back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ መጠነ ስፊሕ ግፋ ተካይድ ኣላ ንዝብል ሓበሬታ ትነጽግ

ሚኒስትሪ ዜና ኤርትራ ሚኒስተር የማነ ገብረመስቀል ምስ ሓንቲ ጀርመናዊት ማዕከን ሓበሬታ ብ 17 መሰከረም 2022 ኣብ ዝግበሮ ሓጺር ቃለ-መጠየቕ፡ ነቲ ኤርትራ መጠነ ሰፊሕ ግፋ ተካዪድ ኣላ ዝቢል ጸብጻብ ማዕከን ሓበሬታ ቢቢሲ “ዝተጋነነ” ክቢል ገሊጽዎ።
“ኤርትራ ሰፊሕ ግፋ ኣየካየደትን። እዚ ኮነ ኢልካ ነቲ ኣብ ባይታ ዘሎ ክውንነት ምጥምዛዝን ምግናን ኢዩ። ገለ ዕቁር ሰራዊት ተጸዊዕም ኢዮም፡ እዚ ግን ውሑድ ኣሃዝ ኢዩ።” ክቢል ኢዩ እቲ ሚኒስተር ነቲ ናይ ቢቢሲ ጸብጻብ ዘዋደቆ።
እቲ በዓል ስልጣን ኤርትራ ወሲኹ፡ ኣብዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ዳግም ተወሊዑ ዘሎ ኲናት ብህወሓት ከምዝተጀምረ ብምጥቃስ፡ ዕላማ ህወሓት እንታይ ኢዩ ተባሂሉ ምስ ተሓተተ፡ ህወሓት፡ ኣብ ወርሒ ሕዳር 2020 ንሰሜን እዝ ድሕሪ ምህራም፡ ኤርትራ ብምውቃዕ፦ ነቲ ንነዊሕ ዝወጠንዎ ግዝኣት ናይ ምስፋሕን ስርዓት ናይ ምቕያርን ዕላማ ንምዕዋት መደብ ከምዝነበሮ ገሊጹ። ቀጺሉ ሚኒስተር የማነ፡ “ኣብ ከምዚ ኩነታት፥ ሕጋዊ ርእሰ-ምክልኻል ኤርትራ ዘካትዕ ኣይኮነን” ክቢል ሓቢሩ።
ብዘይካ’ዚ እቲ ሚኒስተር፡ ውጥናት ኲናት ህወሓት ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ዘትሓጽረ ከምዘይኮነን፡ ከም ሙግባጥ መሬት ኤርትራ፡ ምልዋጥ ስርዓትን ምዕናው ኤርትራዊ ሃገራዊ መንነት ዘጠቃለለ፡ ሱር ዝሰደደ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዘቕነዐ ተጻብኦታት ከምዘለዎ ብምጥቃስ፡ ከምኡ ድማ ከበሳታትን ምብራቃዊ ቆላን ኤርትራ ጎቢጥካ ዓባይ ትግራይ ናይ ምምስራት መደብ ከምዘለዎን፡ ነዚ መርዛም ፖሊሲ ህወሓት ድማ ሕብረት ኣውሮጳን ሕብራት መንግስታት ኣመሪካን ጽቡቕ ገሮም እንዳ ፈለጡ፡ ኣብ ረብሓኦም ንምውዓል ከምዝመርጹ፡ ኣብቲ ቃለ-መጠየቕ ኣፍሊጡ።
ድሕሪ ኣብ ወርሒ ሒዳር 2020 ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወለዐ ውግእ ሓድሕድ፡ ኤርትራ ኣብቲ ኲናት ንጡፍ ተራ ከምዝጸነሓ ክጥቀስ ዝጸነሐ ኮይኑ፡ ኣብዚ ዳጊም ብ 24 ነሓሰ 2022 ኣብ ዝተወለዐ ውን ተሳተፍ ምህላዋ ይንገር። ሰበ-ስልጣን ህወሓት ምብራቃዊ እዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ ናብ ኤርትራ ብምስጋር ምስ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ሓቢሩ ብሰሜናዊ ምዕራብ ከምዘጥቀዐን፡ ሽራሮን ከባብኣን ድማ ከምዝተቆጻጸረን ገሊጾም ምንባሮም ይዝከር።
ኣብዚ ግዜ ኣብ ኤርትራ ሰፊሕ ግፋ ይካየድ ከምዘሎን፡ እዚ ግፋ ድማ ዓቕሚ ሰብ ናይ’ቲ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝሳተፍ ሰራዊት ኤርትራ ንምድላብ ተባሂሉ ከምዝኾነን ይግለጽ። ሰቲት ካብ ውሽጢ ኤርትራ ብዝረኸበቶ ሓበሬታ መሰረት፡ ኣብ ስሩዕ ሰራዊት ዘይነበሩ ዜጋታት መጸዋዕታ ከምዚመጾምን፡ ኣብ ገለ ዓዲታት ድማ ንመሻሪፍ ሰራዊት ዝኸውን ኮሮሾ ከዳልዋ ከምዝተሓበራን ተፈሊጡ ኣሎ። ክሳብ ሕጂ ሰቲት ብዝገበረቶ ጻዕሪ፡ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ኣብቲ ዳጊም ተወሊዑ ዘሎ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ንጡፍ ተራ ኣለዎም ዶ የብሎምን ንዝብል ወረ ከተራጋግጽ ኣይከኣለትን ።

Related Articles

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles