back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መበል ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን ይጅምር

መበል ካልኣይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃን  ብሓሙስ 27 ሓምለ ኣብ ከተማ ሰይንት ፒተርስፐርግ ብወግዒ ጀምሩ። ኣብዚ ዋዕላ 49 ሃገራት ኣፍሪቃ ክሳተፋ እየን። ካብዘን 49 ኣብዚ ዋዕላ ዝሳተፋ ዘለዋ ሃገራት፡ እተን 17 ብደረጃ መራሕቲ ክኾና ከለዋ እተን ዝተረፋ 32 ድማ ብደረጃ ወከልቲ ኢየን ክሳተፋ። ቁጽሪ ናይቲ ኣብዚ ዋዕላ ዝሳተፉ ዘለዎ መራሕቲ ሃገራት ኣፍሪቃ ካብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ ሩስያን ኣፍሪቃ ዝተሓተ ብምዃኑ ኣዛራቢ ኮይኑ ኣሎ። ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ 45 ሃገራት ኣፍሪቃ ብደረጃ መራሕቲ ተሳትፈን ምንባረን ይዝከር።

ኣብዚ ዋዕላ ናይ ዝሳተፉ ዘለዉ መራሕቲ ሃገራት ምጒዳል፡ ብሰንኪ ጸቕጢ ምዕራባዊያን ሃገራት እዩ ክትብል ኢያ ሩስያ ትኸስስ። ብሕልፊ ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ፍራንሳይን፡ ንመራሕቲ ሃገራት ናብዚ ዋዕላ ከይሳተፉ ጸቕጢ ገረን ብምባል ክትቢል መረረኣ ምግላጻ እዮም ማዕከናት ዜና ዝጽብጽባ ዘለዋ።

ኣብዚ  ዋዕላ፡ ጉዳይ ረዲኤት ሓደ ካብቲ መዘራረቢ ዛዕባ ክኸውን ከምዝኽእል ኢዩ ተንተንቲ ዝገልጹ። ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣቢሉ፡ ሩስያን ዩክሬንን ብ ውዕል ጸልም ባሕሪ ዝፍለጥ ስምምዕ በጽሐን ምንባረን ይዝከር፡ ይኹን እምበር ሩስያ ኣብዝሓለፈ ስሙን 17 ሓምለ፡ ነቲ ውዒል ምውንዛፋ ይፍለጥ። እዚ ናይ ሩስያ ውሳነ ድማ፡ ሻቕሎት ሕጽረት መግቢ ኣስዒቡ ኣሎ። ኣብዚ ጉዳይ ዘቶኮረ፡ ካብተን በዚ ናይ ሩስያ ውሳነ ዝጸለዋ ሃገራት፡ ኣብዚ ዋዕላ ውሕስነት ክእልሻ ከምዝኾና ኢዩ ዝሕበር።

ጉዳይ ቀረብ እኽሊ ሓደ ካብቲ ኣጀንዳታት ክኸውን ከምዝኾነ ብዙሓት ማዕከናት ዜና ዝግልጸኦ ዘለዋ ኮይኑ፡ ገለ ሃገራት ኣፍሪቃ ጉዳይ ዕሱብ ጉጁለ ዋግነር ዝምልከት ኣብ ድሕሪ መድረኽ ክዘራረባ ተወሳኺ ሓበሬታ ክናድያ ትጽቢት ይግበር። ብተወሳኺ፡ ኣብ ጉዳያ ተበግሶ ኣፍሪቃ ኣብ ጉዳይ ግርጭት ሩስያን ዩክሬንን ተወሳኺ ዘተ ክግበር ከምዝኾነ ሩስያ ትገልጽ።

ብመሰረት ሳሌዳ ንጠፈታት ናይዚ ዝካየድ ዘሎ ዋዕላ፡ ኣብ ተክኖሎጂ፡ ስፖርት፡ ጠፈር፡ ሎጆስቲክ፡ ቀረብ ምግቢ፡ ዓለም ለኻዊ ጽጥታን ጂኦ ፖለቲካዊን ዘይርጉእነትን፡ ዕዮ፡ ሰብ ስርሖ ብልሒ ወዘተ ዝኣመስሉ ኣጀንዳታት ተታሒዞም ኣለው።

መራሒ መንግስቲ ኤርትራ ፕረዝደንቲ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ናብዚ ዋዕላ ንምስታፍ ብሮቡዕ 26 ሓምለ ናብ ራሻ ምእታዉ ይፍለጠ። ቀደማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ፡ ፕረዝደንቲ ግብጽን ካልኦት ተሳተፍቲ ናብዚ ዋዕላ ንምስታፍ ኣብቲ እዚ ዋዕላ ዝካየደላ ዘሎ ከተማ ሰይንት ፒተርስፐር ብሮቡዕ ከምዝኣተዉ ጸብጻባት ሓብሮም። ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢ ኣሕመድ ምስ ፕረዝደንቲ ፑቲን ዝርርብ ከምዝገበረ ውን ተሓቢሩ።

ኣብዚ ዋዕላ ፕረዝደንት ፑቲን ምስ መራሕትን ወከልትን ሃገራት ኣፍሪቃ፡ ዕሙቕ ዝበለ ዘተ ካካይድ ከምዝኾነ ኢዩ ዝሕበር። ኣብ ናይ ሎሚ ዓመት ዋዕላ ኣፍሪቃ ኤርትራ ብደረጃ ፕረዝደንት ተሳተፍ ኣላ። ኣብቲ ኣብ 2019 ዝተኻየደ ቀዳማይ ዋዕላ ድማ ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኣቶ ዑስማን ሳልሕ መሓመድ ኣቢላ ተሳቲፋ ነይራ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles