back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ገጣምን ጋዜጠኛን ኣማኒኤል ኣስራት “ተባዕ ኣህጉራዊ ጸሓፊ” ተሰይሙ

መርበብ ሓበሬታ ፔን ኤርትራ ሎሚ ኣብ ገጻቱ ኣብ ዘስፈሮ፡ ተዓዋቲ ፔን ፒንተር 2020 ሊንቶን ክወሲ ጆንሰን ሽልማት “ተባዕ ጸሓፊ” ን ኣማኒኤል ኣስራት ከምዝረቖሖ ኣፍሊጡ።

እዚ ሽልማት ንተበዓት ጸሓፍቲ ክወሃብ ዝጸንሐ ኮይኑ፡ ኣማኒኤል ኣስራት ቅድሚ ምእሳሩ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ ብዛዕባ ዝጽሕፎምን ዘበርክቶምን ዝነበረ ስነጽሑፋዊ ትሕዝቶታት ካብ ፍርሕን ምውልዋልን ወጺኡ ብትብዓት ይሰርሖም ምንባሩ እዩ ነዚ ስልማት ዝበቅዐ።

ቅድሚ ኣርባዕተ ዓመት ኣብ 2016 ብፔን ኦክስፋም “ንሓርነት ሓሳብካ ምግላጽ” ዝወሃብ ስልማት በቂዑ ምንባሩ ይፍለጥ።

ኣማኒኤል ኣስራት ዝርከቦ ብዙሓት ጋዜጠኛታት ብሕትን ኣብ 2001 ካብ ዘዝነበርዎ ቦታ ተጨውዮም ምስ ተወስዱ፡ ክሳብ ሎሚ ንሃለዋቶም ዝምልከት ዝኾነ ሓበሬታ ከምዘየለ ይፍለጥ።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles