back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ኡጋንዳ ክካየድ ዝተባህለ መስርሕ ምዝርራብ ጌጋ ሓበሬታ ምዃኑ ተሓቢሩ 

ካብ ትማሊ ጀሚሩ ኣብ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜናን፡ ገጻት ማሕበራዊ ሜድያን፡ መንግስቲ ፌዳራል ኢትዮጵያን፡ ኣካላት ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ኣብ ኡጋንዳ ተራኺቦም ክዝትዩ እዮም ዝብል ሓበሬታ ጌጋ ምዃኑ፡ ብመንግስቲ ፌደራል ተጣይሱ ዝሰርሕ ዘሎ፡ ናይ ህጹጽ እዋን ሓደጋ ሓይሊ ዕማም ኣፍሊጡ።
እቲ  ሓይሊ ዕማም ብመገዲ መንግስታዊ ማዕከን ሓበሬታ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ እቲ ዝተባህለ ጉጉይን፡ ጭብጢ ዘይብሉ ምዃኑን ሓቢሩ። ፌደራል መንግስቲ ኣብ ክልል ትግራይ ኣብ ዕማም ምክባር ሕጊ ኣሎ ክብል ውን ወሲኹ ሓቢሩ።
ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት፡ ዝለዓለ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ከየስዕብ ተሰጊኡሉ ኣብ ዘሎ እዋን፡ ብዙሓት ኣካላት ከቕርብዎ ዝጸንሑ ክልቲኦም ወገናት ምቁራጽ ተኹሲ ጌሮም ኣብ ጣውላ ክፈትሕዎ ከምዘለዎም ዝገልጽ ጻውዒት፡ መንግስቲ ፌደራል “ሕጊ ነኽብር ኣለና” ብዝብል ምላሽ ይነጽጎ ከምዘሎ ይፍለጥ።
ኣሽሓት ዜጋታት ኢትዮጵያ ዶብ ሰጊሮም ህይወቶም ንምድሓን ሱዳን ይኣትዉ ከምዘለዉ፡ ዝተፈላለያ ማዕከናት ዜና ይገልጻ ምህላወን ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles