back to top
ቀዳም 19 ሚያዝያ, 2025

ትራምፕ ዳግማይ ንፕርዝደንታዊ ምርጫ ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ

መበል 45 ኮይኑ ንሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ን4 ዓመት ዝመርሐ ፕረዝደንት ትራምፕ፡ ኣብዚ ብ2024 ኣብ ዝካየድ ፕረዝደንት ምርጫ ከምዝወዳደር ኣፍሊጡ። ፕረዝደንት ትራምፕ፡ ኣብቲ 6 ጥሪ 2020 ዝጋጠመ ናዕቢ፡ ግደ ነይርዎ ብዝብል፡ ደበና ክሲ እንዳ ኣንጸላልዎ ከሎ ኢዩ ኣብ 2020 ኣብ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ብ ፕረሲደንት ባይደን ተሳዒሩ ስልጣኑ ኣረኪቡ።

ትራምፕ፡ “ ንኣመሪካ ዳግማይ ዓባይን ክብርትን ንምግባር ሎሚ ምሸት ንፕረዚደንት ኣሜሪካ ሕጹይነተይ የፍልጥ ኣለኹ” ብምባል ኢዩ ብ ሰሉስ 15 ሕዳር ምሸት፡ ንፕረዝደንት ይወዳደር ከምዘሎ ዘፍለጠ።

ፕረዝደንት ትራምፕ፡ ዳግማይ ኣብ 2024 ዝካየድ ምርጫ ክወዳደር ኢዩ ዝብል ብዙሕ ትጽቢት ከምዝጸነሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ውሳነ፡ ንመገዲ ዓቃባዊ ሰልፉ ዳግማይ ክቐርጽ፡ ዝተሓላለኹ ሕጋዊ ሕቶታት ከልዕልን ከምዝኾነ ኢዮም ተንተንቲ ዝገልጹ።

“ከምዚ ናትና ዓቢ ምንቅስቃስ ዝመስል ነገር ተራእዩ ኣይፈልጥን …  ምናልባት’ውን ዳግማይ ከምዚ ዓይነት ነገር ኣይክህሉን ይኽእል’ዩ” ክብል ትራምፕ ይገልጽ። “ምምላስ ኣመሪካ ኣብዚ ሕጂ እዋን’ዩ ዝጅምር” ክብል ይሕብር።

ዳግማይ ምውድዳር ፕርዝደትን ትራምፕ፡ ነቲ ኣብ 2020 ስልጣን ዝተረከበ ፕርዝደንት ጆ ባይደን ብድሆ ክኾኖ ከምዝኾነ ኢዩ ዝግለጽ።

ኣብዚ ሕዝናዮ ዘለና ወርሒ ሕዳር፡ ናይ ፍርቂ ዘመን  (Mid Term) ምርጫ ወከልቲ ህዝብን ኣባላት ባይቶን ተኻይዱ ነይሩ። ብመሰረት ውጽኢት ናይ’ቲ ምርጫ፡ ላዕለዋይ ባይቶ (ሰነት) ኣመሪካ ሰልፊ ደሞክራሲ ክቖጻጽሮ ከሎ፡ ታሕተዋይ ባይቶ (ወከልቲ ህዝቢ) ድማ ብሰልፊ ዓቃባዊያን ኢዩ ክቆጻጸር።

ትራምፕ ንኣመሪካ ኣብ ዘመርሓለን ኣርባዕተ ዓመታት፡  ኣብ ፖሊስታት ውሽጥን ወጻኢን ናይ’ታ ሃገር፡  ርኡያት ለውጢታት ከዝተራእዩ ይዝከር። ዋሕዚ ስደተኛታት ንምዕጋት፡ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ሕብራት መንግስታት ኣመሪካ ዓቢ መንደቕ ክስራሕ፡ ኤርትራ ሓዊስካ ኣብ ልዕሊ ብርኪት ዝበላ ሃገራት ናይ ቪዛ እገዳ ምግባር፡ ብዓብኡ ድማ ብ “ምእጋድ ኣስላም” ዝፍለጥ ፖሊሲ ካብቲ ኣብ ግዜ ትራምፕ ዝተኣታተው  ይጥቐሱ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,388ደገፍቲLike
959ስዓብቲFollow
23,300ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles