back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መጽናዕታዊ ፈተነ ኣብ ክሊ ማሕበራዊ ሂወት  ብ  ስነኣእምራዊ ክኢላታት።

ኣብ ሓደ  እኹል ናይ ዕረፍትን ምንቅስቃስን  ስፍሓት ዘለዎ መንበሪ ቦታ ሳላሳ ዝኾና ኣናጹ ምስ ምሉእ ንመዓልታዊ  ዘገድሰን ሃላኺ ቀረባት ሂቦም ኣብ ምክትታለን ተጸምዱ ።

ኣናጹ ምስ ምሉእ ናይ ምንቅስቃስ ዕድልን  እኹል ቀረብን ነፍሲ ወከፈን እንታይነተን ዘረጋግጻሉ መገዲ ንምፍጣር ወፈራ ።   

እቲ ሓደ ምስቲ ሓደ ንምልምማድ  ተራእየ  ግርጭት ናይ ውሱን መዓልታትን ሓደገኛን ባህሪ ዝሓዘ  ኮይኑ ብዘየቃትል ኣህላኺ ግጥም ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰለስተ መዓልታት ንንቡር ማሕበራዊ ሂወተን ዝመርሓሉ ዓቅምን ክእለትን  ነፍሲ-ወከፈን  ዘርኢ ስእልን ቅርጽን ተፈጥረ  ። ድሕሪ’ዚ ብቀጥታ ውህደት ብምፍጣር ኣብ  ምስ ተፈጥራዊ ሂወተን ተታሓሓዘ ስልጡን ኣካይዳ ብምርዓም ንነፍሲ ወከፍ ብዘየጸግም መገዲ ጉዕዞ ማሕበራዊ ሂወት ተታሓሓዝኦ ።ኣብቲ  መራሕን ተመራሕን  ተፈጥረሉ መን እንታይ ይገብር ተረጋገጸሉ ኣጋጣሚ ነፍሲ ወከፍ ኣንጭዋ  ዓቅሙ ብምግባር ኩሉ ተሳታፊ ኮይኑ ሂወቱ ዝመርሐሉ ባይታ ተፈጢሩ ኩሎም ሰላማዊ ሂወት ከስተማቅርሉ  ዘኽእል መሳልል መንብሮ ተሃንጸ  ። 

እቲ ውህደት ኣብ ዝርግሐ  ዝምድናን ፡መውስቦ ኣናጹ ዓቢ  ዕብየት ኣርኣየ ። ውሉድን ወላድን  ዝረኣይሉ ኩነታት ተፈጠረ  ። ስድራቤታዊ ቅርጺ ተሃንጸ  ። ውሉድ ሓብሓቢት ኣደን መኻሪ ኣቦን ገሰጽትን መሃርትን  በተ-ዘመድ  ብምርካብ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ምፍሕፋሕ እንታይነቱ ዘረጋግጸሉ ባይታ ዝህብ ኣጋጣሚ ተፈጥረሉ ።

ክሳብ ሕጂ ሂወት ሰላም ኢዩ ዘሎ ።

ድሕሪ ዝተወሰነ ኣዋርሕ  ተማራመርቲ  ንዝያዳ መጽናዕቲ ተበገሱ ።ነቲ ኣብ መንጎ እተን ኣናጹ ተፈጢሩ ዝነበረ ርጉእን ውሁድን  ማሕበራዊ ሂወት ፈታኒ  ኩነት  ኣታኣታተዉ ። ኣብ መንጎ እተን ብውህደት ሂወተን ክመርሓ ዝጸንሓ ኣናጹ ካልኦት ሳላሳ ኣናጹ ብምምጻእ  ዘድልየን ቀራባት ብምሃብ ሓወሱ  ።   

 ሰለማዊ ሂወት ኣናጹ ብቅልጡፍ ናብ ከቢድ ግጭትን  ንኡስ እኩባዊ (ጉሩባዊ ) ኩናትን ኣምረሐ ። ሂወት ኣናጹ  ሃንደበት ኣብ መን ሰዓረ ዘድሃበ ብዓብላሊ ስምዒታትን ኣካይዳን  ተዋሕጠ። ብኡሳን ጉጅለታት ተመቅለ ቅርጺ ፈጢሩ ንዓብላልነት ካልኦት ዘንቀደ ናይ ሞት ስጉምትታት ተኸስተ። ከቢድ ቀታሊ ኩናት ተኸፍተ። ንኹሉ ዝኣክል መንበሪ ቦታን ዝስተ ማይን መግብ ከሎ ክንሱ ሓያላት ዝቆጻጸርዎ  ኮይኑ ተረገጠ ። ዓመጽቲ  ዝበዝሕዎ ኣስጋኢ ሂወት ኮነ ። ምንቅስቃስ ነፍሲ ወከፍ ኣንጭዋ ብጥርጠራ ዝጥመተሉ ኩነተ ኣእምሮ ተፈጥረ ። ኣዴታትን ፡ህጻውንትን ፡ዕድመ ዝደፍኡን  ቀዳሞት ተጠቃዕቲ ናይዚ ሓደጋ’ዚ ኮይኖም ንሞትን መቁሰልትን ተቃልዑ። ኣንስትዮ ግዳይ ጸወታዊ ዓመጽ ኮና ።ብዘይ ፍቃደን ብሓያላን ንኣደዳ ጸወታዊ ዓመጽን ሞትን ተፈርዳ ። ህጻናት  ንዘይ በጽሕዎ ጸወታዊ ስምዒት ተቃሊዖም ብሓያላት ክድፈሩን ብኣሰቃቂ ቅትለት ክእለዩን ተራእየ ።  ኣብ ልዕሊ ህጻናት ዝፍጸም ጸወታዊ ዓመጽ  (ፖዶፊል) ብቅጽበት  ማዕበለ ። እቲ ሂወት ማዓልታዊ  ሞትን ሞቅሰልትን ዝረኣዮ ኮነ ። ንጹር ዕላማ  ዘይብሉ  ሕድሕድ ኩናት ኮይኑ ድማ  ንነፍሲ ወከፍ ነባሪ ብምትንካፍ ሰላም ነበርቲ  ዘረገ።ቀጺሉ እቲ ዝርአ ዝነበረ ብዙሕ  ንኡስ ጉጅላዊ ቅርጺ በቲ ኩነታት ካልእ ከቢድ ፍርሕን ስግኣትን ፈጢሩ ኣብ ነብሰ ምክልኻል ዘተኮረ ረጽሚ  ብምድሃብ ንውልቃዊ ድሕነት ኣብ ዘተኮረ ኣገባብ ኩናት ተፈንጠሐ። 

ሓደ ኣንጭዋ ንዝረኣዮ ኣንጭዋ ከይቀተሎ  ከም ዘይዕርፍ  ዘርኢ ስምዒት ተፈጢሩ ሓደ ኣንጭዋ ምስ ሓደ ካልእ ኣንጭዋ ኣብ ዝራኸብሉ እዋን  ክቀትሎ ግድን  ኮነ ።ምስ ግዜ ቁጽሪ ኣናጹ ኣብ ሓያላት ወሪዱ ተዓግተ ።ህጻናትን ኣዴታትን ዕድመ ዝደፍኡን ኩሎም ሓቀቁ ። ኣጋብዝ ኣብ ግጥማት በብሓደ መዓልታዊ ብኻብኦም ዝሕይል ተኣልዩ ። ኣብ መወዳእታ ሓደ መዓልቲ  ሓደ ዓንተር ኣንጭዋ  ንበይኑ ኣብ ሕልምልም ኣተወ ። ንዙርያ መንበሪኡ ተደጋጋሚ ብምኹላል ንዕኡ ዝመስል ፍጡር ስኣነ ። ኣብ ርእሲ ከቢድ መቁሰልቱ  ካልእ መቁሰልቲ ኮኖ ። ዓንተር ንውሱን መዓልታት መግቢ ተሓሰመ ። ኣይጸንሐን ድማ  ብነብሰ ቅትለት ካብዛ  ዓለም ተሳናበተ ።

ካልእ ተማሳሳሊ ገጸ መጽናዕቲ !!!!

ኣብ ሓደ ብዝሒ ቁጽሪ ኣናጹ ህጻናትን ኣዴታትን ዝርከብዎ ሰላማዊ  ስፍራ ዓንተራት ኣጋብዝ ኣናጹ ብምእታዉ  መጽናዕታዊ ምክትታሎም  ጀመሩ  ።ሓያላት ብቀጥታ ኣብ መጥቃዕታዊ ግጥም ብምእታው ሓይሎም ዘርእይሉ ኣገባብ ተታሓሓዝዎ ።  ነቲ እኩብን ርጉእን ሕብረት ህጻናትን ኣዴታቶምን ኣብ ከቢድ ነውጽን ፍርሕን ሸመምዎ ።ሓይሎም ኣርኣዩን ተፈርሑን ። ካብቲ እኩብ ዝገጥሞም ሓይሊ ከም ዘየለ ምስ ኣረጋገጹ  ሕድሕድ ኣብ ምትፍናን ኣተዉ ።ካብ ውሽጢ እቲ ሕብረት ሰለስተ ሓያላን ኮይኖም ብምውጻእ ነቲ ዝነበረ ኣቃውማ ኣብ ሰለስተ ተታፋናኒ ሓይሊ በታተንዎ ። እቲ ተፈጥረ ኣቃውማ ኣብቲ ዝኸፋፈልዎ ቁጽሪ ከይተሓጽረ   ናይ ምንቅስቃስ ደረት ዶባት ዝረኣዮ ቅርጺ ፈጠረ  ። ብሰለስተ  ተታፋነንቲ ሓያላን ዝእለ ሂወት ኮይኑ ድማ  ቆመ ። 

ሂወት ነበርቲ ኣናጹ ኣብ ኢድ እቶም ሰለስተ ዓመጽቲ ኣናጹ ወደቀ ።ኩሉ ብመገዶም ዝሓልፍን ብፍቃዶም ዝፍጸምን ኮነ።ሕድሕድ ምትፍናን ሰለስቲኦም  ብዘይ ምቁራጽ  ኣብ ጎጉጅልኦም  ምዕማጽን ሃስያ ካልኦትን  ተታሓሓዝዎ ።ካብቲ  ዝመጸ  ዝተመርጸ  በሊዖም ተረፍ  ዝድርብዩ በለጸኛታት ብምኻን ምልኮም  ኣርኣዩ ። 

ድሕሪ ዝተወሰነ እዋን ተማራመርቲ ነቲ  ዝነበረ  ሂወት ናብ ካልእ ምዕራፍ ዘሰጋግር መገዲ ንምጽናዕን ምክትታልን  ኣብ ማእከል እቲ ተኻፋፊሉ ዝማሓደር ነባሪ ተመረዘ ምቁር መግቢ ኣእተዉ ። ሓያላን ተታፋነንቲ ሰለስቲኦም ኣብ ከቢድ ግጥም ብምእታው አእጃሞ ወሲዶም ከብዶም መልኡ ። ዝተወሰነ ደቃይቅ ብምጽናሕ ድማ ኣኣብ ዝርከብዎ ቦታ ደሪቆም ሞቱ ። ነዚ ተዓዘባ ኣናጹ እቲ ዝበልዕዎ ብልክዕ ቀታሊ ምኻኑ ብምስትውዓል ካብቲ ዝበልዕዎ ከይበልዓ ቀጥታ ነቲ ተፈጢሩ ዝጸንሐ ንኡስ ቅርጺ ብፎኪስ ግጭት ፈንጥሐኦን ፈትሐኦን ። ኣብ ውሱን ሰዓታት ሓድሽ ኣገባብ ምሕደራን ኣቃውማን ተፈጥረ ። ሙሉእ ናጽነት ዝህብ ማሕበራዊ ሂወትን ውሕስነት ዘለዎ ምንቅስቃስ ተራእየ  ። ሰላም ብምግባር ድማ ንቡር ሰላማዊ ሂወት ዝህብ ማሕበራዊ ሂወት  ኣናጹ ተረጋገጸ ። 

Dejen Alex

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles