back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ማሊ መሰጋገሪ መንግስቲ ተተኺሉ።

ማሊ፥ ድሕሪ ሓደ ወርሒ ምምሕዳር  ወትሃደራዊ  መንግስቲ ፥መሰጋገሪ መንግስቲ ተኺላ። ቅድሚ ሕጂ ሚኒስትሪ ምክልኻል ናይ’ታ ሃገር  ዘነበረ ባህ ናዳዎን ከም ፕረሲደንት ክኸውን ከሎ፡ ከም’ውን  ኣዛዚ ናይ’ቲ ወተሃደራዊ መንግስቲ ዘሎ  ኮሮኔል አሲሚ ጎይታ ከም ምክትል ፕረሰዴንት ብምሻም፡ ሓዲሽ መሰጋገሪ መንግስቲ ተኺላ። እዚ መሰጋገሪ መንግስቲ ግዚያዊ ኮይኑ ኽሳብ ህዝባዊ ምርጫ ተገይሩ ህዝባዊ መንግስቲ ዝትከል ክጸንሕ አዩ። ቕድሚ ወርሒ፥ፕርዚደንት ኢብራሂም ቡባካር ከይታ ብወተሃደራት ናይ’ታ ኣብ ትሕቲ ቁጸጸር ድሕሪ መእታዉ፥ብሓይሊ ስልጣኑ ክገድፍ ከምዝተገብረን ከሙ’ውን ናይቲ ሃገር ባይቶ ፋሕ ከምዝበለን፥ ኣብክንዱ ከኣ ወተሃደራዊ መንግስቲ ከምዝተትክለን ይዝከር። ኽሳብ አዛ ሳዓት ከኣ ሃገረ ማሊ  ብ ወተሃደራዊ መንግስቲ ትምሃሓደር ከምዝጸነሐት ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles