ኣብ ከተማ በርሊን ጀርመን ፣ንጥርናፈ ኤርትራውያን ስድራቤታት ዝምልከት፣ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ።
እዞም ስድራቤታት ፣ ናይ ዑቕባ መሰል ረኺቦም ክነሶም ኣብ ምጥርናፍ ስድራቤቶም ንዘጋጥሞም ዘሎ ዕንቅፋት፣ መረርኦም ናብ መንግስቲ ጀርመን ንምስማዕ ዝተኻየደ ሰልፊ ኮይኑ፣ እቲ ቅድሚ ሕጂ ብተናጸልን ይኹን፣ ብሰላማዊ ሰልፊ ተሰንዩ ክግበር ዝጸንሐ ጥርዓናት፣ ዘዕግብ መልሲ ስለዘይተረኽቦ ንኻልኣይ ግዜ ዝግበር ዘሎ እዩ።
እዞም ስድራቤታት፣ብድሕሪት ገዲፎሞም ንዝመጹ ኣባላት ስድራቤቶም፣ንምጥርናፍ ኣብ ዝፍትኑሉ፣ ምስቲ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ዘይርግኡነት ብዝተተሓሓዘ፣ ረኺቦሞ ዘለው ፓለቲካዊ ዑቕባ ዘይሳነ ፣ክሳብ ናብ ኤምባሲታት እቲ ስርዓት ብምኻድ ዝተፈላለየ ናይ ምስክርነት ሰነዳት ከምጽኡ ከምዝሕተቱ እዮም ዝገለጹ።
እዚ ኣስታት 1200 ስድራቤታት ተወዳዲቦም ዘካየድዎ ሰልፊ፣ ብዘጋጠመ ሓያል ዝናብን ንፋስን ከይተዓናቐፈ፣ ብ ውዕውዕ ስምዒት ከምዝተኻየደን ፣ ካብ ምሉእ ጀርመን ዝመጹ ግዱሳት ኤርትራውያን ከምዝተሳተፍዎን ዝበጽሓና ሓበሬታ ይገልጽ።