back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሕብረት ኤውሮጳ ኩሎም ወገናት፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተፈጢሩ ዘሎ ኩነታት ከህድኡ ጸዊዑ

ሓላፊ ጉዳያት ወጻኢ ሕብረት ኤውሮጳ ጆሴፍ ቦሬል ኣብ ኢትዮጵያ ዝኸይድ ዘሎ ምዕባለታት ዝተሓሳስብ ምዃኑን፡ ኩሎም ወገናት ነቲ ዘሎ ወጥርን ምትፍናን ዘህድእ ተበግሶ ክወስዱን: ኣቖጣዒ ቃላት ካብ ምጥቃም ክቑጠቡን ቶኽቷኺ ወተሃደራዊ ወፍሪ ደው ከብሉን ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣፍሊጡ።

ኣብ ውሽጢ እዚ ወርሒ ኣብ ኢትዮጵያ ምብጻሕ ስራሕ ዝፈጸመ ጆሴፍ ቦሬል ኣብ ኢትዮጵያ ዝመጸ ለውጢ፡ ሕብረት ኤውሮጳ ከምዝድግፎ ብምግላጽ፡ እዚ ለውጢ ልዕልና ሕግን ሰብኣዊ መሰልን ዘኽበረ ክኸውን ከምዝግብእ ወሲኹ ገሊጹ።

ኣብ ሞንጎ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከብ ማእከላይ መንግስትን፡ መንግስቲ ብሄራዊ ክልል መንግስቲ ትግራይን ክኸይድ ዝጸንሐ ምውጣጥ፡ ኣብ ዝለዓለ ጥርዙ በጺሑ፡ ኣብ ወተሃደራዊ ምፍኽኻርን መግለጺታትን ክርአ ከምዝቀነየ ይፍለጥ።

መንግስቲ ብሄራዊ ክልል መንግስቲ ትግራይ ብ 2 ሕዳር 2020 ብፕረዚደንት ርእሰ ምምሓዳሩ ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዶክተር ኣብይ ኣሕመድ፡ ምስ ናይ ወጻኢ ሓይልታት ኮይኑ ብሓይሊ ስጉምቲ ንምውሳድ ይዳሎ ከምዘሎን፡ ብወገኖም ናብ ኲናት ዘምርሕ ኣንፈት ተተፈጢሩ ግን መንግስቲ ብሄራዊ ክልል ትግራይ ድሉው ከምዘሎ ኣፍሊጡ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles