ ስልጣን ካብ ውልቀ መላኺ ብሰላማዊ መገዲ ንሕዝብና ነረክብ፡ ቁዋማዊ መንግስቲ ንትከል።
- ቅዋማዊ መንግስቲ ምስ ተኸልና ዝኾነ ንስልጣን ክወዳደር ዝደሊ ብሕጊ ምርጫ መሰረት ተወዳዲሩ ሕዝብና ቆጽሊ ምስ ኣውደቐሉ ናይ ምምራሕ ሙሉእ መሰል ኣለዎ። እንበእር ናይ ሓባር ዕላማታትና ብምምዕዳው፡ ቀዳምነታትና ብጉቡእ እንተሰሪዕና፡ ዘይንዕወተሉ ዋላ ሓንቲ ምኽንያት የለን። ምፍልላይናን ብሓባር ዘምስራሕናን ፣ ዕምሪ ስርዓት ኢሰያስ ካብ ምንዋሕን ሕሰም ሕዝብና ካብ ምግዳድን ሓሊፉ ካሊእ ዘምጽኦ ፋይዳ የብሉን። እዚ ኩሉ ትስሕትዎ ኣይንብልን፣ ስለዚ፡ ሃየ ንሕበር ንዓቢ ቁምነገር!!!
ንደለይቲ ፍትሒ ዋሺንግተን ዲሲ፣ መሪላንድን ቪርጂንያን፦
- ድሕሪ ነዊሕን ዘይተሓለለን ጻዕሪ ባይቶና ስለዝተኸልና እንቋዕ ደስ በለና!!
- ባይቶና ኣድማዒ ተራ ንኽጻወት ፣ ናይ ነፍሲ ወከፍና ጻዕርን ኣበርኩቶን ክሓትት እዩ፡ ነዚ ድማ ቆሪጽና ተላዒልና ኣለና!!
- ናትና ጻዕሪ ንበይኑ እኹል ስለዘኮነ ድማ ምስ ኩለን ባይቶታት ተጠሚርና ብሓባር ክንሰርሕ ቁሩባት ኣለና!!!!
ዓወት ንህዝቢ ኤርትራ
ባይቶ ኤርትራዊያን ዋሺንግተን ዲሲ፣ መሪላንድን ቪርጂንያን
10 ጥቅምቲ 2020