ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳባት ሎሚ ምሸት ብዘጋጠመ ባእሲ ናብቲ መዓስከር መስተ ሰትዮም ዝኣተዉ ብረት ዝዓጠቁ ሰባት ክልተ ስደተኛታት ሃሪሞም ኣቂስሎም።
ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዕግርግር ኣብ ሞንጎ ስደተኛታት እቶም ብረት ዝዓጠቁ መስተ ዝሰተዩ ሰባትን ባእሲ ከምዝተፈጥረን፡ ክልተ ሰባት ብምቁሳሎም ናብ ሕክምና ተወሲዶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።
ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ መጺኦም ምህላዎም ኡኳ እንተሓበሩ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ከምዝተሰወሩን፡ ክተሓዙ ከምዘይክኣሉን ተፈሊጡ ይርከብ።
ካብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ሞሊቆም ዝወጹ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዳባት ይእከቡ ምህላዎም ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘሊ ጸጥታዊ ስግኣት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉ ሓቢሮም ይርከቡ።