back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ወተሃደራዊ ጎንጺ ኢትዮጵያ ከይዲ ምዕባልኡን

ኣብ ኢትዮጵያ፡ ካብ 3 ሕዳር 2020 ጀሚሩ፡ ኣብ ሞንጎ ፈደራላዊ መንግስትን ክልል ትግራይ ዘመሓድር ዘሎ ህወሓትን፡ ወተሃደራዊ ጎንጺ ከምዝጀመረ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጵያ ኣቢ ኣሕመድ፡ እዚ ጎንጺ ዝጀመረ፡ “ሓይልታት ጸጥታ ክልል ትግራይ ነቲ ኣብ’ቲ ክልል ዝርከብ ማእከል ሰሜናዊ እዚ ድሕሪ ምጥቃዖም ኢዩ” ክብል ኣብ መንግስታዊ ተሌቭዥን ነቲ ኩነታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ፡፡
ድሕሪ እዚ ፍጻመ፡ ኣብ መላእ ክልል ትግራይ፥ ሓይሊ ኤለክትሪክ፡ መስመር ኢንተርነትን ተሌፎንን ከቛርጽ ከሎ፡ ባንክታት ከም ዝተዓጽወን፡ ዝኾነ ዓይነት ተሽከርከርቲ ካብን ናብን ትግራይ ከይንቀሳቀሱ፡ ብሰብ መዚ እቲ ክልል ከም ዝተኣገደን፡ ዝኾነ ዓይነት ናይ ኣየር በረራ ድማ ኣብ ክሊ ኣየር ክልል ትግራይ ከም ዝተኸልከለን ተሓቢሩ ነይሩ። እንተኾነ፡ ኣብዚ ሰዓት’ዚ ኣጎልጉሎት ኤለክትሪክ፡ ብጻዕሪ መንግስቲ ትግራይ ከምዝተመልሰ ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ክሕብር ከሎ፡ ብኸፊል ከኣ ምንቅስቃስ ተሽከርከርቲ ብፍሉይ ፍቃድ ካብ ፖሊስ ከምዝጀምረ ብወገን መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝዝርጋሕ ሓበሬታ የረድእ። ብወገን ህወሓት፡ እዚ ምቁራጽ ኣገልግልት ኤለክትሪክ፡ ኢንተርነትን ተሌፎንን፡ ኮነ ኢልካ ብ ዶ/ር ኣቢ ዝተገብረ ከም ዝኾነ ክኸሱ ከለዉ፡ ዶክተር ኣቢ ኣሕመድ ግን፡ “ሰብ-ሰልጣን ህወሓት ባዕሎም ዝገበረዎ ኢዩ” ክብል ገሊጹ። ይኹን እምበር ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ብናጻ ኣካላት ይኹነ ማዕከናት ሓበሬታት ዝተፈለጠ የለን።

እዚ ኣብ ሞንጎ ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይን፡ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ዝተፈጥረ ጎንጺ፡ ብማዕከናት ዜና ድሕሪ ምቅልሑ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ፡ ህጹጽ ኣኼባ ብምጽዋዕ፡ ኣብ ልዕሊ ክልል ትግራይ ን 6 ኣዋርሕ ዝቅጽል ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ ደንጊጉ። ሸውዓተ ዝኣባላታ ሓይሊ ዕማም ብምጥያስ፡ ብቀጥታ ተጸዋዕነታ ከኣ ንቀዳማይ ምኒስተር ኢትዮጲያ እዩ፡፡ እዚ “ብማእከልነት እዚ” (Command Center) ዝምራሕ ናይ ህጹጽ ግዜ ኣዋጅ፡ ዕላምኡ ኣብ ትግራይ ጽጥታ ንምስፋን እዩ ክብል ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያ ይገልጽ።
እዚ ከምዚ ኢሉ እንዳ ሃለወ፡ ሓይሊ ኣየር ኢትዮጵያ፡ ኣጽዋር ዝርከበሉ ቦታታት ዕላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ከምዘካየደ ቀዳማይ ሚንስተር ኣቢ ኣሕመድ ብ ዓርቢ 6 ሕዳር ንማዕኬናት ዜና ውሽጢ ሃገር ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ። ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ፡ እቲ ደብዳብ ነፈርቲ፡ ነቲ ዝተሓስበሉ ዕላማ ከም ዝሃረመን፡ ዝተረፈ ዕላማታት ንምህራም ክቅጽል ከምዝኾነ ብምሕባር፡ ንህዝቢ ክልል ትግራይ፡ ብእኩብ ኣብ ከተማታት፡ ከባቢ መኽዘን ኣጽዋርን ገነእታት ነዳድ ዝርከበሉ ቦኣታታትን ከይንቀሳቀሱ ኣጠንቒቁ። ነዚ ዝምልከት ካብ ሰበ-ስልጣን ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዝተዋህበ ሓበሬታ ድማ፡ ብልክዕ ደብዳብ ነፈርቲ ከም ዝተኻየደ ኡኳ እንተ ገለጹ፡ እንታይ ዓይነት ዕንወትን ጉድኣትን ኣኸቲሉ ግን ኣይሓበሩን። ፕረዚደንት ብሄራዊ መንግስቲ ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረጽዮን ገብረሚካኤል ብወገኑ፡ ፈደራላዊ መንግሰቲ ኣብ ልዕሊ ትግራይ ወራር ከም ዝኣወጀን፡ ትግራይ ድማ፡ ብዅሉ መዳይ ንዝተኸፍተላ ኲናት ተዳልያ ከምዘላን ብ 5 ሕዳር ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣፍሊጡ። ብተወሳኺ ነዊሕን ርሑቅን ክበጽሕ ዝኽእል ኣጽዋር ከምዘለዎምን፡ ሓለፍትን ኣባላትን ሰሜናዊ እዚ፡ ምስ ህዝብን መንግስትን ትግራይ ከም ዝወገኑ ብምሕባር፡ ገለ ካብ ክፋል ኣባላት ሰሜናዊ እዚ ናብ ኤርትራ ምስ ኣጽዋሮም ከም ዝኸዱን ካብ ምሕባር ግን ኣይተቆጠበን። ብተወሳኺ “ቢቢሲ ትግርኛን፣ ራድዮ ድምጺ ኣሜርካ(VOA)ን” ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት፡ ተወለድትን ተዛረብትን ትግርኛ ይእሰሩ ከምዘለዉ፡ ንነበርቲ ክልላት ብምጥቃስ ዘብጽበን። ብኻልእ ወገን ድማ ተወለድቲ ክልል ትግራይ ዝኾኑ ኣባላት ምክልኻል፣ ፖሊስን ፌደራልን፣ ዕጥቆም ብምፍታሕ ኣብ ገዝኦም ኮፍ ክብሉ ከም ዝተኣዘዙ ይሕበር።

ማሕበረ-ሰብ ዓለም፡ እዚ ኣብ ኢትዮጵያ ኣጋጢሙ ዘሎ ኩነታት ኣመልክቱ፡ ኣብ መንጎ ፌደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጲያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይን፡ ናብ ሰላም ዝመልሰን ተጻእቦታት ዝቅንስን ስጉሙታት ክወስዱ ክጽውዕ ጸኒሑ ኣሎ። ኣብቲ ብ 6 ሕዳር ዶክተር ኣቢ ብመራኸቢ ብዙሓን ኢትዮጵያ ኣብ ዘመሓለለፎ መልእኽቲ፡ እቲ ኣብ ልዕሊ ህወሓት ዝተጀመረ ስርሒት ናይ መጀመርታ ሾትኡ ከምዝወቕዐን ኣብ ዝሓጸረ እዋን ድማ ናብ መፈጸምታ ንምብጻሕ ክቅጽል ምዃኑን ሓቢሩ።
ብኻልእ ሸነኽ፡ ኣብ ሰሜናዊ ኢትዮጵያ ኣብ መዓስከራት ዝርከቡ ብኣሽሓት ዝቁጸሩ ኤርትራውያን ስደተኛታት ውሕስነቶም ኣብ ምንታይ ኩነታት ከም ዘሎ ዝተፈልጠ የለን። “ኒውዮርክ ታይምስ (New York times)” ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣመልኪታ ኣብ ዘስፈረቶ ሓበሬታ፥ “ሰብኣዊ ሓገዝ ዝህባ ትካላት እዚ ኩነታት ንስርሐን ኣዚዩ ከቢድ ከምዝገበሮን ብሰንኩ ከኣ ነቶም ስደተኛታ ዝግበር ሓገዝ ኣብ ሓደጋ ከምዘውደቅን’ ይሕብር። “ማዕከን ሓበሬታ ሰቲት” ንጉዱሳት ዜጋታት ብዛዕባ እዚ ጉዳይ ኣብ ዘዛራረበትሉ፥ እዞም ኣብ ዝተፈላለየ ማዓስከራት ዝርከቡ ስደተኛታት ብዛዕባ ኩነታቶም ስግኣት ከምዘለዎም ብምጥቃስ ኣብ ዘተፈላለየ ናይ ኤርትራውያን ማሕበራዊ መራኸቢታት ድሮ እቶም ስደተኛታት ንዘለዎም ስግኣት ናይ ውሕስነት ክገልጹ ጀሚሮም ኣለው።

ኣብ ካልእ ሽነኽ ኤርትራውያን በርጌሳውያን ማሕበራት፡ ፖሎቲካውያን ውድባት፡ ጸለውቲ ሰባትን ነዚ ኣብ ኢትዮጲያ ተፈጥሩ ዘሎ ኩነታት ፥ ብስርዓት ኢሰያስ ዝግበር ዝኾነ ጣልቃ ምትእትታው፡ ንህዝቢ ኤርትራ ከምዘይውክልን ህዝቢ ኤርትራ ደላዪ ሰላም ሙዃኑን፡ ብዝተፈላለየ መራኸቢ ብዙሓን ይሕብሩ ኣለዉ፡፡ እዚ ከምዚ ኢሉ ከሎ፣ ብወገን ኤርትራ ምስ እዚ ኩነታት ዝተኣሳሰር ዝኾነ ወግዓዊ ሓበሬታ የለን። እንተኾነ ግን ኣብ ፈረንሳ እትሕተም ጋዜጣ “ሊ-ሞንደ” ንመራሒ ስርዓት ህግደፍ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ “ ናይዚ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኲናት ሓድሕድ ቀንዲ ሃንዳሲ” ክትብል ገሊጻቶ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles