ኣብ ዝሓለፋ ክልተ ዓመታት ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ክካየድ ንዝጸነሐ ኣዕናዊ ግጭት ሰላማዊ መፍትሒ ንምንዳይ፤ ካብ 25 ጥቅምቲ ጀሚሩ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርርብ ሰላም ይካየድ ኣሎ። ኣብዚ ክካየድ ጸኒሑ ዘሎ ከቢድ ግጭት፤ ዝተማለአ ተሳትፎ መንግስቲ ኤርትራ ከምዘሎ ድማ ክግለጽ ጸኒሑ ኢዩ።
መንግስቲ ኤርትራውን ብመንገዲ ሚኒስትሪ ዜና ኣቢሉ፤ ኤርትራ ነብሰ ምክልኻል ንምግባር መሰል ከምዘለዋ ብምጥቃስ፤ ብተዘዋዋሪ መንገዲ ኣብቲ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ንምንታይ ኢዳ ከምዝሓወሰት ኣተንቢሁ ነይሩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ 2018 ኣብ ሞንጎ መንግስታት ኤርትራን ኢትዮጵያን፡ ጸጥታዊ ምትሕግጋዝ ዝካተተ ስምምዕ ተፈሪሙ ከምዝነበረ ውን ይዝከር። ኤርትራ እምበኣር እንተስ በቲ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ዝገለጾ ምኽንያት፡ ወይ በቲ ኣብ 2018 ዝተበጽሐ ስምምዕ ናይ ክልተአን ሃገራት፡ ኣብዚ ኵናት ትሳተፍ ኣላ።
ነዚ ንክልተ ዓመታት ክካየድ ዝጸነሐ ውግእ ሓድሕድ ደው ንምባል ድማ፤ ድሕሪ ተደጋጋሚ ዝተገብረ ፈተነታት፡ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝርርብ ሰላም ተጀሚሩ ኣሎ። ኣብዚ ዝርርብ ብክልተኦም ወገናት ክለዓሉ ትጽቢት ዝግበረሎም ዓበይቲ ጉዳያት ኣለው።
ብወገን መንግስቲ ምፍታሕ ዕጥቂ ህወሓት ሓደ ካብኡ ክኸውን ከሎ፤ ብወገን ህወሓት ድማ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ኢዩ። ንመዘኻከሪ ህወሓትን ኣብ ደገ ዘለው ካዳራት ህወሓትን ክሳብ ቀረባ ግዜ፤ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ”፡ ኢዮም ዝብሉ ነይሮም። ኣብዚ ቀረባ ግዜ ግን እንተስ ናይ ቋንቋ ምትዕሪራይ ክገብሩ ወይ ናይ ስትራተጂ ለውጢ ክገብሩ፤ ነቲ “ሰራዊት ኤርትራ ካብ ትግራይ ይውጻእ” ዝበሃል ዝነበረ፡ “ናይ ኤርትራ ሰራዊት ካብ ኢትዮጵያ ይውጻእ” ናብ ዝብል ቀይሮሞ ኣለዉ።
በቲ ኮይኑ በቲ፤ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ካብ ኢትዮጵያ ብኸመይ ኢዩ ተግብራዊ ዝኸውን? እቲ ምውጻእ ሰራዊት ኤርትራ ኸ ካብ ኣየናይ ከባቢታት ኢዩ ዝድለ ዘሎ? ናይ በሓቂ ኤርትራ ብሓይሊ ዝሓዘቶ መረት ናይ ኢትዮጵያ ኣሎ ድዩ? እቲ ብኮሚሽን ዶብ፡ ንኤርትራ ዝተዋህበ፤ ግን ኣብ ትሕቲ ጎበጣ ኢትዮጵያ ዝጸነሐ ከባቢታት ዶ ይኸውን? ወይስ ነቲ ሰራዊት ፈደራል ኢትዮጵያ ተቆጻጺርዎ ዘሎ ክፋላት ትግራይ? ኣብዚ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተታሒዙ ዘሎ ከባቢታት ግዝኣት ኢትዮጵያ፡ ብምሰረት ስምምዕ 2018 ናይ ክልተአን ሃገራት ኣትዩ እንተሊዩ ኸ ሰራዊት ኤርትራ?
መንግስቲ ናይ ሓንቲ ሃገር፤ ምስ መንግስቲ ናይ ካልእ ሃገር ምሕዝነት ብምፍጣር፤ ኩሉ ዓይነት ድጋፋት ከምዝገብር፤ ርሑቕ ከይከድና፤ ምትእትታው ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ከም ኣብነት ምውሳድ ይከኣል። ንምትእታታው ሰራዊ ኢትዮጵያ ኣብ ሶማል ዝምልከት፤ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያን ኣባል ማእከላይ ሽማግለ ህወሓትን ናይቲ ግዜ፤ ዳይረትክተር ውድብ ጥዕና ዓለም ኣብዚ ግዜ ዘሎ ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ምስ ኣልጃዚራ ሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኢትዮጵያ ከሎ ዝገበሮ ቃለ መሕተት ምውካስ ይከኣል።
ብመሰረት ስነ ሞጎት ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም፤ እዚ ብድልየት መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ኢትዮጵያ ኣቲዩ ዘሎ ሰራዊት ኤርትራ፤ ካብ’ታ ሃገር ዝወጽእ ብጠለብ እታ ዝዓደመቶ ሃገር ኢዩ።
ስለዚ ኣብ’ዚ ኣብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኣብዝካየድ ዘሎ ዝርርብ ሰላም፤ ኢትዮጵያ፤ ስምምዕ ኣለኒ፤ ኣብ ሃገረይ ጸጥታ ንምስፋን ሓገዝ ሰራዊት ኤርትራ የድልየኒ ኢዩ እንተ’ላ፤ እቲ ካልኣ ኣመራጺ እንታይ ኢዩ? ብካልእ ሸነኽ፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰራዊት ኤርትራ ክወጽእ ተኾይኑ፤ ህወሓት ዕጥቂ ክፈትሕ ኣለዎ ዝብል ሞጎት እንተ ኣቕርቡ፤ ህወሓት ዕጥቂ ንምፍታሕ ይሰማምዑ ዶ? ወይስ ድልየቶም ንሶም ምስ ዕጥቆም ተሪፎም፤ ከምቲ ንነዊሕ ዓመታት ዝገለጽዎ ንህላወና ኣስጋኢ እዩ ንዝብልዎ ሻዕብያ ዝትክእ ከዳሚ ስርዓት ኣብ ኤርትራ ንምትካል ኣንጻር መንግስቲ ኤርትራ ክዋግኡ ኢዮም?
ክንዮ ንሻዕብያ ምእላይ ንኤርትራ ዝምልከት ኣጀንዳ ናይ ህወሓት ኸ እንታይ ኢዩ? ካብ ትግራይ ዝወፍሩ ዝነበሩ መሳፍንቲ ትግራይ ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኤርትራ ዘውርድዎ ዝነበሩ ግፍዒ ዝምስክሮ ኣብ ቦታኡ ኮይኑ፤ ከምቲ ብተዳጋጋሚ ዝግለጽ ምምስራት ዓባይ ትግራይን እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘሕድሮ ናይ ህላወ ስግኣት ንጹር ኢዩ። ስለዚ ብዛዕባ ምምስራት ዓባይ ትግራይ ይኹን፤ ነዚ ዕላማ መገብቲ ዝኹኑ ጉዳያትን ህወሓት ቶባ ኢሎም ገዲፎም፤ ንታሪኽን ልዑላውነትን ኤርትራ ኣኽቢሮም ክነብሩ ፍቃደኛታት ክኸኑ ድሉዋት ድዮም? እንድሕር ድልዋት ኮይኖም ከ እንታይ ኢዩ ኢቲ ውሕስነት?
እዝን ካልእ ተመሳሰልቲ እልፊ ሕቶታት ብምልዓል፡ መጻኢ ሃገረ ኤርትራን ጎዶቦናን፡ ዘላቂ መፍትሒ ክኾውን ዝኽእሉ ኩነታት እንታይ ኢዮም ኢልካ ነቲ ግድል ንምፍትሑ ቀልል ኣይኮነን። ይትረፍ ጉዳይ ኤርትራ ተሓዊስዎ፡ ውሽጣዊ ጉዳያት ኢትዮጵያ ባዕሉ ኣዝዩ ዝተጠናነገ ኢዩ። ነዚ ኣዝዩ ዝተጠናነገ ዘበታዊ ኩነታት መዐገሲ ንምርካብ፡ ንኤርትራ ዝሊክም ኩነታት ከይፍጠር ድማ ብኣንክሮ ምስትውዓል የድሊ። እዚ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ድማ ዝኸፈአ ሳዕቤን ከይኣኸተለ ከሎ ብሰላም ክፍታሕ ድማ ናይ ኩሉ ድልየት ኢዩ። ብፍላይ ድማ ነቲ ኣብ ሞንጎ ተዋጋእቲ ሓይልታት ግዳይ ዝኾውን ዘሎ ህብዚ ትግራይ ሰላም ክርክብን መሰረታዊ ነገራት ክመላኣሉን ኩሎም ዕድላት ክፍጠሩ ይግባእ።
እዚ ዝርርብ ሰላም እንዳ ተኻየደ ከሎ፤ ከምቲ ኩሉ ዝከታተሎ ዘሎ፤ መብዛሕትኡ ቦታታት ክልል ትግራይ ኣብ ትሕቲ ሰራዊት ፈደራል ኢዩ ኣትዩ ዘሎ። ኣብዚ ቦታታት ዘሎ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ፤ ዘድልዮ ሰብኣዊ ረዲአት ኣብ ምብጻሕ፤ መግስቲ ኢትዮጵያ ኩሉ ኣገባባት ክጥቀም እየ ብምባል፤ እንተላይ ብወደባት ኤርትራ ኣቢሉ ረድኢት ናብ ትግራይ ክኣቱ መንግስቲ ኤርትራ እንተ ኣፍቁዱ፤ እሞ ድማ ነዚ ኣብ ምስላጥ ዘድሊ ጽጥታዊ ንጥፈታት ንምዕያይ ነቲ ረድኢት ኣብ ምብጻሕን ዕንቅፋት ከይጋጥሙ ሓላፍነት ኣለዎ። ስለዝኾነ ድማ እዚ ሓላፍነት ህወሓት ብኸመይ ኢዩ ዝጥምቶ? ዝብል ሕቶ ከምዘለዎ ኮይኑ፡ ከምቲ ሓደ ግዜ ሰነተር ብራድ ሸርማን ኣልዒልዎ ዝነበረ፡ ናብዚ ብሰንኪ ኲናት መሰረታዊ ቀረባት ዘድልዮ ህዝቢ ትግራይ፡ መንግስታት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝተማለአ ሰብኣዊ ሬዲአት ከብጽሑ እንተኽኢሎም፡ ነቲ ብወገን ህወሓት ዝቀርበሎም ክሲ የፍሽሉ ጥራይ ዘይኮነ፡ ህይወት ሚልዮናት ከድሕኑ ውን ይኽእሉ እዮም። ብፍላይ ድማ ብወደባት ኤርትራ ኣቢሉ ሰብኣዊ ሬዲአት ናብቲ ሓው ህዝቢ ትግራይ ከባጻእ እንተ ተኻኢሉ፡ እምነ-ኩርናዕ ሰናይ ጉርብትና ናይ ጽባሕ እዩ።
እቲ ብተደጋጋሚ ብመራሕቲ ህወሓት ዝዝረቡ ምግቡዕባዕን ፈኸራን ከይዘንጋዕካ፡ ክሳብ ዝተማለአ ስምምዕ ሰላም ዝብጽሕ፡ እዚ ኣብ ላዕሊ ዝተላዕለ ሓሳብ ንምትግባር ዘኽእል ኩነታት ኣብዝፍጠረሉ መርገጺ ህወሓት፡ ሀ. ሓገዝ ናብ ህዝቢና ይብጻሕ እምበር ንሕና ዕንቅፋት ኣይንኸውንን ወይ ድማ ለ. ንሕና ባዕልና እንተዘይዓዲልና ብመንግስቲ ኢትዮጵያ ብኤርትራ ኣቢሉ ዝምጽእ ሓገዝ ክወሃብ ኣይነፍቅድን፡ ኢዮም ክብሉ? ውድብ መግቢ ዓለምን USAIDን ኸ ድልዋት ዶ ይኾኑ?
መቸም ብዙሕ ሕቶታት ክለዓል ይከኣል ኢዩ። በቲ ኮይኑ በቲ ግን፤ ህዝቢ ኣዳኺምካ ኣብ ኣስመራ ስርዓት ናይ ምቅያር ኣጀንዳ ዝፈሸሎ ህወሓት፤ ሕጂ ውን ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ኩነታት ንምቅያርን ነቲ ዝፍጠር ኩነታት ተጠቅምካ ነቲ ናይ ነዊሕ ግዜ ጥሙሓቱ ንምርዋይ ዝጥጅኦም ውዲታ ንኹሉ ኣርባሕቲ ኣይኮኑን። ህወሓት ከምቲ ንነብሱ ከም ኣካል ኢትዮጵያ ኣሚኑ፤ ተሓላቂ ኢትዮጵያ ኮይኑ፤ ንልዑላውነት ኢትዮጵያ ዝጣበቕ ዘሎ፤ ኤርትራ ልዑላዊት ሃገር ምዃና ይኣምን ኢየ ዝብሎ፡ እምነቱ ከዕብር የብሉን። ንሕልምታቱ ክውን ንምግባር ዝመሃዞም ትረኻታት ድማ፤ ህወሓት ስለ ዝበሎ ዘይኮነስ፤ ብዓለም ለኻዊ ሕጊታት ዝጠልቦ ኣገባባት ተጸኒዖምን ተጻሪዮምን ኩሎም ገበነኛታት ዝሕተቱሉ መሰረሕ ክህሉ ኣለዎ።