ብመሰረት ካብ ትካል ውድብ ሕብራት ሃገራት ዝተረኽበ ሓበሬታ፡ ዝተፈለለዩ ዞባውን ኣህጉራውን ኣካየድቲ ስራሕ ዝሓቖፈ፡ 24 ዝኣባላቱ ጉጁለ ወኪል ናይቲ ትካል ኣብ ኤርትራ ካብ ሶኒ 24 ጥሪ ጀሚሩ ናይ ሓሙሽተ መዓልታት ናይ ስራሕ ምብጻሕ ይፍጽም ከምዘሎ ተፈሊጡ።
እዚ ዝለዓለ ጉጁለ ተልእኾ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብ ዞባዊ ኣካያዲ ስራሕ ቤት ጽሕፈታት ምትሕብባር ምዕባለ ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ኣፍሪቃን፡ ያዕቑብ ኣል ሒሎ ዝምራሕ ኮይኑ፡ ን ኣካያድቲ ስራሕ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰላት ውዱብ ሕብራት ሃገራት፡ ኮሚሽን ቑጠባ ኣፍሪቃ ኣብቲ ውዱብ፡ ቤት ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ጉዳይ ኣደንዘዝቲ ነገራትን ገበናትን፡ ማዕከን ህዝቢ ዓለምን ፕሮግራም መግቢ ዓለምን ዘተቓለለ ከምዝኾነ ክፍለጥ ከሎ፡ ምክትላት ዞባዊ ኣካየድቲ ስራሕ፡ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታትን ቤት ጽሕፈት ው.ሕ.ሃ ኣብ ጉዳይ ኣደንዘዝቲ ነገራትን ገበናት ኣካል ናይቲ ጉጁለ እዮም።
ካልኦት ናይቲ ኣከባቢ ኣካየድቲ ስራሕ ድማ ወከልቶም ከምዝለኣኹ እቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የብርህ።
ኣብዚ ናይ ሓሙሽቲ መዓልታት ምብጻሕ፡ እቲ ጉጁለ ልኡኽ ኣብቲ ሎሚ 25 ጥሪ ዝሰላሰል ብ መንግስቲ ኤርትራን ውዱብ ሕቡራት ሃገራትን ዝተወደበ፡ ሓበራዊ ምምስራት መጽወር (Framework) ምትሕብባር ውሑስ ምዕባለ ክሳተፉ ከምዝኾኑ ተሓቢሩ። “እዚ ምስ ሃገራዊ ቀዳምነታት ጽቡቕ ዝተማዓራረየን፡ ካብ 2022 ክሳብ 2026 ውሑስ ምዕባለ ኤርትራ ንምጭባጥ ውህሉል ጻዕሪ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ዘኽእል እዩ” ክብል ብተወሳኺ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ ነቲ ውዱብ ብምጥቃስ ይገልጽ።
እቲ ጉጁለ ልኡኽ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ኣብ ዝጸንሓለን ግዜ፡ ምስ ላዕለዎት ሓለፍቲ መንግስቲ ኤርትራን ሚኒስተራትን ከምኡ ድማ፡ መሻርኽትን ዲፕሎማሰኛታትን ክራኸብ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።
ኣብ ኤርትራ ብመንግስቲ፡ ኣባላት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራን ብመሻራኽትን ዝሕገዙ ዘለው ንጥፈታት ንምርኣይ፡ ናብ መንደፈራ፡ ድባርዋን ዓረዛን ክበጽሑ ከምዝኾኑ እቲ ዝተረኽበ ሓበሬታ የረድእ።
ነቲ ጉጁለ መሪሑ ናብ ኤርትራ ምብጻሕ ዝፍጽም ዘሎ፡ ዞባዊ ኣካያዲ ስራሕ ቤት ጽሕፈት ምትሕብባር ምዕባለ ውድብ ሕብራት ሃገራት ኣብ ኣፍሪቃ ያዕቑብ ኣል ሒሎ፡ ኣጀንዳ 2030 ንምጭባጥን፡ “ድሕሪት ሓደ ዘይ ምግዳፍ” ዝብል ፖሊሲ ንምውሓስ፡ ሓበራዊ ጻዕሪ ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ብምሕያል፡ ምስ ህዝብን መንግስትን ኤርትራ ምትሕብባር ኣገዳሲ ከምዝኾነ ጸቒጡ ከምዝተዛረበ፡ እቲ ካብ ቤት ጽሕፈት ውዱብ ሕቡራት ሃገራት ኣብ ኤርትራ ዝመጸ ሓበሬታ ብተወሳኺ ጠቒሱ።
ኣብ ዝተፈላለያ ኣህጉራውያን ውዱባትን ማሕበራትን ብዙሕ ርክብ ዘይብሉ መንግስቲ ኤርትራ፡ ብተደጋጋሚ ብምስጓግ ኣህጉራውያን ውዱባት ማሕበራትን ዝፍለጥን፡ እዚ ጉጅለ ናብ ኤርትራ ካብ ዝኣተዉ ብመጠን ዕብየቱ ካብ ዝዓበዩ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።