back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሩስያ ን ኤርትራ ትርከበን 6 ሃገራት ኣፍሪቃ ብናጻ እኽሊ ክትሰድድ ምዃና ቃል ትኣቱ

ፕረዝደንት ሩስያ ቪላድሚር ፑቲን ኣብ መበል ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ተረኺቡ ኣብዝሃቦ ቃል፡ ሃገሩ ንክመጽእ ዝኽእል ቅልውላው ምውግቢ ንምብዳህ ዝከኣላ ትገብር ምህላዋ ኣፍሊጡ። ኣብ መኽፈቲ ናይቲ ናይ ክልተ መዓልታት ዋዕላ ኣብ ዝሃቦ መደረ ፕረዝደንት ፑቲን፡  ብዛዕባ እቲ ተወንዚፉ ዘሎ ብ ውዕል ጸሊም ባሕሪ ዝፍለጥ፡ ንሰደድ እኽሊ ዝምልከት ስምምዕ ሩስያን ዩክሬንን ክዛረብ ከሎ፡ ሃገሩ ናብ 6 ሃገራት ኣፍሪቃ እኽሊ ብናጻ ክትሰድድ ከምዝኾነት ቃል እትዩ።

“ሃገርና  ዝተጸገማ ሃገራትን ዞባታትን ምድጋፍ ክትቕጽል ኢያ። ብፍላይ ድማ ሰብኣዊ ረዲኤት ኣብ ምብጻሕ። ምዕሩይ ስርዓት ምክፍፋል ቀረባት ኣብ ምህናጽ ብንጥፈት ክንሳተፍ ንጽዕር ኣለና። ዓለምለኻዊ ቅልውላው መግቢ ንምክልኻል ዝለዓለ ጻዕሪ ንገብር ኣለና” ይቢል ፑቲን።

“ሃገርና ንእኽሊ ዩክሬን ክትትክኦ ከምእትኽእል ኣቐዲመ ገሊጸ ኢየ፡  ክልትኡ ብዕድግን ከም ሓገዝን ንኣዝየን ዝተጸገማ ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ኣብዚ ዓመት ልዑል  ምህርቲ ዘለዎ ቀውዒ ስለ እንጽበ ዝያዳ ክንገብር ኢና” ይቢል ወሲኹ።

ሩስያ ኣብ ዝቕጽሉ ሰለስተ ክሳብ ኣርባዕተ ኣዋርሕ ክሳብ 50 ሽሕ ቶን ዝበጽሕ ሓገዝ እኽሊ ናብ 6 ሃገራት ኣፍሪቃ ክትሰድድ መደብ ከምዘለዋ ፑቲን ገሊጹ። እዘን ሃገራት ድማ ቡርኪናፋሶ፣ ዚምባብወ፣ ማሊ፣ ሶማልያ፣ ኤርትራን ሪፓብሊክ ማእከላይ ኣፍሪቃን  እየን።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles