ድሕሪ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ዝተኻየደ ክልላዊ ምርጫ፣ዳግም ብምምራጹ ንክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ውድብ ህወሓት፣ኣብ ፈደራል ዝርከቡ ኣባላቱ መዝነቶም ለቒቖም ክምለሱን፣ ናብቲ ውድብ ሪፖርት ክገብሩን ከምዘለዎም ሎሚ ኣብ ዘውጽኦ መጸዋዕታ ሓቢሩ።
” ኣብ ፌደራል ዘሎ ጽግዕተኛን ኣሃዳውን ሓይሊ ዘይሕገ-መንግስታዊ ምንዋሕ ስልጣን ምክያዱ ስዒቡ ውድብና ህወሓት ኣካል እቲ ከምዚ ዝበለ ዘይሕገ-መንግስታዊ ተግባር ስለዘይኮነ፥ ካብ 25 መስከረም 2013 ዓ/ ጀሚሩ ኣብ ፌደራል መንግስቲ ብምረጻ ንዝተሓዙ ሓላፍነት ዝነበረኩም/ክን ደው ኣቢልኩም/ክን ናብ ውድብኩም ህወሓት ሪፖርት ክትገብሩ/ራ የተሓሳስብ፡፡ “
ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ ስዒቡ ፣ ኣብ መንጎ እቲ ገዛኢ ዝነበረ ውድብ ህወሓትን ፣ ሕጂ ብብልጽግና ፓርቲ ዝምራሕ ዘሎ ፈደራል መንስግቲን ክኽሰት ዝጸንሐ ዘይምስምማዕ፣ ድሕሪ’ቲ ኣብ ትግራይ ዝተኻየደ በይናዊ ምርጫ መሊሱ ክሽሕክር ከምዝተራእየ ዝፍለጥ ኮይኑ ፣ እዚ ሎሚ ተወሲዱ ዘሎ ስጉምቲ ድማ ተፈጢሩ ንዘሎ ጋግ ናብ ዝለዓለ ወጥሪ ከዕርጎ ከምዝኽእል እዩ ዝዝረብ ዘሎ
ብመሰረት ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር እቲ ብ ዶ/ር ኣብይ ኣሕመድ ዝምራሕ መንግስቲ ፣ዕድመ ስልጣኑ ክሳብ መስከረም 25 ጥራይ ዝጸንሕ ምኻኑ ኡኳ ዝፍለጥ እንተነበረ፡ ቤት ምኽሪ ፈደረሽን ኢትዮጵያ ግን፣ ብሰንኪ እዚ ወሪዱ ዘሎ ሕማም ኮሮና፣ናይ ህጹጽ እዋን ኣዋጅ ብምእዋጅ፣ ንምርጫ ናብ ዘይተወሰነ ግዜ ከምዘሰጋገሮን ፣ነቲ ውሳኔ ምሕላፉ ሕገ መንግስታዊ ስልጣኑ ከምዘፍቅደሉን ክገልጽ እንከሎ፣ ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ግን ነዚ ውሳነ፣ ዘይሕጋዊን ኮነ ኢልካ ኣብ ስልጣን ንምጽናሕ ዝግበር ሃልኪ ምዃኑን ፣በቲ ውሳኔ ከምዘይቅየድን ብምግላጽ፣ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ መበል ሻድሻይ በይናዊ ክልላዊ ምርጫ ከምዘካየደ ይፍለጥ።