መንእሰይ ውዑይ ሓይሊ እዩ። እንተድኣ ብጉቡእ ተኣልዩን ነቂሑን ታሪኹን መንነቱን ፈሉጡ መድሕን ሃገርን መላግቦ ወለዶታት እዩ ዝኸውን። እንተድኣ ብጉቡእ ዘይተመልሚሉ ድማ መሳርሒ ኣድሓርሓሪ ሓይልን ባዕድን ጾር ሕብረተስብን እዩ ዝኸውን።
ኣብ ኤርትራ ታሪኽ መንእሰያት ብፍላይ ድሕሪ ኣርባዓታት ከም ወርቂ እንዳደመቀን እንዳተኾለዐን እዩ መጺኡ። እዚ ካብ ኣርባዓታት ክሳብ ሰማንያታት ዝተወልደ መንእሰይ ሰውራ መሪሑ ንልዕሊ ሓያላት ሲዒሩ ሃገር ዘምጽኤ እዩ። እዚ መንእሰይ ዉሑድ መወከሲ ሒዙ ነቲ ዝረኸቦ ኣኻዕቢቱ ኣብ ዓለም ዘይተራእየ ዓቢ ታሪኽ እዩ ሰሪሑ። ድሕሪ ሰማንያታት ዝመጸ ወለዶታት እውን ካብቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ወሪሱ ሃገርን ልዕላውነትን ኣውሒሱን ኣጽኒዑን ነታ ካብ ባዶ ዝተበገሰት ሃገር ክሃንጻ ክሳብ ሕጂ ደኺመ ከይበለ ለይትን መዓልትን ይሰርሕ ኣሎ። እንተኾነ ኣብዚ እዋን እቶም ኣብ ሰማንታታትን ድሕሪኡን ንሰውራን ሃገርን ጠሊሞም ናብ ስደት ዘምርሑን ወያነን ምዕራባውያንን ዝዘርእዎ ክፉእ ውዲት ንውሑዳት ፍጮ ሕብረተሰብ ዝኾኑ ኣብ ዘየድሊ ዕላማ መልሚሎም ካብ ህዝቦምን ሃገሮምን ታሪኾምን ክርሕቁን ገበን ክፍጽሙን ይደፋፍእዎም ኣለዉ።
እዚ ሕጂ ኣብ ናይ ምዕራብ ዓለም ኮይኑ ብእምንን በትርን ሓጺንን ኣንጻር ሰላማውያን ሃገራውያንን ኣብያተ ክርስትያናትን ህውከት ዝገብር ዘሎ እንታይ እዩ ዕላምኡ? ቅዋምን ከተግብሩ ደሞክራሲ ከስፍኑ እንተድኣ ኮይኖም ንሕግን ቅዋምን ናይተን ዑቕባ ዝሃበኦም ሃገራት ዘየኽበሩ ከመይ ጌሮም ካብ ሃገሮም ሪሒቖም ሕግን ቅዋምን ከተግብሩ። ሓደ ተቃላሳይ መሪሕን ኣብነትን ናይ ሕጊ ምኽባር እዩ። ንሰላማዊ ህዝቡ ዘየኽበረ ከመይ ጌሩ ሃገር ከማሓድር። ብርግጽ ድማ ኣብ ኩሉ ዘልዕልዎ ኣርእስቲ ሕግን ቅዋምን ዲሞክራስን ብዙሕ ደሚቑ ዝርኤ ኣይኮነን። ከምኡውን ሃገር ብኸምዚ ትመሓደር ዝብል ፕሮግራም ይኹን ንጹር ዕላማ ክገልጹ ኣይርኣዩን።
መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ልዕሊ እዞም መንእሰያት እንታይ ኣበሳ እዩ ፈጺሙ? መብዛሕትኡ እዞም ሰባት ኣብ ልዕሊ መንእሰያት ተፈጺሙ ዝብልዎ ግፍዒ ብሰንኪ መንግስቲ ኣብ ሃገሮም ቀሲኖም ክሓድሩን ስለዘይካኣሉ ወጺኦም ኣብ ሊብያን ሲናይን ማዓት ሽግርን መከራን ስለዝረኸብና እንዳ በሉ ይሽቕጡ። ብተግባር ግን መንግስቲ ንመንእሰይ ንዓ ተማሃር፡ ንሃገካ ህነጽን ተኸላኸልን ጥራሕ እዩ ዝብል ዘሎን ዝነበረን። ሓደ ሃገሩ ከየገልግል ዝኮብለለ፡ ኣብ ትሕቲ ጉብጥሽ ኣዲኡ ዝተሓበኤ፡ ሓደ ምስ ጸላኢ ከይገጥም ኣሽሓት ዶላራት ከፊሉ ዶብ ዝሰገረ ብከመይ እዩ ብጹእ ክኸውን ዝደሊ? መሳትኡ ኩሉ ካብኦም ዝሕተት ኣብ ድፍዓትን ህንጸት ሃገርን ወፊሮም እንዳ ነበሩ እዚ ጉቡኡ ከይገበረ ዝተሰደ ከመይ ጌሩ እዩ ሕልፊ እቲ ዘገልገለ ሕጂ ኣብ ደገ ኮይኑ ዘመኽንን ዝወራዘን?
መንግስቲ ኤርትራ ንኩነታት መንገዲ ሊብያን ሲናይን ኣመልኪቱ ሕማቕን ብዙሕ ሽግር ከምዘለዎ ሓቀኛ ዶክመንታሪ ፊልም ኣብ ERI-TV ብምዝርጋሕ ብዙሕ ምኽርን ምዕዶን ይህብ ነይሩ። ብዙሕ ሰብ እውን ነዞም መንእሰያት በዚ ሓደገኛ መንገዲ ይምዕዶም ነይሩ። እዚ ሕጂ ዝኸስስ ዘሎ መንእሰይ ነፍሲ ወከፍ ቅድሚኡ ናብ ሊብያን ሲናይን ዝተጋዕዙእቶም እንታይ ኣጋጢምዎም ይሰምዑ ነይሮም እዮም። ስድራቤታት ዘይተኣደነ ገንዘብ ክከፍላ እንዳረሓተታ እቲ ዘይከፈለ ድማ ኩሊቱ ይውሰድ ከምዝነበረ እንዳሰማዕኩም፡ መራኽብ እውን ይጥሕላን ሰብ ይመውት ከምዝነበረ እንዳፈለጥኩም፡ መልሲ ናይዚ ሕጂ ዝሕንሕን ዘሎ መንእሰይ ግን “ዕድለይን ዕድል ካልኦትን ሓደ ኣይኮነንን” እንዳበልኩም ብድልየትኩም ዘምጻእክምዎ ስቃይ ስለምንታይ ሕጂ ንመንግስቲ ክትውንጅሉ ትደልዩ?
ብዛዕባ ኣብ ላምፓዶስያ ዘጋነፈ ሞትን ሓደጋን መንግስቲ ኤርትራ ብኡ ንብኡኡ መግለጺ ኣውጺኡ እዩ። እቲ ናይዚ ፍልሰት ሞትን ሽግርን ኤርትራአያን ተሓታቲ መንግስቲ ኣሜርካ ምኻኑ ኣፍሊጡን ንስድራቤት መወቲ ድማ ጽንዓት ይሃብኩም ኢሉ። ሬሳታት ናብ ሃገር ንክምለስ ዝገበሮ ጻዕሪ ድማ ምዕራባውያን ንፖለቲካዊ ሃልኪ ዘየድሊ ምስምስ ብምፍጣር ክሳብ ሕጂ ጆሆ ሒዞሞ ኣለዉ። እቲ ጉዕዞ ክሳብ ሕጂ ብምትብባዕ ስድራቤታትን እዞም ብስም ኤርትራ ዝነግዱ ተቃወምቲ ባሃልቲ ቀጻሊ እዩ ዘሎ። ስለዚ ሓደ ብድልየቱ ሞትን ሽግርን ዝመረጸ፡ ነዲኡ ኩትሻ ክዕድግ፡ መረባዕ ከስርሕን ነብሱ ከማሓይሽን ኣብ ሁጉም
ዝኣተወ ነቲ ዝሓልየሉ ንዓ ተማሃርን ንሃገርካ ህነጽን ተኻላኸልን ዝብል መንግስቲ ከተጸልም ዓገብ እዩ።
ካልእ ዝቀርብ ክሲ ገደብ ሃገራዊ ኣገልግሎት ነዊሑ ዝብል መመኽነይታ ኣሎ። ብርግጽ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክእወጅ እንከሎ ኣብ ግዜ ሰላም ስለዝነበረ ዕድመ ኣገልግሎት ዓሰርተ ሾምንተ ወርሒ እዩ ነይሩ። ክሳብ ራብዓይ ዙር ድማ ኩሎም ኣባላት ሃገራዊ ኣገልግሎት ኣብቲ ዝተመደበሎም ግዜ ወዲኦም ተፋንዮም። ብዙሓት ክምስክርዎ ዝኽእሉ ሃገራዊ ኣገልግሎት ወዲኦም ተፋንዮም ብሕጋዊ መንገዲ ናብ ስደት ዘምርሑ ቡዙሓት እዮም።
ሕማቅ ዕድል ኮይኑ ግን እቶም ብጀካ ተንኮልን ሕማቅ ዕላማ ዘለዎም ወየንቲ ህዝቢ ኤርትራ ብዘይተጸበዮ ኣብ ግንቦት 1998 ብመንገዲ እቲ ስማዊ ፓርላማ ኢትዮጵያ ውግእ ስለ ዝኣወጁን ነቲ ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ንክትግበር ስለ ዝሓንገዱ፡ እዞም ጠንቂ ናይዚ ኩናት ዝኾኑ ወየንቲ ክሳብ 2022 መወዳእታ ስለዘይተኣልዩ ሃገር ንምድሓን መንእሰይ ንሃገሩ ክከላኸል ግድነት እዩ። ኣብ ዶባት ኤርትራ ተጸጊዑን ተዳልዩን ዝነበረ ሰራዊት ዕስራ ዕጽፊ ወይ ድማ ክንዲ ፍርቂ ህዝቢ ኤርትራ እዩ። ኣብ ከምዚ ኩነታት ሃገር መን ድኣ እዩ ከድሕና? ሃገር ገዲፍካ ምህዳም ወይ ኣብ ገዛኻ ኮፍ ምባል ድዩ ወይስ ኣነ ኣለኹልኪ ሃገረይ እዩ ክብል ዝግብኦ መንእሰይ?
ምስ እዚ ኩሉ ግን ኣብ ዝሓለፈ ዕስራን ሓሙሽተን ዓመታት ገለ ሩፍታ ኣብ ዝተረኽበሉ ብዙሓት ብናይ ስድራቤት ሽግርን ጥዕናን ምኽንያት ከምኡውን ልዕሊ 90 ሚእታዊት ካብ ደቂ ኣንስትዮ ሃገራዊ ኣገልግሎት ተፋንዮም እዮም። ሕጂ ኩሉ ሳዋ ዝወርድ ናብ ወተሃደራዊ መደብ ኣይከይድን እዩ። ኩሎም ናይ ኮለጃትን ሞያዊ ትምህርቲ ነጥቢ ዘምጽኡ ድሕሪ ትምህርቶም ምውድኦም ናብ ዝተፈላለያ ሚንስትርታትን ትካላት መንግስትን ተመዲቦም ሃገራዊ ጉቡኦም ይገብሩ ኣለዉ። ሕጂ እዞም ጉቡኦም ከይገበሩ ዝሓንገዱ ቤተሰቦም ብሕጊ ስለዝተኣስሩ ወይ ተገዲዶም ናብ ኣገልግሎት ስለዝኸዱ እዚ ሕጂ ዝርኤ ዘሎ ምንቕስቃስ ሕርቃን ናቱ እዩ ዝብል ሙጉት ክሕደት ንሃገር እዩ ጥራሕ እንብሎ። ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ውሑዳት ናብ ስደት ኣምሪሖም እዮም፡ ግን ኣብ ወጻኢ ኮይኖም ክሳብ ሕጂ ደጀንን ድርዕን ሃገሮምን ኮይኖም የገልግሉ ኣለው። ብዓቢ ድማ እቲ ኣብዚ ሳላሳ ዓመት ግዜ ተጋዲሉ ነጻነት ዘምጽኤ ደኺመን ኣሪገን ከይበለ ጫምኡ ከይቀየረ ምስ ደቁን ስድራቤቱን ሃገሩ እዩ ዘገልግል ዘሎ። እቲ ዓመት ክልተ ዓመት ኣገልጊሉ ወይ ፈጺሙ ከየገልገለ ናብ ስደት ዘምርሐ ከምዚ ኢሉ ከማርር ሃየንታ
እዩ።
ኤርትራ ፍረ ውጺኢት ጥምረትን ሓድነትን ትሽዓተ ብሄራትና እያ። ኣብ ኤርትራ ኤርትራዊ መንነት እምበር ትግራዋይ መንነት ዝብሃል የለን። ብሄረ ትግርኛ እምበር ብሄረ ትግራይ ዝብሃል የለን። እዞም ተጸሊሎም ዘለዉ መንእሰያት እዚ ኩሉ ዕግርግር ዝገብርዎ ዘለዉ ትግራዎት ኢኹም ይብሉና ስለዘለዉ እዩ ይብሉ።
ዝኾነ ሰብ ትግራዋይ እየ እንተዘይኢሉ ትግራዋይ ኢኻ ዝብሎ የለን። ከምቲ እንዕዘቦ መራሕቲ ናይ እዞም ተቓመርቲ ጉጅለታት ዝብሃሉ ብሩህ መጻኢ ዶ ይኣክል ዋላ ኣድጊ ንሓመዱ ኣባላቶም ኣኪቦም ብሕና ትግራዎት ኢና፡ ንሕና TDF ኢና እንዳበሉ ተጠሊዕም ይዛረቡ ኣለዉ። ” እወ ንሕና ዓጋመ ኢና” “እወ ንሕና ትግራዎት ኢና” ” ለለ ለለ ዓዲ ሰላጠነ. .. ለለ ለለ ዓዲ በየነ” እንዳበሉ ኣብ ሰላማዊ ሰልፊ ዝምድሩ እንታይ ድኣ ኢና ክንብሎም። ከይትብሃል እንተደሊኻ ካብ እዚኣቶም ሪሒቕካ ባንደራኻን መንነትካን ህዝብኻን ኣኽብር። ናይ ፒለቲካን ምምሕዳርን ሕቶ እንተሃልዩካ ብስነ ስርዓት ሕተት መክት። ብዝተረፈ ጌጋኹም መመኽነይታ ገበናትኩም ኣይትግበርዎ። መንግስቲ ድማ ተጋግዮም ኢዮም ኢሉ ብዝወጽዎ ይጥፍኡ ኣይበለን። ደቂ ህዝቢ ስለ ዝኮንኩም ካብ ጌጋኹም ተማሂርኩም ናብ ዓዱ ክምለስ ዝደሊ ክምለስ፡ እንዳኸድኩን እንዳመጻእኩን እየ ዝነብር ዝብል ምርጫ ተዋሂብኩም ኣሎ። ኤርትራ ሕጂ ናብ ልምዓትን ደሞክራስን እያ ትምርሽ ዘላ። ነዚ ዕድል ሕጂ ተጠቀምሉ። ብዝተረፈ ከምቶም ወጺኦም ዘይተመልሱ ኣብ ስደት ከይትበልዩ ሓደራ።
ግርማይ የማነ
ርያድ ሱዑዲ ዓረብ