ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ ዝተባህለ መስርሕ ምዝርራብ ጌጋ ሓበሬታ ምዃኑ ተሓቢሩ 

ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን፡ ገጻት ማሕበራዊ ሜድያን፡ መንግስቲ ፌዳራል ኢትዮጵያን፡ ኣካላት ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኡጋንዳ ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ፡ ብመንግስቲ ፌደራል ተጣይሱ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ።
እቲ  ሓይሊ ዕማም ብመገዲ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝተባህለ ጉጉይን፡ ጭብጢ ዘይብሉ ምዃኑን ሓቢሩ። ፌደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዕማም ምክባር ሕጊ ኣሎ ክብል ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ዝለዓለ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከየስዕብ ተሰጊኡሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ኣካላት ከቕርብዎ ዝጸንሑ ክልቲኦም ወገናት ምቁራጽ ተኹሲ ጌሮም ኣብ ጣውላ ክፈትሕዎ ከምዘለዎም ዝገልጽ ጻውዒት፡ መንግስቲ ፌደራል “ሕጊ ነኽብር ኣለና” ብዝብል ምላሽ ይነጽጎ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ህይወቶም ንምድሓን ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለዉ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ምህላወን ይሕበር።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

Stay Connected

11,864FansLike
1,105FollowersFollow
27,800SubscribersSubscribe

እዋናዊ ጽሑፋት