ተኸቢሩን ተሓፊሩን ክነብር ዘይደሊ ፍጡር ኣሎ ቢልካ ምዝራብ ኣይከኣልን፡ደቅሰባት ነዚኦም ብዙሕ ስለ ዝግደስሎም ዘለዎም ክእለትን ጸጋታትን ንዕኦም ንምንዳይ የሕልፍዎ፡ሂወት ርትዓዊት ኣይኮነትን እሞ ገለ ይዕወቱ ገለ ድማ ኣብ ምድላይ እንከለዉ ዘይዕዱም ጋሻ መጺኡ ንዘላእለም ሒዝዎም ይዕዘር፡፡ከምቲ ብዉልቂ ብሕብረተሰብ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብሃገር ደርጃ ክኽበርን ክሕፈርን ናይ መጨረሽታ ዕላማ ደቅሰባት ካብ ዝኸዉን ዘመናት ኣቑጺሩ ይርከብ፡፡ከምቲ ኣብ ዉልቃዊ ክብረትን ተሓፋርነትን ብመንጽር ዘሎካ ሃብቲ፡ትምህርቲ ዘልካ ማሕበራዊ ደረጃን ዝዉሰን ከም ሕብረተሰብ ድማ እዞም መለክዒ ህያዉያን እዮም፡፡ነዚ ክንርድኦ ከቢድ ኣይመስለንን እዞም ብፍላይ ኣብ ምዕራባዉያን ሃገራት ብስደት እንነብር ዘሎና ነዚ ክንዕዘቦ ንኽእል ይመስለኒ፡ቀለልቲ ኣብነት ምስእንወስድ ኣብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ሕብረተሰባት ብዘለዎም ጸጋታት[ሃብቲ] ክንፈልዮም ንኽእል ኢና እዚ ድማ ኣብቲ ዘካይድዎ ፖለቲካዊ ኮነ ማሕበራዊ ህይወት ወሰንቲ ተራ ክጻወቱ የኽእሎም፡፡ኣይሁዳዉያን ካብ ኩሎም ሕብረተሰባት ዓለም ብዝፈጥርዎ ኮሙኒዩትን ብዘለዎም ሃብትን እቶም ሒደት ግን ድማ ዝለዓለ ጽልዋ ዘለዎም ኣህዛብ እዮም፡፡ኣብ ኣመሪካ ዝነብሩ እስያዉያን ብትምርትን ብምፍጣር ንኣሽቱ ትካላትን ይፍለጡ ፡ጸለምቲ ዋላ’ኳ ብሒደት ይኹን እንበር ኣብ ስፖርትን ሙዚቃን ከምኡዉን ናይ ፈደራል ስርሓት ብምስራሕ ይፍለጡ፡፡ነዞም ሕብረተሰባት ኣብ ከባቢኦም በዚ ይፍለጡን ይኽበሩን፡ንሕናኸ ከም ኣብ ስደት እንነብር ሕብረተሰብ መጠን ብምንታይ ንፍለጥን ንኽበርን፡ሓደ ሓደ እዋን ጻዕራማት ፡ትጉሃት፡ተሓጋገዝቲ ኢና ብምባል ምስ መን ብምንፃጻር ከምእንዛረቦ እዉን ኣይንፈልጥን ዳግማይ ግምት ክንገበረሉ ዝግባእ ኣዘራርባና ብዙሕ ዘሎ ይመስለኒ፡ከምሕበረተሰብ ንስለ ንዝመጽእ ወለዶና ክንብል ኣዕሚቕና ክንሓስብን ካብኡ ሓሊፍና ድማ ንዘብሰልናዮ ሓሳብ ንትግባሬኡ ኣበርቲዕና ክንሰርሕን ግዚኡ ይመስለኒ፡፡
ኣተሃልዋናን ኣናብራናን ብፍላይ ብዛዕባ ሃገርናን ህዝብናን ክንዛረብን ዕዮ ክንዓዩ እንከለናን ብዉሑዱ ‘ስደት’ ‘ስደተኛ’ ‘ስደተኛታት’ ምኻናን ነተን ቃላት ኣይተረዳእናየንን ወይ ድማ ክንርድአን ኣይደለናን ኣሎና ማለት’ዩ፡፡’’ስደት ሓደ ካብቲ ቅንዲ ናይ ፍሽለት መግለጺ’ዩ፡፡ስደት ህድማ’ዩ፡ ህድማ ድማ ክንፊ ፍርሃት’ዩ፡ ኣብ ህይወትን ነፍሲን ሓደጋ ከንጸላሉ እንከሎ፡ ኣብ ካልኦት ዝረኣኻዮ መከራን ኣበሳን ናባኻ እናቐረበ ክመጽእ እንከሎ፡ዝነበረካ ተስፋታት በኒኑ ህይወትን ናብራን ባዶን ጸልማትን ክኾነካ እንከሎ፡ብድሕሬካ ኮነ ቅድሜኻ ከይተዓዘብካ እግርኻ ናብ ዝመረሓካ መዕለቢኻ ከይፈለጥካ ጸዉ ምባል ማለት’ዩ’’ ‘’ኣዳፍኔ ፍርሃትና መክሸፍ’’ፕሮፌሰር መስፍን ወልደማርያም ፡፡ ንሕና[ስደትና] ዉጽኢት ፍሽለት ሃገርና ኢና፡፡ብዓቢኡ ድማ ሃገርና ኣብዚ ሰዓት ዓቢ ክሽፈት ኣጋጢምዋ ይርከብ እቶም መራሕቲ ግና ክሳብ ሎሚ ዝተረድኦም ኣይመስልን ወይ ክርድኦም ኣይደለዩን፡፡ብመሰረቱ ህዝቢ ኤርትራ ንዓሰርተታት ዓመታት ዝተቓለሰሉ ዋጋ ዝኸፈለሉ ሉኡላዊት መሬት እንተዘይኮይኑ ህዝባ ካብ ፖለቲካዉን ማሕበራዉን ጭቆና ገና ኣይተላቐቐን፡፡ስለዝኾነ ብግዜ መግዛእቲ ፍትሒ ካብ ምስኣን ዝተላዕለ እንተተሰዲዱ ኣብዚ ሰዓትዉን ብተዓጻጻፊ ዝስደድ ዘሎ መራሕቱ ዘተስፈዉዎ ፍትሕን ብልጽግናን ከረጋግጽሉ ስለ ዘይከኣሉ ካብቲ ናይ ፍሽለቶም ዉጽኢት ዓፋኒን ጨቃንን ኣካይድኦም እግሩ ናብ ዝመርሖ ተሰዲዱን ይስደድ ኣሎን፡፡
ንኣይሁዳዉያን ስደት ዝያዳ ክቀራረቡን ንኣሽሓት ዓመታት ዝቕጽል ዘሎ ሓያል ኮማዊ ሰረት ዘለዎ ማሕበረሰብ ክሃንጹ ኣኽኢልዎም፡እቲ ዝሃነጽዎ ባህሎምን መንነቶምን ሰረት ዝገበረ ማሕበረሰብ ነታ ፍጹም ህላወ ዘይነበራ ታሪኽ ኮይና ዝነበረት ሃገረ እስራኤል ብተኣምር ዝበሃል መልክዕ ክምስርቱ ኣኽኢልዎም፡ ክሳብ ሎሚ ድማ እቶም ድያስፖራዉያን እስራኤላዉያን ብዘለዎም ጸጋታትን ድፕሎማስያዊ መንገዲን ንሃገሮም ዓንዲ ሕቖ ኮይኖማ ይርከቡ፡፡ኣብ ግዜ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሰዱ ኤርትራዉያን ስደተኛታት ኣብቲ እዋን ዝነበሮም ጥምረትን ሓድነትን ክዛረቡ ብተደጋጋሚ ንሰምዕ ኢና፡ክሳብ ክንድኡ ዝድነቕ ነይሩዶ ? ንዝብል ሕቶ ንግዚኡ ኣወንዚፍና እንተነይሩ ሎሚ ናበይ ኣበለ ? ቢልና ክንሓትት ቅኑዕ እመስለኒ፡፡ነዚ ሕቶ ክምልሱ ዝኽእሉ እቶም ኣብቲ እዋን ዝነበሩ ብምኻኖም ንዕኦም እሓድገሎም እንተኾነ ናይቲ ዝነበሮም ጥምረት ኮነ ሓድነት ስለምንታይ ኣሰር ዘየልቦ፡ ኪኖ ዓመታዊ ዝካየድ ምጽንባል ዕለተ ናጽነት ዝርአ ናይ ሓፋሽ ተሳትፎ እንተነይሩ ኣይፈለጥኩን፡፡ ምናልባት ሰባት ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተኻየደ[ድሕሪ ናጽነት]ዉግእ ከምኡዉን ኣብዚ ሕጂ እዋን ንሕማም ኮሮና ተባሂሉ ዝተዋጽአ ገንዘብ ምርኩስ ብምግባር ሓድነትናን ጥምረትናን ዝገልጽ ዝመስሎም ገለ ገለ ደቂ ሃገር ኣይሰኣኑን፡፡ኣብ ናይ ምህላዉን ዘይምህላዉን ሕቶ ምስ በጻሕካ እትገብሮ ኣበርክቶ ናይ ህላወ ጉዳይ ስለ ዝኾነ ማንም ፍጡር ወዲ ኣዳም ዝገብሮ’ዩ ‘ሞ ፍሉይነትና ወይ መግለጺ ትምረትና ክንወስዶ ኣይግባእን፡፡
ፍሽለት ንሃገርና ዝመርሑ ዘለዉ መራሕቲ ንኤርትራዉያን ድያስፖራ ሕርሕራይ ጌሩ ጸልይዎ ጥራይ ኣይኮነን ኣቆማጢዕዎ ይርከብ፡ ስደተኛ ምኻኑ ተረዲኡ ምስ ዓቕሙን ክእለቱን ዝሳነ ኣብክንዲ ምሕሳብን ምትግባርን እንሆ ክሳብ ነዉራም ተግባራት ኣብ ምፍጻምን ምዝራብን ይርከብ፡፡ኣብ ዝማዕበለ ሕብረተሰብን ሃገርን እናተቐመጠ፡ ተረባሒ መሰል ደቅሰባትን ተቓዳሲ ሃገራዊ ሕጋታቶምን እናኾነ፡መሰል ዜግነት ተዋሂብዎ ተጠቃሚ ፓስፖርቶም ምስኡ ዝስዕብ ኩሉ ሓለፋታትን እናኾነ ክንሱ ንባዕሉ ተረቢሑ ከም ሕብረተሰብ ዱልዱል ኮምኒቲ ክፈጥር ኣይኮነን ክሳብ’ታ ዝነኣሸት ጉጅለ ዓዲ ተከፋፊሉ ይርከብ፡፡ሎሚ ኤርትራዉያን ድያስፖራ ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ብርጌሳዉያን ማሕበራት፡ብዓሰርተታት ዝቑጸራ ፖለቲካዊ ዉድባት፡ ብኣዉራጃ ዝተጠርነፋ ምንቅስቓሳት፡በብዓደን ዝተወደባ ማሕበራት፡ተኸፋፊሉ ይርከብ ኣብዘን ዘጠቕስን ጉጅለታት መብዝሕትአን ናይ መትከልን ዕላማን ፍልልይ ዘይብለን ክንሰን ሓቢረን ክሰርሓ ኣይከኣላን ስለዝኾነ ድማ ንሰላም ብመጠን ዝደለናያ፡ንፍትሒ ክንድቲ ዝበሃግናያ፡ሓድነት ብሓይሊ ሰቢኽናያ ክንረኽበን ኣይከኣልናን፡፡[ይቕጽል]
ሰናይ ቅነ