ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ እገዳ ዕድጊ ኣጽዋር ከተንብር ከላ፡ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸነሐ እገዳ ዕድጊ ኣጽዋር ድማ ክጸንዕ ምውሳና ተፈሊጡ ይርከብ።
ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ፥ ኣብ ጉዳይ ዓለምለኻዊ ምዝውዋር ኣጽዋር ዝምልከት ሕጊ ናይታ ሃገር፡ ንሃገራት ኢትዮጵያን ኤርትራን ዝምልከት ናይ መወዳእታ ብይን ከምዝሃበ ከፍልጥ ከሎ፡ በዚ መሰረት እቲ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ብኣሜሪካ ተነቢሩ ዝጸነሐ እገዳ ዕድጊ ኣጽዋር ክጸንዕን፡ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ድማ እገዳ ዕድጊ ኣጽዋር ክግበር ወሲኑ ይርከብ።
ብመሰረት ወግዓዊ ቃል ክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ፡ እዚ ኣብ ልዕሊ ኤርትራ ዝጸነሐ እገዳ ዕድጊ ክጸንዕ ምግባርን ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ተመሳሳሊ እገዳ ምንባርን፡ ናብዘን ሃገራት ናይ ዝግበር ሰደድ ኣጽዋር ኣገልግሎታት ስርዓተ ምክልኻልን ዝምልከት ፍቃድ ናይ ምኽላእ ፖሊሲ ሕጋዊ ዝግበር ከምዝኾነ የንጽር።
ኣብቲ ብክፍሊ ወጻኢ ጉዳያት ዝወጸ ጽሑፍ ብተወሳኺ፡ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ እቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኩነታትን ካልኦት ንልኡላውነት፡ ሃገራዊ ሓድነትን ግዝኣውታዊ ሓድነትን ስግኣት ዝኾኑ ነገራት ኣዝዩ ከምዝሻቐልዋ ብምቓስ፡ እዚ ንእገዳ ዕድጊ ኣጽዋር ዝምልከት ውሳኔ፡ ምኽላእ ፍቃድን ምጽዳቕን ሰደድ ኣጽዋር ምክልኻልን ኣገልግሎት ምክልኻልን ንዑጡቓት ሓይልታት፡ ፖሊስ፡ ስለያ ወይ ሓይልታት ጸጥታ ናይ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዝምልከት ጥራይ ከምዝኾነ ይሕብር።
ኣሜርካ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያን ኤርትራ እገዳታት ክትግበር ምዃና ክጠቅስ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ቅድሚ ሒጂ ኣብ ልዕሊ ላዕለዋይ ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኤርትራ ጀነራል ፍሊጶስ ወልደዮሃንስ ናይ ቁጠባን ንብረት ዝውውርን እገዳ ከተንብር ከላ ኣብ ቀጻሊ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ተኸሲቱ ዘሎ ቁልውላው ንምፍታሕ እገዳታት ከምእተንብር ክጠቅስ ምጽንሓ ይዝከር።