back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ ኣብ ምፍራም ውዕል ሰላም ሱዳን ተነጺላ

ብ 3 ጥቅምቲ ዝተቓንዐ ውዕል ሰላም ምፍርራም ሱዳን ፥ኤርትራ ከምዝተነጸለት ተፈሊጡ። ኣብቲ ዞባውያንን፡ መራሕቲ ካልኦት ሃገራትን ሰብ መዝን ኣብ ዝተረኽብሉ፡ ቀዳም ሰለስተ ጥቅምቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ደቡብ ሰዳን ጁባ፡ ኣብ ሞንጎ፡ ተቓወምቲ ሓይልታትን መንግስቲ ሱዳንን ዝተኸተመ ውዕል ሰላም ኤርትራ ከም ዝተነጸለት ጊስካ ኣፍሪቃ ዝተባህለ ማዕከን ሓበሬታ ኣፍሊጡ።

ኣብቲ ብውሕስነት ሃገራት ግብጺ፣ጫድ፣ ቐጠር፣ ሕብረት ኣፍሪቃ፣ ሕብረት ኤውሮጳን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተማከእለ ምንባሩ ዝግለጽ ምፍራርም ኤርትራ ክትሳተፍ ከምዘይከኣለትን ከምዝተነጸለትን ኣፍሊጡ።

  እቲ ዝሓለፈ ቀዳም ዝተፈረመ ስምምዕ ሰላም፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ክኸይድ ዝጸንሐ ግጭትን ህይወት ኣሽሓት ዜጋታት እታ ሃገር ዝቐዘፈ ውግእን ጠጠው ኣብ ምባል ልዑል ተራ ከምዝህልዎ፣ ተስፋ ዝተነብረሉ ናይ ሰላም ስምምዕ ምኻኑ መራሕቲ ናይ ከባብን ወከልቲ ናይ ዝተፈላለያ ማሕበራትን ኣፍሊጦም ክብል፡ ኤኤፍፒ (AFP) ማዕከን ዜና ኣብ ጸብጻቡ ብተወሳኺ ገሊጹ።

  ኤርትራ ኣብ ዝተፈላለዩ ጉዳያት እቲ ዞባ ብፍላይ ኣብ ጉዳይ  ሓጽቢ ግድብ ኣባይ ኢትዮጵያ ዝኣመሰሉ ዞባዊ ጉዳያት ንጡፍ ተሳትፎ ተርኢ ዘላ እኳ እንተመሰለት፡ ኣብዚ ኣብ ሞንጎ ተቓወምቲ ሓይልታት ሱዳንን መንግስቲ ሱዳንን ኣብ ዝተበጽሐ ስምምዕ ሰላም ንምንታይ ዘይተሳተፈት ኣይተፈልጠን ዘሎ። 

 ኣብቲ ስምምዕ ምፍርራም ካብ ዝተሳተፉ ከም ቐጠርን ውድብ ሓድነት ኣፍሪቃን፣ ምስ ኤርትራጽቡቅ ዝምድና ካብ ዘይብሎም ሃገራት ምኻኑ ይጥቀስ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles