back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ፡ተዛዚሙ።

ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ ሎሚ 26 መስከረም ንኻልኣይ መዓልቲ  ቀጺሉ ድሕሪ ምውዓል፡ ትሽዓተ ዝኣባላታ ፈጻሚት ሽማግለ  ብምምራጽ ተዛዚሙ።

   “ውሁድ ስራሕ፡ ንውሑስ መጻኢ”  ኣብ ትሕቲ ዝብል ቴማ ንክልተ መዓልታት ክካየድ ዝጸንሐ ዋዕላ ባይቶ ይኣክል ሕቡራት መንግስታት ኣሜርካ፡ ኣብ ሎሚ 26 መስከረም ዝገበሮ ርክብ፡ ብተወሳኺ ጸብጻብ ባይቶ ይኣክል ብኣቦ ወንበር እቲ ባይቶ ይኣክል ኣቶ ሉኡል ዘውደ ድሕሪ ምቅራብ ናይ ክብሪ ዕዱማትን ተወከልቲ ባይቶ ይኣክልን በብወገኖም ደገፎምን ለበዋን ንባይቶ ይኣክል ኣቅሪቦም። 

  ኣብቲ ብኣቦ-መንበር ኣቶ ሉኡል ዝቀረበ መደረ፡ ኣመሳራርታ ባይቶ ይኣክል፡ መስርሕ ምንዳፍን ምጽዳቕ፡ ጉባኤ ዳላስ፡ ዓንዲ ሕግን ስትራተጂካዊ ውጥናትን፡ ብሕጽር ዝበለ ድሕሪ ምቅራብ፡ ጻብጻባ ናይ ዝተፈላለያ ክፍልታት ባይቶ ይኣክል ኣቅሪቡ። ገለ ካብቲ ዝቀረበ ጸብጻብ ክፍሊ ጎስጓስን ውደባ፡ ሜድያዊ ሓበሬታ፡ ክፍሊ ድፕሎማስያውን ተሓላቅነትን፡ ዕርቅን ዘተን፡ ክፍሊ ባህልን ስፖርትን ሰነጥበብን፡ ክፍሊ ፋይናንስን ትሬጀርን ፡ ኮሚተ መጽናዕትን ርክባትን ዘጠቃለለ እዩ ኔሩ።

  ቀጺሉ ዝሰዓበ ስፍሕ ዝበለ ጸብጻብ ብክፍሊ ፍይናንስ ክኸውን እንከሎ፡ ንክፍሊ ፋይናንስ ወኪሉ ወለንተኛ ኣቶ ዛይድ ተስፋማርያም ጸብጻብ ኣቀሪቡ። ምምቅራሕ ኮሚቴ ኮቪድ-19 ጸብጻባ ብኣቶ ክብርኣብ ይመስገንን  ሮቤል ተኽለን መስርሕ ምእካብ ወፈያን፡ ምምቅራሕ ናብ ዝተጸገሙ ጉድንታትን ሕጽር ዝበለ ጸብጻብ ከቅርብ እንከሎ፡ብተመሳሳሊ ወኪል ብሃሽታግ (#) EndHighSchoolInSawa ዝፍለጥ ኣብ ሳዋ ናይ ካልኣይ ደረጃ ትምህርቲ ደው ክብል ዝጉስጉስ ምንቅስቃስ መንእሰይ ይካኣሎ መደረ ቀሪቡ።

ብጀካዚ ኣብዚ መዓልቲ ካብ ዝተገብሩ መደባት ኣቀድም ኣቢሉ ዝተዘርዘረ: ንዝተፍላላዩ ውልቀሰባትን ስድራቤታትን  ናይ ኣበርክቶን ኣስተዎጽኦን ምስጋናን ኣፍልጦ ምስክር ወረቀት ካብቲ ባይቶ ሂቡ።

ኣብ መወዳእታ እቲ ብኤሎትሮኒክ ድምጺ ተዳልዩ ዝተመደበ መስርሕ ምርጫ፡ ውጽኢቱ ብምንጋር 9 ዝለዓለ ድምጺ ዝረኸቡ፡ ን መሪሕነት ብምምራጽ እቲ ዋዕላ ተዛዝሙ።
እቶም ዝተመርጹ

1 ሉኡል ዘውደ
2 ዓወት ጸሃየ
3 ኢለን ተስፋገርግሽ
4 ተስፋሂወት ኪዳነ
5 ፍቅረ ጋይም
6 ሃይለሚካኤል ዮሴፍ
7 ልዮን ኤልያስ
8 ሙሉጌታ ኪዳነ
9 ተኪኤ የውሃንስ
ተጠባበቅቲ
1 ዓብደልባስጥ መሐመድ
2 ኢሰያስ ተወልደ
3 ዳኒኤል አብርሃም

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles