back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ሱዳን ብዛዕባ ምምላስ ሓተቲ ዑቕባ ምስ እስራኤል ክትዘራረብ እያ

መንግስቲ ሱዳን ኣብ እስራኤል ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ንምምላሶም ዝግበር ምዝርራብ ክኣቱ ከምዝተሰማምዐ ጆሩሳሌም ፖስት ዝተባህለት ጋዜጣ እስራኤል ሎሚ ኣብ ዘስፈረቶ ዜና ገሊጻ።

እታ ጋዜጣ ቀዳማይ ሚኒስተር እስራኤል በንጃሚን ነታንያሁ ሎሚ ሰንበት ኣብ ናይ ካቢነ ኣኼብኡ፡ ኣብ ዝመጽእ ቀረባ ግዜ ልኡኻት ክልቲኤን ሃገራት ተራኺቦም ኣብ ዝተፈለላየ ጉዳያት ክዝትዩ ምኻኖምን ብምጥቃስ፡ ጉዳይ ምምላስ ስደተኛታት እውን ሓደ ምኻኑ ሓቢሩ። ሚኒስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሱዳን ብወገኑ፡ ምስ እስራኤል ኣብ ንግድን ጉዳይ ስደት ኣመልኪቶም ክዘራረቡ ምኻኖም ኣፍሊጡ።

ወሃቢ ቓል ምኒስትሪ ውሽጣዊ ጉዳያት እስራኤል ኣርየ ዴሪ ነዚ ስምምዕ እዘን ክልተ ሃገራት ኣብ ጉዳይ ሓተቲ ዑቕባ ኣመልኪቲ፡ ክሳብ ሒጂ ዝተፈልጠ ነገር ከምዘየለ ሓቢሩ።

እስራኤል ኣብ ሃገራ ንዝርከቡ ሓተቲ ዑቕባ ኤርትራውያንን ሱዳናውያንን ዝተፈላለየ ምስምሳት ብምምጻእ ናይ ዑቅባ ሕተኦም ብጥርኑፍ ክትነጽጎ ከምዝጸንሐት ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ናብ ዝተፈላለየ ሃገራት ኣፍሪቃ ንምጥራዞም እውን ስምምዕ ከምዝነበራን ይፍለጥ። እንተኾነ ግን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላትን፡ ማሕበረ-ሰብ እስራኤልን ብዝገብርዎ ስራሕ ላዕለዋይ ቤትፍርዲ እታ ሃገር ነቲ ስምምዓት ክስርዞ ከምዝኸኣለ ይሕበር።

ኣብ እስራኤል ኣስታት 30 ሽሕ ዝኾኑ ኣፍሪቃውያን ሓተቲ ዑቅባ ክህልዉ ከለዉ፡ ካብዚኦም ዕስራ ሽሕ ኤርትራውያን ምኻኖም ይሕበር።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles