ሎሚ ዓርቢ 8 ጥሪ 2021 ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ዝርከቦም ልኡኽ መንግስቲ ሱዳን ናብ ኤርትራ ከምዘቕነዐ ምኽትል ኣቦ ወንበር መሰጋገሪ ልዑላዊ ባይቶን ምኽትል ኣቦ ወንበር ወተሃደራዊ መሰጋገሪ ባይቶን ሱዳንን ዝኾነ ለተናል ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳግሎ ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ። ብመሰረት እቲ በዓል ስልጣን ዘስፈሮ ሓበሬታ ወጻኢ ጉዳያት ናይ’ታ ሃገር ዑመር ቓማራዲን፤ ሓላፊ ኣገልግሎት ጸጥታ ጀነራል ዓብዱልሓሚድን ክልኦት ሰበ-ስልጣን ናብ ኤርትራ ኣምሪሖም ከምዘለዉ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ።
ዕላማ ናይቲ ምብጻሕ ድማ፤ ዝምድና ክልትአን ሃገራት፡ ምትሕብባርን ሰናይ ጉርብታትናን ከምኡ ድማ ኩነታት ናይቲ ከባብን ዞባን ምዝታይ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።
ብወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ዝምራሕ ልኡኽ ስርዓት ኣስመራ ብ 6 ጥሪ ናብ ሱዳን ምብጻሕ ፈጽሙ ከምዝነበረ ዝዝከር ኮይኑ፤ ምስቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሮ ዘሎ ሕንፍሽፍሽ ጸጥታዊ ኩነታት ናይቲ ዞባ ኣብ ዘሰከፍ ደረጃ ከምዘሎን ሱዳንን ኤርትራን ድማ ናይ ቀረባ ተጸለውቲ ከም ዝኾናን ይግለጽ።