ኣብ ስቶክሆልም ሽወደን ብሓሙስ ዕለት 3 ንሓሰ ኣብ ዝተኸፍተ ፈስቲቫል ኤርትራ ብዝተፈጥረ ጎንጺ ልዕሊ 50 ሰባት ከምዝቖሰሉን ብዓሰርተታት ዝቑጸሩ ከምዝተኣስሩን ሰበ-ስልጣን ፖሊስን ሰብ መዚ ጥዕናን ናይ’ታ ከተማ ሓቢሮም። እቶም አንጻር እቲ ዓመታዊ ዝካየድ ፈስቲቫል ኤርትራ ሰለማዊ ሰልፊ ክገብሩ ዝመጹ ኤርትራውያን፤ ሓጹር ብምጥሓስ፤ ንብረት ከምዘበላሸዉ፤ ነዚ ፍጻመ አመልኪቱ ዝወጸ ሓበሬታ የብርህ።
ፖሊስ ኣብቲ ፈስቲቫል ዝካየደሉ ዘሎ ቦታ ምህላዎም ድሕሪ ምሕባር “ተግባራት ገበን ንክልኻልን ሕጊ ንምንጋስን ጻዕርታቶም ይቕጽሉ ከምዘለዉን” አረጋግጾም።
ብተወሳኺ ነቲ ዝተላዕለ ናዕቢን ምቅጻል ንብረትን ዝምልከት ምርመራ ይገብሩ ምህላዎም እቶም ፖሊስ አፍሊጦም ኣለው። ብተወሳኺ ንተልእኾ ፖሊስን ሰራሕተኛታት ሂይወት አድሕንን ዘጋጠመ ዕንቅፋት ውን ይምርምሩ ምህላዎም ፖሊስ ኣፍሊጦም።
እቶም ናዕበኛታት፤ ንፈስቲቫል ተባሂሉ ዝተተኽለ ቴንዳታት ከምዝፍረሱን፤ ንተን ቴንዳታት መትኸሊ ዝኸውን ሓጻውን ከም መሳረሒ ኣንጻር ፖሊስ ክጥቀሙ ከለው፤ ኣእማን ናብ ፖሊስ ከምዝደርበዩን ኢዩ፤ ማዕከናት ዜናታት ሽወደን ዝጽብጽባ ዘለዋ።
ብውሕዱ 52 ሰባት ኣብቲ ቦታ ወይ ኣብቲ ከባቢ ኣብ ዝርከባ ክሊኒካትን ሆስፒታላትን ሕክምናዊ ክንክን ከምዘድለዮም ሓቢሩ ፖሊስ ወሲኹ።
ኣብ ተመሳሳሊ ዜና፤ ክሳብ ሰዓት 7፡00 ድሕሪ ቀትሪ ብኣቆጻጽራ ሽወደን፤ 15 ዝኾኑ ሰባት ክንክን ረኽቡ ናብ ሆስፒታል ከምዝተወስዱ በዓል መዚ ጥዕና ስቶክሆልም ሓቢሩ።
8 ካብኣቶም “ከቢድ መጉዳእቲ” ከምዝበጽሖምን፡ እቶም ካልኦት 7 ድማ “ቀሊል መጉዳእቲ” ከምዝበጽሖምን እቲ በዓል መዚ ገሊጹ። ኣብ ዝተፈላለየ መራኸቢታት ዝተዘርገሐ ተንቀሳቓሲ ስእሊ፡ መካይንን ቴንዳን ብሓዊ ከምዝነደዱን ይሕብር።
ፈቲቫል ኤርትራ ኣብዝተፈላለያ ሃገራትን ውሽጢ ሃገርን ካብ ነዊሕ ዓመታት ጀሚሩ ዝካየድ ኮይኑ፤ ነቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ መንግስቲ ዝቃወሙ ዜጋታት፤ ተቃውሞኦም ብሰለማዊ መንገዲ ከስምዑ እኳ እንተጸንሑ፤ ካብዝሓለፈ ዓመት ንነጀው ግን፤ ኣንጻር ፈስቲቫል ኤርትራን ጽንቢል ናጽነት ኤርትራን ዓመጽ ዝበዝሖ ናዕቢ ክረአ ጀሚሩ ኣሎ።
እዚ ዓመጽ ዝዓብለሎ፤ ዘይ ኤርትራዊ ባህሊን ዘይስልጡንን ተርእዮታት ድማ፤ ህዝቢ ኤርትራ ነቲ ኣብ ሃገሩ ክሪኦ ንዝደሊ ፍትሕን ልዕልና ሕጊ ዘንጸባርቅ ከምዘይኮነን፤ ጉድኣቱ ካብ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ስርዓት፤ ኣብ ልዕሊ ደሞክራስያዊ ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ዘውሪዶ ጉድኣት ከምዝመዝን፤ ሰቲት ዘተወከሰቶም ኤርትራውያን ይሕብሩ።