ካብ ሶማልን ኢትዮጵያን ዝተበገሰ ዕስለ ኣንበጣ ናብ ኤርትራ ገጹ ይሳግም ከምዘሎ ውድብ መግብን ሕርሻ ዓለም (FAO) 19 ጥቅምቲ 2020 ኣብ ዘውጽኦ ጽብጻብ ምስጋም ዕስለ ኣንበጣ ኣፍሊጡ።
እቲ ውድብ ኣብ ጸብጻቡ ድሕሪ 25 ዓመታት ብኣዝዩ ኣስከፊ ኣገባብን ብዝሕን ተኸሲቱ ዘሎ ምስጋም ዕስለ ኣንበጣ ኣብ የመን፡ ሶማልያ፡ ኢትዮጵያ፡ ኤርትራ፡ ሱዳን፡ ስዑዲዓረብን ኬንያን ሃስያ ከውርድ ከምዝኽእል ኣሚቱሎ።
እዚ ድሮ ንኢትዮጵያ ኣብ ከቢድ ሻቅሎት ሸሚምዋ ዝርከብ ሳጋሚ ኣንበጣ: ብወገን ትግራይ ናብ ዶባት ኤርትራ ተቀራሪቡ ከምዘሎ ይፍለጥ፡፡ ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ኣብ ኤርትራ ኣብ ገለ ክፍላት ሰሜናውን ደቡባውን ቀይሕ ባሕሪ ማለት ኣብ ከባቢ ዕዲ፡ ሽዕብ፥ማህሚመት ከምኡ’ውን ኣብ ምዕራባዊ መታሕት ኣብ ከባቢ ከርከብትን ኣስማጥ ገለ ክፋል ጉጅለታት ዕስለ ኣንበጣ ከምዝተራእየን ንምቁጽጻሩ ይስራሕ ከምዘሎን ኣፍሊጡ።
ራድዮ ድምጺ ኣሜርካ (VOA) ኣብ ዘመሓላለፈቶ ጸብጻብ፡ ‘ሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ’ ድሮ ካብ ጎረባብቲ ሃገራት ዝሳግም ዘሎ ዕስለ ኣንበጣ ጉድኣት ከየውርድ ንምክልኻሉ ኣድላዪ ምድላዋት ተጌሩ ከምዘሎ ንዕኡ ዘሳልጥ ሓይሊ ዕማም ኣዋፊሩ ከምዘሎን፡ ንሚኒስትሪ ሕርሻ ኤርትራ ብምጥቃስ ኣብ ጸብጻባ ሓቢራ።
ካብ ሰሜን ኣፍሪቃን ማእከላይ ምብራቅን ዝሳግሙ ኣንበጣ ዓመት መጸ ይርኣዩ ኡኳ እንተነብሩ፡ ሎሚ ዓመት ኣሰካፊ ብዝኾነ ብዝሕን ዕብየትን ንቀርኒ ኣፍሪቃ ወሪርዎ ከምዘሎ ይፍለጥ። ውድብ መግብን ሕርሻን ዓለም (FAO) ካብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት ኣትሒዙ መጠንቐቕታት ክህብ ኡኳ እንተጸንሐ፡ ብፖሎቲካን፡ ኩናት ሃገራትን ዕረፍቲ ዘይረኸበ ቀርኒ ኣፍሪቃ ግን መራሕቱ ጉቡእ ኣቃልቦ ከምዘይገብሩሉ ይፍለጥ።