ብመንጽር ሞራላዊ ሕግታት ተደለይቲን ዘይተደለይትን ዝኾኑ ተግባራት ኣለዉ፡፡ ሰናይ ተግባራት ተደለይቲ እዮም፡፡ይዉደሱ ወይ ይድነቑ ድማ፡፡እከይ ተግባራት ጠባያት ተደለይቲ ኣይኮኑን ስለዚ ይኹነኑ፡፡ኣብዚ ዘካትዕ ነጥቢ ኣየናይ ተግባር’ዩ ቅኑዕ ወይ ሰናይ? ኣየናይ ተግባር’ዩ’ኸ ጌጋ ወይ እከይ?፡፡ነዚ ሓሳብ ኣመክንዮኣዊ ምላሽ ንምሃብ ኣብ ዝተፈላለዩ ሃገራት፡ከባቢታት..ወዘተ. ዝነብሩ ህዝብታታት ምጽናዕ የድሊ፡፡ ኣብዘን ከባቢታት ዝነብሩ ኣህዛብ ንሓደ ተግባር ዝህብዎ ሞራላዊ ምላሽ ዝተፈላለየ ክኸዉን ይኽል፡፡ነቲ ሓደ ቅኑዕን ሰናይን ዝኾነ ተግባር ነቲ ካልእ ዘይቅኑዕን እከይን ክኸዉን ይክእል፡፡ ነቶም ኣብ ሓደ ዓይነት ናይ ዕደመ ደረጃ ዘለዉ ቅኑዕ ክኸዉን እንከሎ ነቶም ኣብ ካልእ ዕድመ ክልል ዘለዉ ድማ ዘይቅኑዕ ክኸዉን ይኽእል፡፡ ኣብዚ ሓደ ከም ኣብነት ‘’ናይ ሕማመይ ወለዶ’’ ምስ ናይ ቅድሚኡ ዝነበረ ወለዶ ክንወስድ ንኽእል፡፡
ኤርትራ ሃገርና ዘለዋ ብዙሕነት ብሄራትን፡ሃይማኖታትን፡ቛንቛታትን ምስ እንዕዘብ ሓደ ዓይነት ሞራላዊ ተግባር ኣለዎ ክትብሎ ኣይከኣልን፡፡ ንኣብነት ኣብ ኣተሓሕዛ መሰል ደቅንስትዮ፡ስርዓተ ኣመጋግባ፡ ኣገባብን መስርሕን መርዓ፡ስርዓተ ኣገባብ ቅብሪ፡…..ወዘተ፡፡ ኣብዚኦም ጉዳያት ኣብ ሓደ ህዝቢ ቅቡል ዝኾነ ኣብቲ ሓደ ዘይቅቡል፡፡ ኣብቲ ሓደ ብሄር ቅኑዕ ዝኾነ ኣብቲ ካልእ ጌጋ ክኸዉን ይኽእል፡፡ እዚ ማለት ብመንጽር ሞራላዊ ሕጊ ክንርእዮ እንከለና ነቲ ሓደ ተደላይን ተፈታዉን ዝኾነ ጠባይ ወይ ተግባር ፡ነቲ ካልእ ዘይተደላይን ኣጸያፍን ይኸዉን፡፡ ይኹን እንበር እዚ ነህዛብ ንመፈላለዪ ወይ መረሓሓቘ ምኽንያት ክኸዉን ኣይክእልን፡፡
ኣብ ላዕሊ ክገልጾ ከም ዝፈተንኩ ኣብ ሓደ ኣከባቢ ዝድነቕን ዝሙገስን ተግባር ብኻልኦት ኣህዛብ ክፍንፈንን ክዉገዝ ይከኣል ይኸዉን፡፡ ስለዚ ኣብዚ ሓደ ሕቶ ክነልዕል ንኽእል ንሓደ ተግባር ቅኑዕ ወይ ሰናይ ወይ ድማ ጌጋ ወይ እከይ ዝገብሮ ናይ ሓባር ገላጺ ባህርይ ኣበይ ኣሎ? ተመሳሰልቲ ንዝኾኑ ተግባራትን ጠባያትን ዝተፈላለዩ ሓደሓደ እዋን ድማ ኣንጻር ዝኾኑ ሞራላዊ ምላሽ ዝዋሃቡ እንተኾይኖም ‘’እዚ ተግባር ሰናይ’ዩ፡ እቲ ድማ እከይ’ዩ’’ ብምባል ንኹሉ ከሰማምዕ ዝኽእል ሞራላዊ ዉሳኔ ምሃብ ኣሸጋሪ’ዩ ናብ ዝብል መደምደምታ ክንበጽሕ ይከኣል፡፡ እንተኾነ ጎኒ ጎኒ እቶም ጎሊሖም ዝርኣዩ ፍልልያት ናይ ሓባር ዝኾኑ መሰረታዉያን ሓቅታትን ሰነ-ምግባርን ኣለዉ፡፡ ዝተፈላለዩ ፍላስፋታት ፡ መራሕቲ ሃይማኖት፡ ምሁራት ማሕበራዊ ስነ-ፍልጠት ኩላቶም ንተግባራት ክገልጹ እንከለዉ ብኹሎም ህዝብታት ተቐባልነትን ትግባረን ክህልዎም ዝኽሉን ኩሉንትናዊ ባህርይ ዘለዎም ወርቃዉያን ሞራላዊ ሕግታት ኣበርኪቶምልና፡፡ገ ለ ካብቶም ወርቃዉያን ሕግታት፡፡ምንጪ ጽሑፍ (Questions that Matter’’ Miller E D L 1984)
1.ከምቲ ካልኦት ክገብርልኩም እትደልይዎ ንስኻትኩም እዉን ከምኡ ግበሩ፡፡
(የሱስ ክርስቶስ ናዝራዊ ቀዳማይ ዓመተ ምሕረት)
ዝኾነ ሰብ ካልእ ሰብ ክገብረሉ ዝደልዮ ነገር ከርዉዮ፡ከሐጉሶ ወይ ክጠቕሞ ዝኽል ሃናጺ፡ተደላይን ሰናይ ዝኾነን እዩ፡ ብሓጺሩ ሰብ ኩሉ ግዜ ጽቡቕ ነገር ይፈቱ፡ክሽገር እንከሎ ክርዳእ እደሊ፡ ክሓምም እንከሎ ክብጻሕን ክሓዉን ይደሊ፡ ክብደል እንከሎ ፍትሒ ይደሊ፡፡ዝሰኣኖ ጥዑም ናብራ ክረኽቦን ሒዝዎ ክነብርን ይመርጽ፡፡ እዚኦም ኩሎም ዝደልዮም ሰናይ ነገራት እዮም፡፡ ሰናይ ተግባራት ክህልዉ ዝኽሉ ካብ ስሰዐ፡ቅንኢ፡ተንኮል፡ህዉከት፡ፍልልይ፡ሓሶት፡ምስሉዩነት፡ ካልኦትን ዝመስልዎም እከይ ተግባራት ገዛእ ርእሱ ከንጽህ እንከሎ እዩ፡፡ ሓደ ሰብ ክግበረሉ ዝደልዮ ሰናይ ነገር እንተኾይኑ ንሱዉን ንኻልኦት ክገብሮ ዘለዎ ካብዞም ልዒሎም ዝተጠቕሱ ኣነወርቲ ተግባራት ዝጸረየ ክኸዉን ኣለዎ፡፡
2.ንነብስኹም ክግበረልኩም እትደልይዎ ኣተሓሕዛ ንኻልኦት ግበሩሎም፡፡
(ሲክዝም፡ኣብ ዓሰርተዉ ሽዱሽተ ዓምተ ምሕረት፡፡)
ጥዕና ዘለዎ ሰብ ንገዛእ ርእሱ ዝመርጾ ኣተሓሕዛ ዝጠቕሞ እንበር ዝጎድኦ፡ዘሕጉሶ እንበር ዘሕዝኖ፡ዝምችኦ እንበር ዘሳቕዮ ኣይኮነን፡፡ ንገዛእ ርእስና ዘሕጉሰናን ዝጥዕመናን ተግባራት እናደለና ንኻልኦት በንጻሩ ዝጎድእ ዘሕዝንን ዘሳቕን ተግባራት ምስ እንመርጸሎም ኢ-ሞራላዊ ግብሪ እዩ፡፡ ስለዝኾነ ድማ ዉግዘት የስዕብ ፡፡ እዚ ጥራይ ኣይኮነን; ኣብ ልዕሊ ካልኦት ሕማቕ ነገር እናፈጸምና ብኣንጻሩ ንገዛእ ርእስና ካብ ካልኦት ሰባት ጽቡቕ ክንጸበ ዘኽእለና ሞራል የብልናን፡፡ ምኽንያቱ ኣብ ልዕሊ ካልኦት እንፍጽሞ እከይ ተግባራት ተመሳሳሊ ኣብ ልዕሌና ንኽፍጽሙ ዘለዓዕል እዩ፡፡ ሰናይ ነገር ካብ ካልኦት ክንጽበ መጀመርያ ንሕና ንኻልኦት ሰናይ ነገር ክንገብር ይግባእ፡፡ ንነብሳና እንገብሮ ዝጠቅም፡ዘሐጉስን ዝምችን ኣተሓሕዛ ንኻልኦት ክንገብር ሞራላዊ ሞርሖታት ዘገዱድና ነዚ እዩ፡፡
3.ንዓኻትኩም ዘጽልኣኩም ተግባር፡ወገንኩም ኣብ ዝኾነ ካልእ ሰብ ኣይትፈጽሙ፡፡
(ሂላል፡ቅድሚ ልደተ ክርስቶስ ቀዳማይ ዓመተ-ዓለም፡፡)
ደቅሰባት በቲ ሓደ ወገን ዝጸልኦም በቲ ካልእ ድማ ዝፈትዎም ነገራት፡ተግባራትን ጠባያትን ኣለዉዎ፡፡ ዝጽልኡ ነገራት፡ተግባራትን ጠባያትን ልዕል ኢልና ከምዝጠቐስናዮ ዘየሕጉሱ፡ዘየዕግቡ፡ብፍላይ ድማ ጉድኣት ዘስዕቡ እዮም፡፡ ዝፍተዉ ድማ በንጻሩ ናይ ደቅሰብ ድሌታት ዘዕግቡ ወይ ብዉሕዱ ጉድኣት ዘየስዕቡ ክኾኑ ይኽእሉ፡፡ ሓደ ሰብ ንባዕሉ ዝጸልኦም ተግባራት ኣብ ወገኑ ዝኾነ ካልእ ሰብ ክፍጽም እንከሎ ተግባሩ ብዓይኒ ሞራላዊ ሕግታት ክርአ እንከሎ እከይ እዩ፡፡ ክኸዉን ዘይግብኦ ብምኻኑ የወግዝ፡ ስለዚ ሰብ ዝጸልኦን ዘጽልን ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልእ ሰብ ንዘይምፍጻም ሞራላዊ ሓላፍነት ኣለዎ፡፡
4.እንተፈጺምክሞ ክጎድኣኩም ዝኽል ዝኾነ ዓይነት ተግባር ፈጺምኩም ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትግበሩ፡፡
(ሂንዱይዝም ኣብ ሳልሳይ ዓመተ-ዓለም፡፡)
ንዓኹም ኮነ ንዓይ ዝጎድኣና ዝኾነ ይኹን ተግባር ብተመሳሳሊ መልክዕ ካልኦት ክጎድእ ይኽእል፡፡ ኣብ ዝኾነ ይኹን ሰብ ጉድኣት ከስዕብ ዝኽእል ተግባር ዘየድልን፡ኣሉታዉን ኣፍራስን ወይ በሰላ ዝገድፍን እዩ፡፡ ስለዚ ከምዚ ዓይነቱ ዘይሃናጺ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ካብ ምፍጻም ገዛእ ርእስና ናይ ምዕቃብ ሞራላዊ ግዴታ ኣሎና፡፡ እንተፈጺምናዮ ከምዝጎድኣና ስለ እንፈልጥ ኣብ ካልኦት ክፍጸም እንከሎ ብተመሳሳሊ ከምዝጎድኦም ምርዳእ የድሊ፡፡
5.ካልኦት ክገብሩለይ ዝደልዮ ነገር ኣነዉን ንኻልኦት ክገብር እፈቅድ፡፡
(ፕሌቶ፡ኣብ ራብዓይ ዓመተ-ዓለም፡፡)
ነፍሲ ወከፍ ሰብ ካብ ካልኦት ሰባት ክረኽቦምን ክገብሩሉን ክግበረሉን ዝፈቕዶ ሰናይን ሃናጽን ተግባራት ኣለዉ፡፡ ብኣንጻር እዚ ክበጽሖ ዘይደሊ ሕማቕ ነገር ካብ ካልኦት እዩ፡፡ ኩሉ ሰብ ንኻልእ ሰብ ሰናይ ነገር እንተዝገብር ዓለም ካብ ሽግራት ነጻ ናይ ምኻን ዓቢ ዕድል ነይርዋ፡፡ እዚ ማለት ክግበረልና እነፍቅዶ ንኻልኦት ናይ ምግባር ፍቓድ እንተዝህልወና፡ንዓና ክበጽሓና ዘይንደልዮ እከይ ተግባር ኣብ ልዕሊ ማንም ፍጡር ካብ ምፍጻም እንተንቑጠብ ዓለም ንደቂሰባት ኣዝያ ባህ እተብል ምኾነት ነይራ፡፡ ስለዚ’ዩ ፕሌቶ ንኻልኦት ሰባት ሰናይ ነገር ምግባር ምርጭኡ ዝገበሮ፡፡
6.ንዓኹም ሰናይ ዘይኮነ ነገር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትፈጽሙ፡፡
(ዞራይስትራንዝም ኣብ ሓሙሻይ ዓመተ-ዓለም፡፡)
ንዓኹም ሰናይ ዘይኮነ ነገር እንታይ እዩ ድሌታትኩም ዝጎድእ ወይስ ዘዕግብ፡ ህይወትኩምን መሰልኩምን ጥቕሙኹምን ዝገፍፍ ዝኾነ ይኹን ነገር ንዓኹም ሰናይ ኣይኮነን፡፡ እዚ ንዓኹም ጎዳኢ ወይ ኣፍራሲ ዝኾነ ተግባር ክዉገድ ኣለዎ፡፡ከምቲ ኣንጻር ድሌታትኩምን ባህጉኹምን ጥቕሙኹምን ደዉ ዝበለ ክዉገድ ዘለዎ እከይ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ምፍጻም ብሞራላዊ ሕጊ ዉጉዝ እዩ፡፡ ንግዛእ ርእስኹም ዘይምችኣኩምን ወይ ዘይትፈቕድዎን ጎዳኢ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ካብ ምፍጻም ክንቁጠብ ግዴታና እዩ፡፡
7. ንገዛእ ርእስና ኣብ ግዜ ሓጎስን ሓዘንን እንገብሮ ንኻልኦት ፍጡራት ክንገብር ኣሎና፡ኣብ ልዕሌና ጎዳእቲ ዝመስሉ ነገራት እንተተፈጺምሞና ከምዝጎድኡና እዞም ተግባራት ንኻልእዉን ዝጎድኡ ስለ ዝኾነ ካብ ምፍጻሞም ክንቁጠብ ኣሎና፡፡
(ጀይኒዝም፡ኣብ ሓሙሻይ ዓመተ-ዓለም)
8.ኣብ ልዕሌኹም እንተተፈጺሙ ዘሕምመኩም[ዝጎድኣኩም] ብዝኽል ነገር ንኻልኦት ኣይትጉድኡ፡፡
(ቡድሃ፡ ኣብ ሓሙሻይ ዓመተ-ዓለም)
ንዓኹም ዝጎድእ ነገር ንኻልኦት ክጎድእ ይኽእል ከምኡ’ውን ንኻልኦት ዝጎድእ ነገር ንዓኹም ክጎድእ ይኽእል ይኸዉን፡፡ ነዚ ብዝግባእ ትፈልጥዎ’ዶ?ካልኦት ሰባት ጎዳኢ ዝኾነ ነገር ከይፍጽምልኩም ከምእትመነዩ መጠን ንስኻትኩምዉን እዚ ተግባር ኣብ ልዕሊ ካልኦት ካብ ምፍጻም ተቐጠቡ፡፡
9.ኣባኹም ክበጽሕ ዘይትደልይዎ ወይ ዘይተፍቅድዎ ኣብ ልዕሊ ካልኦት ኣይትግበሩ፡፡
(ኮንፊዩሽስ፡ኣብ ሻድሻይ ዓመተ-ዓለም)
እዞም ወርቃዉያን ሞራላዊ ሕጋጋት [ golden rules of morality] ብግዜ ዝዉሰኑን ዝሃሱን ኣይኮኑን፡፡ኣብ ጉዳይ ሞራል እዞም ወርቃዉያን ሕጋጋት ልዑል ተራ ሒዞም ጸኒሖም ኣለዉ፡፡ ንሕና ከም ህዝቢ ዘሎና ፍልልያት መሪጽና ዘምጻእናዮ ከምዘይኮነ ክንርዳእ እግብኣና፡፡ ከምዚ ልዒለ ዝጠቐስክዎ ደቅሰባት ናተይ ዝብልዎም ክብርታትን ልምድታትን ዘለዎም ኮይኖም ንኹሎም ዘሰማምዕ ሞራላዊ ሕጊ ኣለዎም፡፡ኣብዘን ዝሓለፋ ሰላሳ ዓመታት ካብ ኣእዛንና ዘይተፈለያ ’’ሓደ ህዝቢ ሓደ ልቢ’’ ዝብል ጭርሖ ብመሰረቱ ዝንቡዕን መሰረት ዘይብሉን ንመሰልን ናጽነትን ህዝብታት ዝዕፍን ዜሮ ድምር ጭርሖ እዩ፡፡ ሓደ ልቢ ኣብ ሰፊሕ ምድረ ገጽ ኤርትራ ኣይኮነን ኣብ ሓደ ዝተወሰነ ክፋል ሕብረተሰብ ኡኳ ክሰርሕ ዝክኣል ኣይኮነን፡፡ ነዚ ሓሳብ ብሓይሊ ኣብቶም ኣህዛብ ሃገርና ክትግበር ስለ ዝፈተነ ድማ ዉጽኢቱ ዘለናዮ ኩነታት ክፈጥር ክኢሉ፡፡ ሃገርና ‘’ሓደ ‘’ ዝብል ቋንቋ ኪኖ ሓጹር ደርቢና ምዕብልትን ብልጽግትን ሃገር ክንምስርት ኣብ ኢድናን ኣተሓሳስባናን’ዩ ዘሎ፡፡ ምዕራባዉያን ሃገራት ንኹሉ ፍልልያቶም ልዑል ዝኾነ ትካላዊ ስርዓት ብምህናጽ፡ እንተተዓዊቶም ንሕና ዘይንዕወተሉ ምኽንያት የልቦን፡፡ እዞም ልዒለ ዝጠቐስክዎም ወርቃዉያን ሞራላዊ ሕግታት ዋላ’ኳ ጥንታዉያን እንተኾኑ ዘመናዉያን ድማ እዮም፡፡ ዝዛረብዎ ብዛዕባ ሰናይ ዝኾነ መገዲ ህይወት እዮም፡፡ ጽቡቕ ዝኾነ ህይወት ምምናይ፡ ንትግባሪኡ ድማ በርቲዕካ ምስራሕ፡ትማሊ እንተነይሩ ሎሚ ድማ ኣሎ፡ጽባሕዉን ዝህሉን ንዘላእለም ዝቕጽልን እዩ፡፡ ሓቅነቶምን ተደላይነቶምን ኣብ ህይወት ድቅሰባት ርግጽ ስለ ዝኾነ ኣብ መስርሕ ዝቕጽሉ እዮም፡፡ በዚ ምኽንያት ኢና ድማ ብግዜ ኣይጽለዉን እንብል፡፡
ሰናይ ቅነ