back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

“ህዳሲ” ግድብ( GERD) ከባቢኡን ዝርከብ ክሊ-ኣየር ን በረራ ተኸልኪሉ

“ህዳሲ” ግድብ( GERD) ከባቢኡን ዝርከብ ክሊ-ኣየር ን በረራ ተኸልኪሉ። ጋዜጣ  ዘ-ሪፖርተር ንዋና ዳይርክተር ስቪል ኣቪየሽን ኣቶ ወሰንየለህ ሁነኛው ብምጥቃስ ኣብ ዝዘርገሖ ሓበሬታ፥ ኣብ ከባቢ ቤንሻጉል ጉሙዝ ክልል ኣብ ህንጸት ዝርከብ ግድብ ንዝኮነ ዓይነት ናይ በረራ ናይ ነፈርቲ ከምዝተኸልከለ ይሕብር። እዚ ምኽልካል  ብተግባር ቅድሚ ውሕዳት ኣዋራሕ ስራሕ ከምዝተጀምረ ዝሕብር እቲ  ሓበሬታ ወሲኹ ከፍልጥ ከሎ፡ ነዚ ውሳነ ንምብጻሕ ምስ ዝተፈላለዩ ኣካላት መንግስቲ ኢትዮጵያ ብምምኻር ከምዝተገብረ የረደእ። 

  እዚ ከምዚሉ እንከሎ ፥ኣብ መንጎ ሱዳን,ግብጽን ኢትዮጵያን ብሰንኪ እዚ ኢትዮጵያ ትሃንጾ ዘላ ግድብ ኣባይ፡ ዘሰሓሕበን ዘሎ ናይ ተጠቃምነት ምስሕሓብ ክሳብ ሕጂ መዕለቢ ከምዘይረኸበ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles