[dropcap]ቅ[/dropcap]ድሚ 23 ዓመታት ፡ ሓሙስ 21 ነሓሰ 1997 ጋዜጣ ሰቲት ኣብ ከተማ ኣስመራ ተሓቲማ ኣብ ዕዳጋ ቀሪባ። ህዝቢ ንፈለማ ግዜ ድሕሪ ምእዋጅ ሕጊ ጋዜጣ ኤርትራ ቁጽሪ 90/1996 ናጻን ብሕታዊት ጋዜጣ ሰቲት ክውንንን ክንብብን ክኢሉ። ንቅሓትን ጽምኢ ፍልጠትን ህዝቢ ኤርትራን ደሞክራሳዊ ኣተሓስባ ንምኸዕባትን ሰቲት ኣብ ማሕበራዊ፡ ፖለቲካዊ፡ ስፖርታዊ ፡ ቁጠባዊን ዘተኮረ ዓምድታት ምእንጋድ ጀሚራ። ምስ ኩለን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ብሓደ ህርመት ብምስራሕ ድማ፡ ኣብ ሓጸር ጊዜ ኣብ ሕብረተሰብ ኤርትራ ናይ ኣተሓሳስባ ለዊጢ ከተመጽእ በቒዓ። ሰቲት ተቐባልነት ኣንበብትን ጠለብ ህዝቢ ንምምላእ ድማ፡ ሕትመታ ልዕሊ 40000 ኣብ መዓልቲ በጺሑ ናብ ዝተፈላለየ ዞባታት ኤርትራን ከምኡ ውን ኣብ ሰሜን ኣመሪካ ክትዝርጋሕ ጀሚራ።
ድሕሪ መሪር ብረታዊ ተጋድሎ ኣብ ሓራን ናጻን ኤርትራ፡ ደሞክራሲ ንምህናጽን ህዝባዊ ተሳትፎ ኣብ መስርሕ ደሞክራሲ ንምዕባይን ካብ ዝተሰርሑ ገለ ምስ ዝጥቀስ፡ ምፍላም ብሕታዊ ጋዜጣታት’ዩ። ጋዜጣ ሰቲት ዝመራሒተን ብርክት ዝበላ ብሕታውያን ጋዜጣታት ከም ኣድማስ፡ ቀስተ ደበና ፡ ዘመን ፡ ጽጌናይ ፡ መቃልሕን ካልኦትን ፈርየንን መርሓ ብሙዃን ሓሳባት፣ ሃናጺ ነቀፈታትን ተሓታትነትን ዝሓትት ጽሑፋት ኣእንጊደን፣ ኣብ ሓጽር ግዜ፡ ኣብ ሐብረተሰብ ኤርትራ ዓቢ ናይ ኣተሓሳስባ ለውጢ ድማ ኣምጺአን። ግና እዚ መስርሕ እዚ ሰሉስ 18 መስከርም 2001 ተዓንቂጹ። ራኢ ናጻ ሃገርን ህዝብን ኤርትራ ተጨውዩ። ጋዜጣ ሰቲት በቲ ኣብ ስርዓት ዘሎ ምሕደራ ኢሰያስ ኣፈወርቂ ተዓጽያ። ብርክት ዝበሉ ጋዜጥኛታታ፡ ዳዊት ኢሳቕ፡ ጀሽዋ፡ ስዩም ጸሃየ፡ ተስፋይ ጎሞራን ካልኦት ጸሓፍትን ሰቲት ድማ ካብ 2001 ተኣሲሮም ድሃዮም የለን። ምስ ምዕጻው እዘን ጋዜጣታትን ምእሳር ጋዜጠኛታትን ደምጺ ተዓቢሱ፡ ሕልሚ ምህናጽ ፍትሓዊትን ዲሞክራሳዊትን ኤርትራ በኒኑ ህዝብና ክኣ ኣደዳ ማእሰርትን ምግሃስ መባእታዊ ሰብኣዊ መሰላት ወድሰብን ኮይኑ ይርከብ።
ሎሚ ድሕሪ ልዕሊ ክልተ መዋእል፡ ንድሕሪት ተመሊስና ክንዝክር ከለና፡ ኣበርክቶ ሰቲትን እተን ካልኦት ናይ ብሕታዊያን ጋዜጣታትን ኣብ ምህናጽ ደሞክራስን ክሉንታዊ ትሓድሶን እንታይ ተራ ተጻዊተን ኢልና ንሓትት። ንቕሓት ህዝቢ በሪኹ፡ ሓበራዊ መረዳእታ ድማ ዓሙቑ፡ ኣብ ፖለቲካዊን ቑጠባዊን መደባት ሃገር ንጡፍ ሱታፌ ዘለዎ ሕብረተ ሰብ ትሃኒጹ ምራኣና ንኸውን። እቲ ራብዓይ ኣካል ስልጣን ተባሂሉ ዝግለጽ መራኸቢ ብዙሓን ከኣ፡ ንመንግስታዊያንን ዘይመንግስታዊያንን ትካላት፡ ጥቡቕ ምክትታልን እዋናዊ ፍጻሜታት ናብ ህዝቢ ኣብ ሰዓቱ ብምቕራብን፡ ተሓታትነት ዘለዎ ስርዓት ክውን ምኾነ ነይሩ። ይኹን እምበር እተን ከም ብዓል ሰቲት ዝኣመሰላ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት፡ ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዓቢ ግዴ ስለ ዘርኣያን፡ ገባትን ዓፋንን ባህሪያት ጉጁለ ህግደፍ ድማ ከቓላዓ ብምጅማረን ከም ስግኣት ዝራኣየን ጉጁለ ህግደፍ ንምዕጻወን ዓይኑ ኣይሓሰየን። እነሆ ድማ ካብ መስከረም 18 2001 ንድሓር ክይትሓትማን ካልእ ናይ ብሕቲ መራኸቢ ብዙሓን ዕዲላት ‘ውን ከይህሉን ተገይሩ።
ድሕሪ 23 ዓመታት፥ ፈላሚት ሕትመት ጋዜጣ ሰቲት ንዝክር ዘለና፡ ሰቲት ሜዲያ፡ ካብ ናይ’ቲ ናይ 21 ንሓሰ 1997 ፈላሚ ሕታም ጋዜጣ ሰቲት ብዝተፈልየ መልክዕ፡ ኣብ ቃልሲ ንሓርነትን ደሞክራስን ተጸሚድና ከለና’ዩ። ከምቲ ኣብ ባሕቲ ናይዚ ወርሒ፥ ፈላሚ ጋዜጣዊ መግለጺ ዝቀረበ ፡ ሰቲት ሜዲያ ኣብ ኣሰር ናይ’ታ ፈላሚት ብሕታዊት ጋዜጣን ኣሰር ናይ’ተን ኣሰራ ስዒበን ኣብ ህዝባዊ ኣገልግሎት ዝተዋፈራን ናይ ብሕቲ ጋዜጣታትን ተኸቲልና ህዝባዊ ዕማምና ንምፋጻም ኣዩ። እዚ ህዝባዊ ዕማም፡ ንዝኽርን ኣበርክቶን ኡሱራት ጋዜጠኛታት ኤርትራን ናይተን ብሕታዊያን ጋዜጣታት ንምሕያል በቲ ሓደ ሸነኽ፡ ኣብዚ ዘለናዮ መድረኽ ፡ ነጻ ተሳትፎን ርትዓዊነትን ሓራ መደረኽ ንምፍጣር ድማ በቲ ካልእ ሸነኽ’ዩ። ሕድሪ ከነተግብር፡ ታሪኻዊ ክብሪ ከነመስክር ነሓሰ 21 2020 ምምስራት ጋዜጣ ሰቲት ንዝክረላ ዕለት ኮይና፡ ሕጂ ውን ኣብ ኣስሮም ኣብ ፍትሓዊ ቃልሲ ንርከብ።