back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ጀኔቫ – ምስራሕ ናይ ስደተኛታት መስጎጒ መዓስከር ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ::

ጀኔቫ – ምስራሕ ናይ ስደተኛታት መስጎጒ መዓስከር ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: ግዳያት ላምፖዱሳ ተዘኪሮም::

መንግስቲ ስዊዘርላንድ ስደተኛታት ነናብ ሃገሮም ክመልሶም ንኽጥዕሞ ኣብ ጀኔቫ ኣብ ከባቢ ኤርፖርት ሓደ መዓስከር ስደተኛታት ኣብ ምስራሕ ይሸባሸብ ኣሎ። ነዚ መዓስከር ንምቅዋም ሎሚ 03 ጥቅምቲ ኣስታት 2 ሽሕ ሰባት ዝተኻየድዎ ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ:: ኣብቲ ብዝተፈላለያ ውድባት ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን ዝተዳለወ ሰልፊ: ዝተረኽቡ ጀኔቫውያን ሰልፈኛታት ኣብ ብምምስራት ቀይሕ መስቀልን: ምምስራት ሕጋጋት ሰብኣዊ መሰልን ቤት ጽሕፈት ውድብ ሕቡራት ዝኾነት ከተመኦም ከምኡ’ውን ሰባት ከምኦም ሓውሲ ዝእሰሩሉ መዓስከር ክስራሕ ከምዘየፍቅዱ ገሊጾም::  እዚ መስጎጊ መዓድከር ኣስታት 250 ስደተኛታት ምስ ስድራቤታቶም ክሕዝ ትጽቢት ዝግበረሉ ኮይኑ ኣብ ስዊዘርላንድ ዑቕባ ሓቲቶም እሞ ናይ ዑቕባ ሕቶኦም ዝተነጽገ ስደተኛታት ዝዕቆቡሉ ኮይኑ ስደተኛታት ንምስጓጎም መታን ክጥዕም ኣብ ግራንድ ሳኮነ ኣብ ጥቓ ኤርፖርት(መዕርፎ ነፈርቲ) እዩ ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ። ስደተኛታት ኣብ ሃገሮም ብዘጋጥሞም ናይ ፖለቲካ ጸገም፡ ምንዋሕ ውትህድርና፡ ብልሽው ምሕደራ፡ ቁጠባዊ ጸገምን ካልእ ምኽንያታትን ደሪኽዎም እዮም ካብ ሃገሮም ወጺኦም ናብ ካልእ ሃገር ክስደዱ ዝግደዱ።  እዚ ኣብ ጀኔቫ ክህነጽ ተወጢኑ ዘሎ መዓስከር ስደተኛታት ንስደተኛታት ካልኣይ ዕድል ዘይህብ፡ ናብቲ ራሕሪሖሞ ዝተሰዱ ዘይጠዓሞምን ዳግማይ ናብ ስቓይ: ከርተትን ማእሰርትን ከእትዎም ዝኽእል ሃገር ዳግማይ ዝመልስን ተመሊሱ ናብ ሓደጋ ዘእትዎም ብምኳኑ ተቓውሞ ገጢምዎ ኣሎ:: እዚ መዓስከር ብተወሳኺ ዓሌታውን ፈላላይን እዩ። ኣብዛ ማእከል ቤት ጽሕፈት ሰብኣዊ መሰላት ዝተደኮና ከተማ ጀኔቫ ክህነጽ ድማ ኣዝዩ ዘሕፍር እዩ። ኣብቲ ኣጋጣሚ ኣብ ላምፖዱሳ ኣብ ማእከላይ ባሕሪ ጥሒሎም ንናይ ዝሞቱ 366 ኤርትራውያን ስነስርዓት ዝኽሪ ተኻይዱ::

 

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles