ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ደባት ክልተ ኤርትራውያን ስደተኛታት ብጥይት ተሃሪሞም ቆሲሎም

ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ዳባት ሎሚ ምሸት ብዘጋጠመ ባእሲ ናብቲ መዓስከር መስተ ሰትዮም ዝኣተዉ ብረት ዝዓጠቁ ሰባት ክልተ ስደተኛታት ሃሪሞም ኣቂስሎም።
ብሰንኪ ዝተፈጠረ ዕግርግር ኣብ ሞንጎ ስደተኛታት እቶም ብረት ዝዓጠቁ መስተ ዝሰተዩ ሰባትን ባእሲ ከምዝተፈጥረን፡ ክልተ ሰባት ብምቁሳሎም ናብ ሕክምና ተወሲዶም ከምዘለዉ ካብቲ ቦታ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመልክት።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣባላት ጸጥታ ኣብቲ ከባቢ መጺኦም ምህላዎም ኡኳ እንተሓበሩ፡ እቶም ነቲ መጥቃዕቲ ዝፈጸሙ ከምዝተሰወሩን፡ ክተሓዙ ከምዘይክኣሉን ተፈሊጡ ይርከብ።

ካብ መዓስከራት ክልል ትግራይ ሞሊቆም ዝወጹ ስደተኛታት ኣብ መዓስከር ዳባት ይእከቡ ምህላዎም ዝፈልጥ ኮይኑ፡ ኣብቲ ከባቢ ብሰንኪ ዘሊ ጸጥታዊ ስግኣት ግዳያት ይኾኑ ከምዘለዉ ሓቢሮም ይርከቡ።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ