ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ሓዳር ኣብ ዝጅመረ ኲናት ኣብ ሞንጎ ፌደራልዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ ንትግራይ ዝመርሕ ዝነበረ ህወሓትን፡ ኣብቲ ክልል ኣብዚ ውሽጢ ሰለስተ ወርሒ ልዕሊ ሓምሳ ሽሕ ሰባት ሞይቶም ክኾኑ ከምዝኽእሉ፡ ዋሽንግቶን ፖስት ንሰለስተ ውድባት ትግራይ ብምጥቃስ ኣብ መርበብ ሓበሬታኣ ኣስፊራ።
እተን ሰለስተ ውድባት፡ ዝበኣሰ ዕንወትን ሞትን ከየኸተለ ከሎ ማሕበረ-ሰብ ዓለም ኢዱ ከእቱ ብምትሕስሳብ፡ እቲ ኲናት ጠጠው ክብልን ኣብ ትግራይ ዝርከብ ተዋጋእትን፡ ከምኡ’ውን ኣብ ትግራይ ኣትዩ ዝርከብ ሰራዊት ኤርትራ ብህጹጽ ክወጹ ክስራሕ ጸዊዖም።
ብተወሳኺ እተን ውድባት ኣብ ትግራይ ዘጋጠመ ኲናት ብነጻ ኣካል ክምርመርን፡ ሰብኣዊ ሓገዘን ክኣቱን፡ ናይ ሜድያ ሸፈነ ክወሃቦን፡ ዘጋጠመ ክመሓላለፍን ኣተሓሳሲቦም።
እተን ሰለስተ ውድባት፡ ውድብ ናጽነት ትግራይ፡ ባይቶ ዓባይ ትግራይ፡ ሳልሳይ ወያነ ትግራይን ምዃነን ዝሓበረ እቲ ጸብጻብ፡ ካበይ ቦታ ከምዝተጻሕፈ ከምዘይፍልጥ ካብ ምሕባር ኣይተቆጠበን።
ኣብ ትግራይ ተኸሲቱ ዝርከብ ኲናት ልክዕ ከም ናይ የመንን፡ ሶርያን ንጥምየትን ዓጸቦይን ከይቃላዕ ዓቢ ስግኣት ፈጢሩ ይርከብ።