back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ርትዓዉያን ንኹን!

ርትዓዉያን ንኹን!

ስለቶም ብስእሎም ዝፍለጡን ብስእሎም ዘይፍለጡን እሱራት፡፡

ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ካብ ህዝብን ሃገርን እንተጠፊኡ ሃገር ኣብ ሓደጋ ትኣቱ፡፡ ኣብ ኤርትራ ሃገርና ኣጋጢሙ ዘሎ ድማ እዚ እዩ፡፡መንግስቲ ንርትዓዊ ኣተሓሳስባ ክምልስን ክሙግትን ዓቕሚ ስለ ዘይብሉ ነቶም ብዘለዎም ዓቕምን ክእለትን ንህዝቦም ኣመክንዮኣዊ ሓሳብ ንምሃብ ብዝሓንጸጾ መምርሒ ነጻ ፕረስ ተጠቒሞም ከገልግሉ ዝጀምሩ ደቂ ሃገር እንሆ ካብ ዝጨዉዮም [ማእሰርቲ ኣገባብ ኣለዎ]ዳርጋ ክልተ ደርዘን ዓመታት ኮይኑ፡፡ነቶም ጋዜጠኛታት ጥራይ ዘይኮነ ድሕሪ ነዊሕ ዘመን ዝነቕሕሉ’ሞ ርትዓዉያን ክኾኑ ዝፈተኑ ናይ ቃልሲ ብጾቱ ከይተረፈ ንመሰልን ፍትሕን ከምዘይተቓለሱ ፍትሓዉነት ነፊጉ መሰሎም ቀንጢጡ ታሪኾም ክሒዱ ደሃዮም ኣጥፊእዎም ይርከብ[ ኣብ ዘለዉዎ ንዘለዉ ዕድመን ጥዕናን እምነየሎም]፡፡ብጻይነት ተጋዳላይ እሰያስ ኣፈወርቂ ክሳብ ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ዘይወነንካ እያ፡፡ፕረዚደንት ጥራይ ዘይኮነዉን እቶም ካልኦት ብጾቶምዉን ርትዓዉያን ክኾኑ ኣይከኣሉን፡ ህዝቢዉን ካብ መራሕቱ እዩ ዝመሃርሞ ክሳብ እታ ሓለንጊ ኣብ ዝባኑ ትሰባበር ቃል መራሕቱ ክደግም ግዜ ኣይወሰደሉን፡፡እንተኾነ ዝበዝሐ ክነቅሕ እንከሎ ኣብ ዕንዛዘ ዘለዉ’ን ዉሑዳት ኣይኮኑን፡፡ስለ ዝኾነ ድማ፦

ኣብዛ ምድሪ ክንነብር እንከለና ርትዓዊ ኣተሓሳስባ ከነማዕብል የድልየና፡፡’’ርትዓዊ’’ወይ ‘’ስነ-ኣመክንዮ’’ ቅኑዕ ሙጉት ካብቲ ዘይቅኑዕ እንፈልየሉ መርሕ ወይ ጥበብ እንታይ ከም ዝኾነ ዘርእየና ትምህርቲ እዩ፡፡ ንኣብነት ሓደ ዘይቅኑዕ ዘረባ ምስ ዝዛረብ ‘’ኣይትሓስብን ዲኻ’’ ንብሎ እዚ ሰብ ስለ ዘይሓሰበ ኣይኮነን የግዳስ ርትዓዊ ኹን ማለትና እዩ፡፡እንተኾነ ንሎሚ ኣብ ጽሑፈት መታን ቀሊል ምርዳእ ክህልወና ብ ምኽንያት ክገልጽ ክፍትን እየ፡፡እዛ ምኽንያት ግና ንሎሚ ኣብዛ ጽሕፍቲ ‘’ቐምሽ ኣደይ ዓንቂፉኒ’’ንዝዓይነቱ ምኽንያት ከምዘይትዉክል ይፈለጠለይ፡፡

ደቂ ሰባት ኣብዛ ምድሪ ክነብሩ እንከለዉ ምኽንያት የድልዮም፡

ንኽሰርሑ ምኽንያት የድልዮም! ንኸፍቅሩ ምኽንያት የድልዮም !

ንኽጸልኡ ምኽንያት የድልዮም !ንኽቃለሱ ምኽንያት የድልዮም !

ሰላም ንኽገብሩ ምክንያት የድልዮም!ንኽብኣሱ ምኽንያት የድልዮም!

ልዕሊ ኩሉ ግና ንኽሞቱ ምኽንያት የድልዮም፡፡

ከምቲ ብዉልቀሰብ ከምኡዉን ብማሕበር ኮነ ብሕብረተሰብ ደረጃ ካብኡ ሓሊፉ ድማ ብመንግስቲ ንዝዓይዎም ዕዮታት ምኽንያት የድልይዎም፡፡እስኪ ኣብዘን ዝሓለፋ ዘምናት ኣብ ሃገርና ዝተፈጸመ ብዓይኒ ርትዒ ንገምግሞ፡፡

እንበኣርከስ ካብዚ ልዒለ ዝጠቐሶ ሓሳብ ብምብጋስ ነቲ ኣብ ዓድና ዘሎ መንግስቲ ብሓፈሻ ድማ ህዝቢ ኤርትራ ብዉሑዱ ኣብዘን ዝሓለፋ ሚእቲ ዓመታት ብዓቕመይ ሒደት ክብል ክፍትን እየ፡፡ ህዝቢ ኤርትራ ኣብ ዘይምኽንያታዊ ዉግኣትን ወፍርታትን ንብላሽ ሂወቱ ዝሰኣነ፡ጉልበቱ ዝባኸነን ብገንዘብ ክትመን ኣሸጋሪ እዩ፡፡ምሕሳቡ መታን ክቐለልና ካብ መግዛእቲ ጣልያን እንተጀመርና ምስ ጣልያን ዓስኪሮም ኣብ በረኻታት ሰሃራ ብጥሜትን ጽምእን ኣብ ሊብያ ብናይ ሊብያዉያን ጥይትን ሴፍን፡ቀለብ ዓሳታት ማእከላይ ባሕሪ ዝኾኑ ኣቦሓጎታትና ዉሑዳት ኣይኮኑን፡፡ንምንታይ እንተተባህለ ዘሕንኽ መልሲ እንበር ዘሕብን የብሉን፡፡እዞም ንሃብትን ብልጽግናን ገዛእቶም ሃገር ሂወቶም ዝኸፈሉ ኣብሓጎታትና ገና ንትምህርትና ክንጥቀመሎም ኣይከኣልናን፡ከምቲ ገለ ጽሓፍቲ ዝብልዎ ኣብቲ እዋን ምስ ጣልያን ከሰልፎም ዝኸኣለ ምኽንያት ክህልዎም ይኽእል ይኸዉን እንተኾነ ናጽነትካን ሃገርካን ኣሕሊፍካ ዘዉህብ ነይሩ ክትብል ኣየድፍረካን እቲ ምንታይሲ ነቲ ገዛኢ ሓይሊ ዝተቓወሙ ሙዑታት ደቂ ሃገር ስለ ዝነበሩ፡፡

ምጅማር ቃልሲ ህዝቢ ኤርትራ ኣድላዩ ነይሩ’ዶ ኣይነበረን፡ ካልኦት ኣማራጺታት’ከ ተፈቲኖም’ዶ ዝብሉ ሕቶታት ንግዚኡ ኣወንዚፍና እቲ ነዊሕ ጉዕዞ ቃልሲ ስለምንታይ ክንድዚ ዝኸዉን እዋን ክወስድ ክኢሉ ዝብል ሕቶ ክሳብ ሎሚ ዝወሃብ ዘሎ መልሲ ኣዕጋቢ ኣይኮነን እዚ ሕቶዉን ንግዜ ገዲፍና ኩናት ሕድሕድ’ውን ካብ ክልቲኡ ዉዱባት ብሂወት ዘለዉን ዘየለዉን ተሓተትቲ እኳ ኣንተኾኑ ልዕሊ ማንም ግና እዚ ሕጂ ነዛ ሃገር ዝመርሓ ዘሎ ፕረዚደንት ተሓታቲ እዩ ዝብሉ ኣይተሳእኑን፡፡ህዝቢ ኤርትራ ሕድሕድ ኪናት ደቁ ኣይሓተተን ብዝተረኽበ ናጽነት ንኹሉ ይሕለፍ ኢሉ ንመጻኢ ክጥምት እዩ ብሂጉ፣ እንተኾነ ምእንቲ ኣንጭዋ ተባሂሎም ዝተሓድጉ ሕቶታት ንህዝቢ ኤርትራ ብዙሕ ዋጋ ኣኽፊሎሞን የኽፍልዎ ኣለዉን፡፡እቶም ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ብተጋደልቲ[እንኮላይ ስንኩላን] ዝቐረቡ ጥርዓናትን ሕቶታትን ዝበዝሑ ኣብ እዝኒ ህዝቢ ከይበጽሑ ብምቑጻዮም እቶም ዝበጽሖም ከኣ ሸለል ስለ ዝበልዎ ፍታሕ ከይተረኽቦም ብምሕላፎም ነቲ ካብ ሜዳ ኣትሒዙ ንተጋደልቲ እናመዝመዘ ዝመጸ ስርዓት ኣልቦ ጉጅለ ጽቡቕ ኣጋጣሚ ፈጠረሉ፡፡

ፕረዚደንት ኢሰያስ ኣፈወርቂ ንህዝቢ ኤርትራ ሓንቲ ቅዋማዊት ሃገር እናተስፈወ፡ ቅዋም እተርቅቕ ጉጅለ ብምቋም ህዝቢ ብዛዕባ ቅዋም ሓሳቡ ክህብን ክካታዕን ብምግባር፡በቲ ሓደ ወገን ድማ ንህዚ ብፍላይ ድማ ንመንሰያት ኣብ ኣዝዩ ሓደገኛ ዝኾነ ኲናት ንምሽማም ለይትን ቀትርን ይሰርሕ ነበረ፡፡ ነቲ ክሳብ ለይተ ሎሚ ፍታሕ ዘይተረኽቦ ባድመ ዝሰበቡ ኲናት ድማ ኣብ ጉንበት 1998 ተወሪረ ብምባል ብወግዒ ተጀመረ፡፡ነቲ ብልዝብን ምርድዳእን ክፍታሕ ዝኽእል ዝነበረ ናይ ዶብ ዝሰበቡ ኲናት ክልቲኦም ወገናት ብወኒ እዮም ክዋግኡ መሪጾም፡፡ኣብቲ ኣሰቃቒ ኲናት ድማ ካብ ክልቲኡ ወገናት ልዕሊ ሚኢቲ ሽሕ ዝኣክል ህይወት ክሃልቕ ክኢሉ፡፡ ብፍላይ ብወገን ኤርትራ ድማ ልዕሊ ኣርብዓ ሽሕ መንሰያት ክሃልቕ ናይ ዘመንና መሰኻክር ክንከዉን ክኢልና፡፡እቶም ካብ ሞት ዝተረፉ መንሰያት ድማ ዕድሚኦም ኣብ በረኻታት ሃለኸ፡፡በቶም ስሌኻ ተጋዲልና ናጽነት ኣምጺናልካ ዝበልዎ ተጋደልቲ ኣሕዋቱ ከም ሕሱም ተግፍዐ ወታደራዊ መቕጻዕቲ እናተባህለ ግና ዘይኮነ ተቐጽዐ ፡ተኣሰረ፡ አረ ዝተቐተለ ዉሑድ ኣይኮነን፡፡ነዚ ብዓይኑ ዝርኣየ ደጊም ብምባል ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸር ወድን ጓልን ሃገሩ ገዲፉ ክስደድ ተገደደ፡ክሰግር ኣብ ዶብ ብጥይት ኣሕዋቱ ተቐተለን ሰንከለን ፡ብኣራዊት ተበልዐ ኣብ ሰሃራ ብጽምእን ጥሜትን ሞተ፡ወድን ጓልን ብኣዕራብ ተዓመጹ ክፍሊ ኣካላቶም ተሸጠ፡ኣብ ባሕሪ ጠሓሉን ሞቱን፡ገለ ኣብ ምዕራባዊ ዓለም ዑቕባ ሰለጦም ፡ገለ ኣብ መዕቆቢ ስደተኛታት ኤዉሮፓ ሃገራት ፡ገለ ድማ ኣብ ቤት ማእሰርትታት ኣመሪካ ይነብሩ ኣለዉ፡፡ ኣብ ኢትዮጵያን ሱዳንን መዕቆቢ ስደተኛታት ኣብ ዘስካሕክሕ ናብራ ይነብሩ ኣለው፡፡ ልዕሊ ኩሉ እቶም ምእንቲ ርግእትን ሰላምን ብልጽግናን ዝሰፈና ኤርትራ ክርእዩ ኣቦታቶም ኣዴታቶም ኣሕዋቶም ኣሓቶም ኣኮታቶም ኣያታቶም ካብ መላእ ሕብረተሰብ ዝኸፈሉ ኣህዛብ ኤርትራ ንዓለም ብዘስደምም መንገዲ ስደተኛታት መዛረቢ ማሕበራትን ማዕከናት ዜናይን ኮይኖም፡እዚ ጉዳይ ዝኾነ ምኽንያታዊ ሓሳብ ንዝሓስብ ኤርትራዊ ዘሕፍርን ዘሕንኽን ጥራይ ዘይኮነ ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን ኣብ ዝኾነ ሃገር ዘየጋጠመ ዘሕዝን ክስተት ከምዝኾነ ንኽንርዳእ ከቢድ ኣይኮነን፡፡

ከም ሕብረተሰብ ብፍላይ ኣብዘን ድሕሪ ናጽነት ዝሓለፋ ሰላሳ ዓመታት ዝኽፈልናዮ ዋጋ ርትዓዊ ድዩ ኢልና ክንሓስብ ንቡር እዩ፡፡ ፕረዚደንት ሃገረ ኤርትራ ንህዝቢ በብእዋኑ ዝተፈላለዩ ጎስትታት[መፍርሕ] እናፈጠረ ኣብ ትሕቲ ፍርሒ ከም ዝነብር ኣብ ምግባር ብምዕዋቱ ህዝቢ ንርትዓዉነት ዝኽፍሎ ዘሎ ዋጋ ከስተብህል ዕድል ኣይረኸበን፡፡በይንና ኣንጻር ኩሎም ተጻቦኣኦታት ተዓዊትና ብምባል ዝጀመረ ናጽነት ብድሕሪኡዉን ናጽነትካ ዝጻናተዉ ኣለዉ፡ንስኻ ከም ህዝቢ ኣብዚ ቀርኒ ኣፍሪቃ ክትነብር ዘይብህጉ ብዙሓት እዮም፡ጽናዕ ትባዕ እናተብህለ ንገዛእ ርእሱን መሬቱን ልዕሊ ኩሉ ተደላዩ ገይሩ ብምሕሳብ ካብታ ሳንዱቕ ወጻኢ ንኸይሓስብ ገበርዎ፡፡ነቲ ንኣተሓሳስባ ህግደፍን መራሕቱን ዝነቕሐ ዉልቀ ሰባት ይኹኑ ጉጅለታት ካብታ ናቶም ሳንዱቕ ወጻኢ ክሓስብ ስለ ዝጀመረ ዘይኤርትራዉን ጸረ ሃገርን ጌርካ ብምሕሳብ ልኡኽ ወያነን ምዕራባዉያንን እናበልካ ነቲ ከም ወዲ ሃገር ስለ ሃገሩን ህዝቡን ናይ ምሕሳብን ምቅዋምን መሰል ምግሃስ መርኣያ ናይቲ ብፍርሒ ዝመርሕ ዘሎ ስርዓት ህግደፍ ፍጥር ክብል መለለይኡ እዩ፡፡

ዝኸበርኩም ደቂ ሃገር ኣብዚ ዓለምና ብምዕባለ ቴክኖሎጂ ትዉንጨፈሉ ዘላ እዋን ከም ሕብረተሰብን ሃገርን ከመይ ኣሎና ኢልና ክንሓስብ ይግብኣና ካብዚ ዓብሊሉና ዘሎ ጽዉጽዋያት ወጺና ርትዓዉያን ንኹን ዋላ’ኳ ኣብ ስደት ንሃሉ ምስ ኩነታትና ዝኸይድን ዓቕምናን ኣነጺርና ብፍላጥ ንገዛእ ርእስናን ሕብረተሰብናን እንረብሕ ክንከዉን ገና ግዜ ኣሎና፡ንዘለዉና ዕድላት ቴክኖሎጂ ይኹን መራኸቢ ብዙሃን ብዝግባእ ብምጥቃም ንድሕነት ሃገር ንጠቐመሎም፡፡እንተዘይኮይኑ ከምቲ ህልዉ ፕረዚደንት ንስልጣኑ ብምግሳስ ኣብ ልዕሊ ሃገርን ህዝብን በደል ዝፍጽም ዘሎ ንሕናዉን ንዘለና ዕድልን መሰል ናጽነትን ብምግሳስ ኣብ ሕድሕድናን ሕብረተሰብናን ሕማቕ በሰላ ንታሪኽ መረዳእታ ንሓድግ ኣሎና ማለት’ዩ፡፡

ሰናይ ቅነ

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles