ሰኑይ, ጥቅምቲ 6, 2025

ኣሜርካ ንመጥቃዕቲ ህወሓት ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብትሪ ኮኒናቶ

ተሓጋጋዚ ጸሓፊ ኣሜሪካ ኣብ ጉዳያት ኣፍሪቃ ዝኾነ ቲቦር ናግይ ፣ ሕቡራት መንግስታት ኣሜሪካ ነዚ ብዓሰርተ ኣርባዕተ ሕዳር ኣብ ኤርትራ ብህወሓት ዝተኻየደ ዘይምኽንያታውን፡ ነቲ ግጭት ዞባዊ መልክዕ ንኽሕዝ ዝደፍእን መጥቃዕቲ ብትሪ ትኹንን ክብል ኣብ ናይ ትዊተር ገጹ ኣብ ዘውጽኦ ጽሑፍ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ “ድሕነት ሲቪላውያን ንኽሕሎን፣ እቲ ወጥሪ ሃዲኡ፣ ሰላም ክወሓስን ድማ ደጋጊምና ንጽውዕ” ኢሉ።

ነዚ ብዝምልከት ፣ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተፈላለዩ  ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፣ ዲፕሎማሰኛታትን ዝርከብዎም ኣካላት ፣እቲ ኩናት ሓድሕድ ናብ ዓሌታውን ዞባውን ግጭት ከይዓርግ ተሰጊኡ ከምዘሎ ይሕብሩ ኣለዉ፡ ብሰንክዚ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ኣብቲ ዞባ ኣዝዩ ኣሰካፊ ህልቂትን ምምዝባልን ከስዕብ ከምዝኽእል ብምጥንቃቕ ዝምልከቶም ኣካላት፣ቶኽሲ ደው ኣቢሎም ናብ ዘተ ክመጹ ይጽውዑ ኡኳ እንተለዉ፡ ብወገን መንግስቲ ፈደራል ኢትዮጵያ ይኹን ክልል ትግራይ ዝኾነ ተስፋ ዝህብ ስጉምቲ ኣይተወስደን ዘሎ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዝካየድ ዘሎ ኲናት ዛጊት ካብ ዝጅምር ዓሰርተ ኣርባዕተ መዓልቲ ኣቑጺሩ ኣብ ዘለወሉ፡ ብዘይካ እቲ ብክልቲኦም ወገናት ዝወሃብ ዘሎ መግለጺታት ሓሊፉ፡ ብዛዕባ ኣውሪድዎ ዘሎ ሰብኣውን ንዋታውን ክሳራ ብነጻ ኣካል ክሳብ ሒጂ ክረጋገጽ ኣይክኣለን።

ተዛማዲ ትሕዝቶ

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ማሕበራዊ መራኸቢ

7,388FansLike
959FollowersFollow
27,700SubscribersSubscribe

ካልእ ኣበርኪቶ ጸሓፊ