back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ንቋንቋ ትግርኛ ብኸመይ መንገዲ ናብ ጉግል ተርጓሚ (Google Translate) ከነእትዎ ንኽእል?

ኩላትና ከም ንፈልጦ፣ ጉግል ሓንቲ ካብተን ናይ 21 ክፍለ ዘመን ዝዓበያ ምህዞ እያ። ገለ ካብ ዓበይቲ መሃንድሳት ጉግል ዝመሃዝወን ከም ምንዳይ ሞቶረ (search engine) ንኹሉ ነገራት ክትረኽበሉ ዘኽእል፣ ጉግል ካርታ (Google Maps) ምስ GPS እንዳተሓባበረ ካብን ናብን ዝሕብርን ንቦታታትን ጎደነታትን ብስእሊ ከይተረፈ ዘርኢ፣ ከምኡ ውን ዝበዝሓ ኣብዚ ግዜ ዘለዋ ናይ ተንቃቀስቲ ተለፎናት (mobile phones) ከም ዓንዲ ሕቆ ኮይኑ ዘስርሐን ሶፍትወር (Android)፣ ይርከበአን።

መሃንድሳት ጉግል፣ ን ኣብ መላእ ዓለም ዝረከቡ ሕብረተሰባት ንኽረዳድኡ ኣዝዩ ዝሕግዝ Google Translate ዝበሃል ሶፍትወር ውን ምሂዞም እዮም። እዚ ሶፍትወር፣ ናይ ቃላት ምትርጓም ጥራይ ዝይኮነ ምሉእ ሓሳባት ውን ናይ ምስትርጓም ዓቅሚ ኣለዎ። ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣዝዩ ውሑድ ቋንቋታት ዋላ ከስተርጉም ይኽእል እንተነበረ፣ ሕጂ ግን ናብ 109 ቋንቃታት በጺሑ ኣሎ። ኣብ ከባቢ ኤርትራ ዝዝረቡ ቋንቋታት ከም ዓረብኛ፣ ኣምሓሪኛ፣ ከምኡ ውን ሶማልኛ፣ ኣብ ጉግል ተርጓሚ (Google Translate) ድሮ ኣትዮም ይርከቡ። ይገርም ዩ፣ ዝኾነ ሰብ ኣብዘን 109 ቋንቃታት ዝዝረበለን ኣብ ኢንተርነት ዝርከበሉ ዓድታት ከይዱ፣ ምሉእ ብምሉእ ክረዳዳእ ይኽእል ዩ ማለት ዩ!። ጉግል ተርጓሚ ናይ ቃላት ትርጉም ጥራይ ዝይኮነ ብኣደማምጻ (pronunciation) ውን ነቲ ዝተርጎሞ ቃላት ከገልጾ ይኽእል እዩ።

 

ንኣብነት፣ ሓደ ሰብ ሓንቲ ካበዘን 109 ቋንቋታት፣ ቃላት ወይ ምሉእ ሓሳባት ወሲዱ፣ ኣብ ናይ ጉግል search engine ከይዱ ትርጉም ናብ ካልእ ካብተን 108 ቋንቋታት ምስ ዝደሊ፣ ጉግል መርበብ ሓበሬታ፣ ኣርተፊሻዊ ብልሕነት (Artificial Intelligence) ዝበሃል ኣልጎሪዝም ተጠቂሙ ኣብ ውሽጢ ካልኢት ምሉእ ትርጉም የዳሉ። እቲ ትርጉም ከም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሰ ኣዳማምጻ ናይቲ ዝተተርጎመ ቃል ወይ ምሉእ ሓሳብ ድማ ይነግር። ኣብ ገለ ገለ ቋንቋታት ውን ብ ቅዳሕ ድምጺ ኣዳማምጻ ናይቲ ዝተተርጎመ ቋንቋ የስምዕ እዩ። ኣብ ርእሲ ‘ዚ ውን ጉግል ተርጓሚ እንታይ ዓይነት ቋንቋ ሰብ ይጽሕፍ ከም ዘሎ በቲ ኣርተፍሻዊ ብልሕነት ይፈልጦ እዩ፣ እዚ ድማ ኣብ ሓንቲ ገጽ (ማለት ኣብ google.com) ኮይንካ ብ ዝደለኻዮ ካብዘን 109 ቋንቋታት ክትጽሕፍ ከም ትኽእል ይገብር። ኣብዛ ትስዕብ ስእሊ ካብ እንግሊዝ ናብ ኣምሓሪኛ ብ ጉግል ተርጓሚ ዝተተርጎመት ምልእቲ ሓሳብ ንርኢ።

 

 

ቋንቋ ትግርኛ ደኣ እሞ ክሳብ ሕጂ ስለምንታይ ኣብ ጉግል ተርጓሚ ዘይኣተወ? ነዚኣ ሕቶ ብዙሓት ትርግኛ ዝዛረቡ ዝሓትዋ ሕቶ እያ። ምሉእ ብምሉእ ክምልስዋ ዝኽእሉ ድማ መሃንድሳት ጉግል እዮም። ንናይ ጉግል ሓላፊ ረኺብካ ትግርኛ ኣብ ጉግል ተርጓሚ ይእትወልና ኢልካ ከተረድእ ምናልባት ካብ ቅሚጦ መርፍእ ምድላይ ይቀልል ይኸውን። እቲ ጽቡቅ ግና ንናይ ጉግል ሓለፍቲ ወይ ሶፍትወር መሃንዶሳት ረኺብካ ምዝራብ ኣየድልን እዩ፣ ምኽንያቱ ብዝቀለለ መንገዲ እቲ ንደልዮ ክንሓትት ዕድል ስለ ዘለና። ኣብቲ ናይ ጉግል ተርጓሚ መርበብ ሓበሬታ (translate.google.com)፣ ኣብ send feedback ዝብል ጠዊቕና፣ ምላሽ-ሓበሬታ ክንጽሕፈሎም ንኽእል ኢና። ቅድሚ ሕጂ፣ ብብዝሒ ምላሽ-ሓበሬታ (feedback) ስለ ዘይጸሓፍናሎም ኢና ክሳብ ሕጂ ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ተርጓሚ ዘይኣተወ ዝብል እምነት ኣለኒ። ብብዝሒ ሰብ ምላሽ-ሓበሬታ ምስ ዝጽሕፍ ኣቃልቦ መሃንድሳት ጉግል ውን ብብዝሒ ይዛይድ። ኣብቲ ናቶም መርበብ ሓበሬታ ውን ሓድሽ ቋንቋ ከነእቱ ድሌት ዘለኩም ምላሽ-ሓበሬታ (feedback) ጸሓፉልና ይብሉ እዮም።

ኣብዘን ዝስዕባ ቀደም ተኸተል ስእልታት ከመይ ገይርና ን መሃንድሳት ጉግል ቋንቋ ትግርኛ ኣብ ጉግል ተርጓሚ ከእትውዎ ንሓቶም የርእያ። ከምቲ ኣብቲ ስእልታት ዝርአ፣ ኣብቲ send feedback ዝብል ምስ ጠወቕና፣ ብቋንቋ እንግሊዝ ተጠቂምና ከምዚ ዝስዕብ (ወይ ብተመሳሰሊ ኣጽሓሕፋ) ክንጽሕፈሎም ንኽእል “Hello Google, Tigrinya is spoken by at least 20 million people in Eritrea and northern Ethiopia. It is fully developed language that uses Geez script. I am kindly asking you to include Tigrinya in Google Translate!”

ኣብ መወዳእታ፣ ረብሓ ምእታው ቋንቃ ትርግኛ (ወይ ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ) ኣብ ጉግል ተርጓሚ ኪኖ ኣብ ሞንጎ ወልቀሰባት ዝካየድ ናይ ምርድዳእ ተኽእሎ ጠቃሚ እዩ። ሓደ ቋንቋ ኣብ ጉግል ተርጓሚ ኣትዩ ማለት ኣህጉራዊ ኣቃልቦ ረኺቡ ማለት’ዩ። እዚ ድማ ሃገራውያንን ኣህጉራውያንን ናይ ቋንቋ ተማረማርቲ ነቲ ንዛረቦ ቋንቋ ብቀሊል ክመራመርሉ የኽእል። ቋንቋ መሰረት ናይ ሓደ ሕብረተሰብ ምዕባለ ስለ ዝኾነ ድማ፣ ብ ደቂቕ ተተመርሚሩ ኣብ ኩሉ ዓውድታት ከም ሳይንስ፣ ታሪኽ፣ ስነ-ጽሑፍ፣ ስነ-ሕጊ ወዘተ፣ ናይ ምዕባለ ለውጢ ከምዘምጽእ ዝስሕቶ ሰብ ዘሎ ኣይመስለንን። ካልእ ከኣ ድሕሪ ኣብ ጉግል ተርጓሚ ምእታዉ፣ መን ይፈልጥ እቲ ንደልዮ ቋንቋ ኣብ ጎግል ካርታን (Google Maps)፣ ጉግል ስኮላርን (Google Scholar) ይኣቱ ይኸውን!። ስለዚ ቋንቋ ትግርኛ፣ ቀጺሉ ውን እተን 8 ካልኦት ቋንቋታት ኤርትራ ናብ ጉግል ተርጓሚ ከነእቱ ሃየ ሕጂ ን መሃንዶሳት ጎግል ምላሽ ሓበሬታ ኩላትና ንስደድ!

ሰናይ ቅነ!

Related Articles

3 COMMENTS

  1. Hello Google, Tigrinya is spoken by at least 20 million people in Eritrea and northern Ethiopia. It is fully developed language that uses Geez script. I am kindly asking you to include Tigrinya in Google Translate!”

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles