back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኤርትራ ኣብ ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ናጻ ዕዳጋ ከምዘይትጽንበር ዳግማይ ኣፍሊጣ

ብኣፍሪቃዊ ሕብረት ዝተደፋፍአ ንውሽጣዊ ዕቤት ንግዲ ኣፍሪቃ ዘተባባዕ ‘ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ናጻ ዕዳጋ’ (AFCTA) ኤርትራ ገዲፍካ ኩለን ሃገራት ኣፍሪቃ ክታመን ከምዘንበራሉ ክግለጽ ጸኒሑ።

ኤርትራ ነቲ ናይ ነጻ ዕዳጋ ስምምዕ ክትፍርመሉ ክሳብ ሓምለ 2020 ዕድልኳ እንተነበራ ሚኒስቴር ዜና ኣቶ የመነ ገብረመስቀል ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኤርትራ ኣብ ጉዳይ ‘ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ናጻ ዕዳጋ’ (AFCTA) ንጹር መርገጺ ከምዘለዋ ሕጂ’ውን ነቲ ውዕል ከምዘይትፍርመሉ ገሊጹ።

ኣቶ የመነ ገብረመስቀል ኤርትራ ንምንታይ ነቲ ውዕል ከምዘይፈረመትሉ ክገልጽ እንከሎ፡ ኤርትራ ብመሰረት እቲ ኣብ 1994 ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ዘካየዶ ዋዕላ መጀመርታ ኣብ ክጭበጥ ዝኽእል ዞባዊ ምውህሃድ ከምእትኣምን መጀመርታ ኣብ ምህናጽ ዞባዊ ምትሕግጋዝ ክትሰርሕ ከምእትደልን ገሊጹ።

ኤርትራ ኣቐዲማ ካብ 1994 ካብ ኣብ ኣህጉራዊ ሓባራዊ ስራሕ ምስራሕ ብዞባዊ ምውህሃድ ክትጅምር ከምእትደሊ እያ ክትገልጽ ጸኒሓ፡ ብውድብ ሓድነት ኣፍሪቃ ቅርጹን ኣሰራርሕኡን ቀይሩ ናብ ሕብርት ኣፍሪቃ ካብ ዝቕየር ድሮ 19 ዓመታት ሓሊፉ ኣሎ።

ብመሰረት ሕብረት ኣፍሪቃ 22 ሃገራት ካብ 54 ኣፍሪቃ ክታመን እንተደኣ ኣንቢረን ‘ኣፍሪቃዊ ኣህጉራዊ ናጻ ዕዳጋ’ ክትግበር ዝተረፋ ሃገራት ድማ ብወለንታአን ክጽንበራ ኔርወን። እቲ ስምምዕ ዝድለ ፌርማታት ረኺቡ ናይጀርያ ኤርትራን ቤኒንን ጥራይ ከይፈረማሉ ጸኒሐን። ናይጀርያን ቤኒንን ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ መበል 53ን መበል 54ን ሃገራት ኮይነን ፈሪመናሉ።

ኤርትራ ካብ ነዊሕ ዝጸንሐ ቅድሚ ናብ ኣህጉራዊ ዕማማት ምስጋር ዞባዊ ጥርናፈታት ይሰላሰል ዝብል መርገጺ ኔርዋ እንተኾነ ኣብ ዞባዊ ይኹን ኣይጉራዊ ምውህሃዳት ዝዓመመቶ ዝጭበጥ ነገር የለን።

ሃገራት ኣፍሪቃ ኣብ ነንሕድሕደን ዘካይደኦ ናይ ንግዲ ልውውጥ 16% ጥራይ ከምዝኾነን ሃገራት ኣፍሪቃ እንተተሰማሚዐን እዚ ኣብ 2022 ናብ 60% ክዓቢ ተኽእሎ ከምዘሎ ኮምሽን ቁጠባ ኣፍሪቃ ኣብ ውድብ ሕቡራት ኣገልጽ።

‘ነጻ ዕዳጋ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ ግብራዊ እንተደኣ ኮይኑ 53 ሃገራት ዝሓቁፍ ብምዃኑ ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ ክኸውን ምዃኑ ኣፍሪቃ 1.3 ቢልዮን ህዝቢ ዘለዋ ብምኻና እቲ ንግዲ 3.4 ቢልዮን ዶላር ከንቀሳቕስ ተክእሎ ከምዘሎ ይግለጽ። እዚ ኣብ ግብሪ እንተውዒሉ ኤርትራ ናይዚ ጸጋ’ዚ ተኻፋሊት ኣይክትከውንን እያ።

‘ነጻ ዕዳጋ ኣህጉር ኣፍሪቃ’ ናይ ኤውሮጳዊ ሕብረት ሞዴል ዝሓዘ እዩ። ኤውሮጳዊ ሕብረት ናብዚ ዘለዎ ደረጃ ክበጽሕ ግን 50 ዓመታት ከምዝወሰደሉን ሃገራት ኣፍሪቃ ከምቲ ዝድለ ውሽጣዊ ንግዳዊ ዕዳጋ ክለዋወጣ እንተኾይነን ዘራኽበን ትሕተ ቅርጺ ከማዕብላን ኣብ ዶባተን ዘሎ ጸጥታ ከምሓዝሻን ከምዝግባእ እቲ ኮሚሽን ሓቢሩ።

ሃገራት ኣፍሪቃ ሓደ ካብቲ ክገብረኦ ተሰማሚዐን ዘለዋ ኣብ ዶባተን ዝግበር ናይ ሽቐጥ ታሪፍ ምስራዝ እዩ።

ሃገራት ኤውሮጳ 70% ካብ ዘካይደኦ ንግዲ ኣብ ነንሕድሕደን ክገብረኦ እንከለዋ ሃገራት ኤስያ ድማ 51% የካይዳ፤ ኣፍሪቃ ድማ ከምቲ ኣብ ላዕሊ ዝተገልጸ 16% ጥራይ ናይ ነንሕድሕድ ንግዲ ትገብር።

Source: Radio Erena

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles