back to top
ሮቡዕ 22 ጥሪ, 2025

ናይ ወጻኢ ሓይልታት ን መስርሕ ሰላም ኢትዮጵያ የተዓናቕፎ ከምዘሎ ማይክ ሃመር ሓቢሩ

ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኣመሪካ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ፡ ማይክ ሃመር፡ ካብ ዕለት 5 መስከረም ክሳብ 16 መስከረም 2022 ኣብ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ምብጻሕ ኣመልኪቱ ኣብ ማእከል መራኸቢታት ኣፍሪቃ  ጋዜጣዊ መግለጺ ሂቡ። እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘሎ ግጭት ባዕሎም ኢትዮጵያውያን ክፈትሕዎ ኣለዎም ክብል ብምዝኽኻር፡ ነተራ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ብዝምልከት፥ “ንሕና ደገፍ ኢና ንህብ” ክብል ከሎ፡ ብ ኦቦሳንጆ ተመሪሑ ብሞንጎኝነት ሕብረት ኣፍሪቃ ዝካየድ ዝርርብ ሰላም፡ ኣመሪካ ምሉእ ደገፍ ከምትህብን፡ መሻርኽቲ ብምዃን ድማ እወታዊ ታራ ከምትጻወትን ኣረጋጊጹ።

ንጉዳይ ምትእትታው ኤርትራ ኣመልኪቱ፡ መርገጺ ኣመሪካ ክሳብ ሕጂ ከምዘይተቐየረን፡ ኤርትራ ካብ ልዑላዊ መሬት ኢትዮጵያ ክትወጽእ ከምዘለዋን፡ ኣብ መሬት ኢትዮጵያ ምህላዋ ከኣ፡ ነቲ ዘሎ ሽግር ይሓላልኾ ከምዘሎን ብምጥቃስ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ዶባት ዝገብሮ ምንቅስቃስ፡ ብቀረባ ይከታተልዎ ከምዘለዎ ሓቢሩ። ብምቅጻል፡ ዝኾነ ናይ ወጻኢ ሓይላታት፡ ናይ ኢትዮጵያ ልዑላውነትን መሬታዊ ሓድነትን ከኽብሩ ከምዘለዎም ብመጥቃስ፡ ምውሳእ  ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኣብ’ዚ ግጭት፡ ነቲ ኩነታት ዝሓላልኽን፡ ብሰንኪ እቲ ግጭት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ኢትዮጵያ ንዝወርድ ዘሎ ስቓይ ድማ ዘጋድድን ኢዩ ክብል ተዛሪቡ።

“ብቐጥታ ምስ ኣስመራ ክዘራረቡ ንዝኽእሉ፡ እዚ እዝዩ ዘሻቕል ስለዝኾነ ደው ክብል ኽሕብርዎም ነተባብዕ” ክብል ንግደ ኤርትራ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ ኣብዝሃቦ ቃል እቲ ፍሉይ ልኡኽ ብተወሳኺ።

ብዛዕባ እቲ ዳግም ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ኲናት ዝምልከት ሕቶ ኣብ ዝቀረበሉ ክምልስ ከሎ፡ “እቲ ኩነታት ኣብ ኣይኲናት ኣይሰላም እዩ ነይሩ፡ ብ ዝርርብ ክፍታሕ እንዳ ኸኣለ ኲናት ተክፊቱ፡ ሕማቕ ዕድል እዩ። ብ 2 ነሓሰ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዝበጻሕክሉን ምስ ሰበስልጣን እቲ ክልል ኣብ ዝተራኸብክሉን፡ መሰረታዊ ቀረባት ኣገልግሎት ተዘይተፈቲሑ፡ ተጻብኦታት ከምዝቅጽልዎ ሓቢሮሙኒ ነይሮም” ይብል ማይክ ሃመር። ወሲኹ፡ ብ ወገን መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ንምምላስ መሰረታዊ ቀረባት ኣገልግሎት፡ ግብኦም ሙዃኑ ከምዝገለጽሉን እንተኾነ ግን ዚጥዕም ናይ ጸጥታ ውሕስነት ከምዘድልዮም ከምዝሓበርዎ ይገልጽ።

ወሲኹ እቲ ፍሉይ ልኡኽ፡ ሕቡራት መንግስትታት ኣመሪካ፡ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪቃ ሰላም ንምምጻእ ኣብ እተፈላለየ ጽፍሕታት ብዝለዓለ ደረጃ ዲፕሎማስያዊ ጽምዶ  ተካይድ ከም ዘላ ኣረጋግጹ።

ፍሉይ ልኡኽ ማይክ ሃመር፡ ኣብ ጅቡቲ ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን መንግስቲ ክልል ትግራይን ዝርርብ ተኻይዱ ንዝብል፡ “ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ነቶም ኣካላት ናብ ዝርርብ ንምምጻእ ንጡፍ ዲፕሎማስያዊ ተሳትፎ ተካይድ ኣላ። እንተኾነ ኣነ ነፍሲ-ወከፍ ባእታ ናይ ጻዕሪና ከካፍል ኣይክእልን ኢየ….” ብምባል ነቲ ኣብ ጂቡቲ ተኻይዱ ንዝተባህለ ዝርርብ ዝምልከት፡ ምክያዱን ዘይምክያዱን ኣየነጸረን።

Related Articles

ሳዓቡና

7,375ደገፍቲLike
754ስዓብቲFollow
22,500ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles