ነዚ ስእልታት ርእይ እንከነብሎ ገና ስንባደን ኣስተንትኖን ከም ዝወረና ኣይስሕቶን። ሰለስተኦም፡ ነንበይኑ መለለዪ ጥበብ ዝተዓደሎምን ብዙሕ ክሰርሑ ዝኽእሉን ብምንባሮም፡ ኣብ ልቢ ሓያሎ ዝኽሮም ዘትረፉ እዮም።
ኣብ ዓይኒ ህዝቢ ዝኣተዉ ስነ-ጥበበኛታት ይዅኑ ካልኦት ውሩያት ሰባት፡ ብዝተፈላለየ መልክዕ ኣብ ኣእምሮ ሰማዕቶም ተዓዘብቶምን ዘስርጹዎ ፍቕሪ፡ ዝኽሪ፡ ስእሊ . . . ኣሎዎም። ቀስ እናበለ ድማ፡ ከም ኣሕዋቶም፡ ዓርከ-መሓዛኦም፡ ኣቦታቶም፡ ኣያታቶም፡ ደቆም ወዘተ ይስመዖም።
እቲ ሎሚ መዓልቲ ሓመድ ዝለበሰ ዱላ፡ ”መሊቶ” እናበለ ምስ ስጡም ህርመት ሙዚቃ እንክንዖ፣ እቲ ክራቫታኡ ገጥ ኣቢሉ፡ ”ኣሃኣሃየ” እናበለ ምስ ሰማያዊት ክራሩ ብህድኣት ስንእንእ ዝብል እያሱ። እቲ ንፍሩያት ኣዒንቱ ኣንጐልሒጡ፡ ወጥሪ ተዓዘብቲ ብስምረት ዘንጠልጠል ስዒድ፡ ይትረፍ ንቀረብቶም፡ ንማንም ተኸታታሊኦም ዝኽርን ናፍቘትን ዘሕደሩ እዮም።
ናይ ከም’ዚኣቶም ዝኣምሰሉ ሰባት መርድእ ንምንጋር ዘቐዳድመና ደኣ’ሞ፡ እንታይ እዩ፧
ናይ ከምዚኣቶም ዝኣምሰሉ ሰባት ሕልፈት ንምርዳእ፡ ን24 ሰዓታት ዘየጸቢ ህንጡይነት እንታይ ክብሃል ይክኣል፧
ናይ ከምዚኣቶም ዝኣምሰሉ ፋንዋ ዘልኣለም፡ ክሳዕ ሓመድ ድበ ዓቕሊ ዘስእን ተብ-ተብ እንታይ ይምኽነዮ፧
ዓገብ!
ነፍስሄር ኣብርሃም ኣፍወርቂ ምርኢት ኣብ ዘቕረበሉ ግዜ፡ ብርክት ዝበላ ደቂ ኣንስትዮ ናብ ዕውለት ክኣትዋ ተራእየን እየን። ንሳተን፡ ብዕዙዝ ሞያኡ ኣብ ልበን ስለ ዝኣተወ’ምበር፡ ቀረባ ዓጽመ ስጋኡ ስለ ዝዀና ኣይኰናን።
ዝሓለፈ ሰሙን፡ ጓል ሸውዓተ ዓመት ጓሉ ንተጻዋታይ ኩዕሶ እግሪ ካሜሩን Andre Ayew፡ ፍጹም ቅላዕ ምስ ሰሓተ ብስንባደ ሃለዋታ ኣጥፊኣ ሕክምና በጺሓ።
ልዕሊ ዓሰርተ ዓመታት ይገብር፡ ሓንቲ ጓል፡ ኣብ ኩዶ-ፈላሲ ናይ ዝዓረፈ ሓወቡኣ መርድእ፡ ሃንደበት ብጋዜጣ ንገዛእ ርእሳ ኣርዲኣ፡ ኣቤት ሽዑ ዝነበረ ጫቝ-ጫቝ! እዚ ገለ ኣብነታት ሳዕቤን ቅጽበታዊ ስንባደን ምትንካፍ ስምዒትን እዩ።
ሓቂ’ዩ፡ ከም’ዞም ተመራሪሖም ዝኸዱ ስነ-ጥበበኛታት ንዝኣምሰሉ ሰባት፡ ብዕዙዝ ኣበርክቶኦም ክዝከሩን ክንገረሎምን ሰናይ እዩ። እንተዀ፡ መዓስን ብኸመይን ምፍላጥ’ውን ማዕረኡ ኣገዳሲ እዩ።
ወለድና፡ ወግዒ መርድእ ንምክንዋን ዓበይትን ወራዝቱን ሓርዮም፣ ግዜ መሪጾም፡ ተረዳኢን ቀረብቱን ንኸይጥርጥሩ ጋሕ-ጋሕ ነቒሎም፣ ብሜላ ቡን ኣስትዮም፡ ቁራስ ኣብሊዖም፣ ጨርቂ ደሪቦም . . . ወግዒ ከትሕዙዎ እንከለዉ ዕምቈቱን ሳዕቤኑን ተረዲኦም እዮም። ሞት፡ ካልኣይ ዘይብላ ዳሕረወይቲ ምዕራፍ ህይወት እያ።
ቦኽሪ ገዛና ኢሳቕ ሓወይ፡ ብድንገት ኣብ ዝዓረፈሉ ግዜ፡ ኣነ ከይፈለጥኩ ብምስጢር ካብ ሃይኮታ ናብ ኣስመራ ከም ዝብገስ ተገብረ። ክልተ ብዕድመን ስነ-ምግባርን ዝተሓርዩ ሰብኡት፡ ብሜላ ኣሰንዮሙኒ። ነቲ ኵሉ ኣብ ዘዝሓለፍናዮ ከተማታት ዝገበሩለይ ካብ ልክዕ ዝሓለፈ ክንክን፡ በቲ ናይ ሽዓኡ ኣእምሮይ በየን ክርድኣኒ። ኣስመራ ምስ ኣቶና ግን፡ ከባቢ ማይ ኣባ-ሻውል ኣብ እትርከብ ”ቤት-ቁርሲ ተሰነይ” ኣአንጊደሙኒ። ምስ ወጻእና፡ ንኻልኣይ ግዜ ኣብ ካልእ ቦታ ሻሂ ክንሰትን ክንዘናጋዕን ሓቲቶም። ብኸመይ ከም ዘርድኡኒ ሓርቢቱዎም።
”ኣይ ሕጂ ሕጂ እንዲና ሰቲና” ኢለዮም። ዓወንወን ኰይኑ። ንመርድእ’ውን ከኣሊኡ ጥራይ’ዩ ዝኽእሎ።
”እሞ ብሓባር ናብ ገዛና፡ ንኣኽርያ ንኺድ’ሞ . . .” ኢሉ ጀሚሩ ሓደ ካብኣቶም መብራህቱ። (ነብሱ ይምሓሮ ብህይወት የሎን) ሳልሳይና ቅጽበት ተሰማሚዑ። ነቲ ኵሉ መንገዲ ብግርህነት ዝተጓዕዘ ኣእምሮይ፡ ሽዑ ቆብ ኣቢሉዎም። ሕጽረት ምስትንፋስ ክስመዓኒ ክሳዕ ሎሚ እዝክር።
”እወ ሴፉ፡ እንታይ መሲሉካ፡ . . . አ . እ . . . ኣብ ገዛኹም ሓዘን . . . ። ካብ’ዚ ንድሓር ከይነውሓናን ኣርእስትና ከየስሕተናን ይኣኽለና።
እዚ ናይ’ዚ እዋን ጕያ-ጕያ ንመርድእ፡ ምናልባት ”እገለ’ኳ ቀዲሙ ዝጸሓፈ ወይ ዝነገረ” ካብ ዝብል ሓሳብ ዝነቐለ ክኸውን ይኽእል እዩ። እንተዀነ፡ ወላ’ቶም ቀዲሞም ዘርድኡ ብዕድመ ኰን ቀለም ይብለጹና፡ በታ ኣብ ዘይእዋኑ ውዑይ ወረ ዝፈነዉልና መስመር ”ዓገብ!” ክንብሎም’ምበር ጭራኦም ሒዝና ንወረ ክንህንፈፍ ኣይግባእን።
ነቶም ኣይግበሮ፡ ኣብ ድሮ ነዊሕ ዝተቘጽረ መርዓ ብሞት ዝፍለዩ ከይተረፈ፡ ክልተ ሰለስተ ወራዙት ንብሕቶም ሰቲሮም፡ ውሽጦም ብሕሩሩ፡ ሰንበት ”ሹሽ” ብምባል ውራይ ኣሕሊፎም፣ ንሰኑዩ፡ ነቲ ተሰቲሩ ዘይስተር ሞት ዘርድኡ ሕብረተ-ሰብ’ዩ ዝነበረናን ዘሎናን።
ንሰለስተኦም ስነ-ጥበበኛታትና፡ መንግስተ ሰማይ የውርሶም፡