back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

መሰል”ነጻነት”[ነጻ ናይ ምዃን መሰል]

“Freedom is not a gift bestowed upon us by other men, but a right that belongs to us by the laws of God and nature.” -Benjamin Franklin

ለንቅነ ንልዕሊ ዓሰርተዉ ክልተ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝነበሩ ዕስራን ትሽዓተን ተኸተልቲ እምነት ፕሮተስታንት ከምዝተፈትሑ ይዝረብ ኣሎ፡፡ብተዛማዲ ኣብ ኣስመራ ልዕሊ ሓሙሽተ ሰባት ብእምነቶም ከምዝተኣስሩ ንሰምዕ ኣሎና፡፡ሓቅነቱ ንግዜ ገዲፍና እዞም ሰባት እንታይ ኣቢሶም ንኽንድዚ ዓመታት ክእሰሩ ተፈሪዶም? እቶም ብዓሰርተታት ኣሽሓት መዓስ ከም ዝፍትሑ ከይተፈለጠ ተኣሲሮም ዘለዉኸ? ሎሚ ኣብ ኤርትራ ሕቶኻ ብማእሰርቲ ስለ ዝምለስ እንበር ክሕተቱ ዝግብኦም ሕቶታት ማእለያ የብሎምን፡፡ንሃገርና ዝመርሕዋ ዘለዉ ወገናት ምስተን “መሰልን ናጽነትን” ዝብላ ቃላት ዝተበኣሱ እዮም ዝመስሉ፡፡ንሶም ከም ዝብልዎ ንመሰልን ንናጽነትን ተቓሊስና እናበሉ እንሆ ንህዝቢ ኤርትራ መሰሉን ናጽነቱን ካብ ዝሕርምዎ ሳላሳ ዓመት ክገብር ሒደት ኣዋርሕ ተሪፈንኦ ይርከባ፡፡ ነቶም ንቓለስቲ ናጽነት ብደረጃ መሪሕነትን ተራን እጃሞም ዘበርከቱ ናይ ምንባር ናጽነት ኣይኮነን ነዛ ብርሃን ንምርኣይ ተሓሪምዎም ይርከብ፡፡ ሃገርና ኣብ መበል ዕስራን ሓደን ክፍለ ዘመን እታ እንኮ ሃገር ናይ ፖለቲካ ፡ እምነት ፡ ምሕሳብ ፡ቁጥባ፡ ምጽሓፍ፡ምንቅስቓስ፡ ምእካብ፡ኣብ ቤትካ ብናጽነት ምንባር፡ ምስራሕ፡ መሰልን ናጽነትን ዘይተኽብር ሃገር ኮይና ትርከብ፡፡ሓንቲ ሃገር ስርዓትን ሕግን ክህልዋ ዘዘራርብ ኣይኮነን፡፡ክሳብ በደልን ምጥሓስ ሕግን ዘሎ ድማ ማእሰርቲ ክህሉ ንቡር እዩ፡፡እንተኾነ ኣብ ልዕሊ ማንም ፍጡር ዝግበር ማእሰርትን መቕጻዕትን በገባብን ስርዓተ-ፍትሒ ናይታ ሃገር ዝተኸተለ ክኸዉን ኣለዎ፡፡ ኣብ ሃገርና እዚ ዘይሕሰብ እዩ፡፡ልክዕ ንሙኻን በዚ ኣገባብ ዝእሰሩ ዋላ’ኳ ብመጽናዕታዊ ጽሑፍ ኣይሃልወና ሒደት ሚኢታዊት ከምዝኾኑ ግና ይንገር፡፡እዞም ድሕሪ ዓሰርተዉ ክልተ ዓመት ተፈቲሖም ዝብሃሉ ዘለዉ ዜጋታት ዝኾነ ሕጊ ዝተኸተለ መስርሕ ዘይሓለፉ፡እንትርፎ እምነቶም ዝፈጸምዎ በደል ዘይተነግሮም፡መዓስ ከም ዝፍትሑ ዘይፈልጡን ብቤተሰቦምን ፈተዉቶምን ክብጽሑ ዘይፍቀደሎም ምንባሮም መብዝሕትና እንፈልጦ ሓቂ እዩ፡፡ እስኪ ንሎሚ ኣድማሳዊ ዝኾነ ሓሳብ ብዛዕባ “ነጻ ናይ ሙኻን መሰል” ዝብል ሓሳብ ክንርኢ፡፡

ነጻ ናይ ምዃን መሰል ካብቶም ቀንዲ መሰላት ደቂ ሰባት ሓደ’ዩ፡፡ኣብ ዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ከም እተገልጸ ደቂ-ሰባት ዝተፈላለየ ድሌታትን ክእለታትን ኣለዎም፡፡ንድሌታቱ ከዕግብን ንኽእለቱ ከተግብርን ድማ ሓደ ካብቲ ናይ ደቂ-ሰባት ልዑል ግብረ ገባዊ ዕላማ እዩ፡፡ስለዝኾነ ደቂ-ሰባት ነጻ ክኾኑ እንተዘይክኢሎም ንድሌታቶም ከዕግቡ ኮነ ክእለቶም ከተግብሩ ኣይክእሉን፡፡ መሰል ናጻ ምኻን ብመንጽር ፖለቲካ ጥራይ ዝርአ ኣይኮነን፡፡ብመንጽር ዘለና ዉሽጣዊ ሓይልን ዓቕምን ክለትን ተግባራዊ ኣብ ምግባር ክንርእዮ ኣድላዩ እዩ፡፡ ነጻ ምኻን ማለት ሓደ ሰብ ብኻልእ ሰብ ከይተገደደ ወይ ብዝኾነ ናይ ደገ ሓይሊ ገደብ [ሕጊ ወይ ቶቓም] ከይተገብረሉ፡ ብናይ ገዛእ ርእሱ ምርጫ ፡ ፍቓድን ዉሳነን ናይ ምስራሕ ፡ ምሕሳብ ፡ ምዝራብ ፡ ምንቅስቓስ…..ወዘተ ዓቕሚ ምርካብ ማለት እዩ፡፡ብሓጺሩ ነጻ ምኻን ማለት መሰናኽል ክኾኑ ዝኽሉ ብዙሓት ደጋዊ ነገራት ንምምካት ወይ ንምእላይ ዘኽእል ዓቕሚ ምርካብ ማለት እዩ፡

ደቂ-ሰባት ብባህሪኦም ብዙሕ ድሌታትን ክእለታትን ኣለዎም፡፡ እዚ ድማ ብዝተፈላለዩ መንገዲታት ይገልጽዎ፦ ብምዝራብ ወይ ብምጽሓፍ ፣ ብምሕሳብ ወይ ብምንቅስቓስ፣ ብኢድካ ብምዕያይ ወይ ብኣእሙሮኻ ብምቕማር፣ ብምምሃር ወይ ብምስትምሃር፣ ብምፍላጥ ወይ ብፍላጥ ፣ ብምድራፍ ወይ ብምድራስን ካልእን እዮም፡፡ንዘለዉዎ ድሌታት ንምዕጋብ ድማ ቀዳማይ ዕላምኡ ጌሩ ይጉዓዝ፡፡ ነጻ ምኻን ዘድልዮ ድማ ኣብ ዕላምኡ ንምብጻሕ ንዝገብሮ ምንቅስቓስ ዕንቅፋት ንዝኾንዎ ዘየድልዩ ገደባትን መሰናኽላትን ንምክልኻል እዩ፡፡ ድሌታቱ ዘዕግንብን፣ ዘለዉዎ ተዉህቦታት ተግባራዊ ዝገብር፡ ዝሓሸ ስብእና ክፈጥር ንዝፈጠሮ መንነት ከስተማቕር ዝኽእል ነጻ ክኸዉን እንከሎ እዩ፡

ነፍሲ ወከፍ ሰብ ንሓሳቡ ብዘረባን፡ ጽሑፍን ምግላጽ፡ ኣብ ኢኮኖሚ ፣ማሕበራዊ ፣ባህላዉን ፖለቲካዉን ጉዳያት ክእከብን ክጥርነፍን ከምኡዉን ኣብ ዝኣመነሉ ፖለቲካዊን ሃይማኖታዊ እምነት ናይ ምስዓብ መሰል ክህልዎ ይግባእ፡፡ ደቂ-ሰባት ክህልዎም ዘለዎም ነጻነት ግና ፍጹም[Absolute] ኣይኮነን፡፡ ፍጹም ናጽነት ዝበሃል የልቦን፡፡ገደብ ዘይብሉ ናጽነት ቅኑዕ ናጽነት ክኸዉን ኣይክእልን፡፡ነጻነት ብዘይ ስርዓት ዝሕሰብ ኣይኮነን፡፡ከምቲ ስርዓት ዘይብሉ ሕብረተሰብ ክህሉ ዘይክእል፡ ካብ ስርዓት ወጻኢ ዝቖመ ናጽነት ፈጺሙ ዘይሕሰብ እዩ፡፡ብኻልእ መልክዑ ናጽነት ትርጉም ክህልዎ ዝኽእል ዝተወሰነ ገደብ ክህሉ እንከሎ’ዩ፡፡ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝተወሰነ ናጽነት ኣለዎ’ኳ እንተተባህለ ነጻነቱ ብትኽክል ተግባራዉነት ክህልዎ ዝኽእል ብገብረ-ገብነትን ሕጋዊ መሰልን ምስ ዝፍለጠሉ እዩ፡፡ ንሰብ ብገብረ-ገብነትን ሕጋዊ መሰልን ክፍለጠሉ መሰል ዝህነጽ ድማ ናይቲ ሕብረተሰብ ሓባራዊ ድሌት ምርኩስ ብምግባር እዩ፡፡

ኣብ ላዕሊ ከም ዝጠቐስክዎ ሰብ ከምቲ ክኸብረሉ ዝደልዮ መሰል ዘለዎ፡ ንሱዉን ናይ ካልኦት መሰል ንከኽብር ኣብ ልዕሊኡ ዝግበር ግዴታ ኣለዎ፡፡ግዴታ ኣብቲ ልዕሊ ነጻ ናይ ምኻን መሰል ብዝተወሰነ መልክዑ ዝተገብረ ገደብ እዩ፡፡ሰብ ነጻ ናይ ምኻን መሰሉ ክኽበረሉ ዝኽእል ንሱ’ዉን ናይ ካልኦት መሰል ንከኽብር ዝግበረሉ ግብረ-ገባዉን ሕጋዉን ግዴትኡ ከዋጻእ እንከሎ እዩ፡፡ብሓጺሩ ናጽነትካ ብምጥቃም ገዛእ ርእስኻ[መንነትካ] ክትሃንጽ እትኽእል ኣብ ሓደ ዝተደራጀወ ትካላዊ ኣቃዉማ ዘለዎ ሕብረተሰብ እዩ፡፡

ኤርትራዊ ኣብ ሃገሩ ዝተሓረሞ ናጽነትን መሰልን ክእልሽ እንሆ ኣብ ገጽ ምድርና ተዘሪኡ ይርከብ፡፡ ናጽነት ሂወት ይሓትት እዩ’ሞ ብዙሓት ሂወቶም ኣብ ጉዕዞ ከፊሎማ፡፡እቶም ንኹሉ መሰናኽላት ሰጊሮም ኣብተን ዑቕባ ክህብኦም ፍቓደኛታት ዝኾና ሃገራት ዝበጽሑ ድማ ስደተኛታት ኮይኖም ይነብሩ ኣለዉ[ንገዛእ ርእሰይ ወሲኽካ]፡፡እንተኾነ ነቲ ዝረኸቦ “ነጻ ናይ ሙኻን” መሰል በገባብ ምጥቃምን ዘይምጥቃምን ኣብ ነፍሲ ወከፍ ሰብ ዝዉሰን ብምኻኑ ገለ ኣሕዋት ግዳይ ናይቲ ዝረኸብዎ ናጽነት ክኾኑ እንከለዉ ገለ ድማ ተጠቀምቲ እናኾኑ ይርከቡ፡፡ዝነብሩለን ሃገራት ሽሕ’ኳ እቶም ኣድማሳዉያን ዝኾኑ ሰብኣዊ መሰላት ዘኽብራ እንተኾነ ገደቡ ዝሓለፈ ከይከዉን ዝቕይድ ሕጊ ኣለወን፡፡ገለ ገለ ኤርትራዉያን ንዝረኸብዎ ናጽነት ኣብ ሶሻል ምድያ ይኹን ንሓድሕዶም ኣብ ዝራኸብሉ[ኣኼባታት፡ካፈታት፡ባራት፡ዝተፈላለዩ ምትኽኻባት] መሰል ነጻ ምኻን ብግቡእ ካብ ዘይምርዳእ ዝተላዕለ ዝፈጥርዎም ሽግራት ኣለዉ፡፡ እዚ ድማ “ዕዳ ናጽነት”ይበሃል፡፡ናጽነት ነጻ ምኻን ማለት ኣይኮነን ፡ናጽነት ዘሰክመካ ሓላፍነትን ተሓታትነትን ኣለዎ፡፡ስለዝኾነ ሎሚ እንዛረቦም ዘረባታት ኮነ እንጽሕፎም ጽሑፋት ጽባሕ ንግሆ ከየሳዱድና ክንጥንቅቕ ይግባእ፡፡ ሎሚ እዞም ኣብ ስደት እንነብር ምዕቡል ሕብረተሰብን ብልጽግቲ ሃገርን ክትህልወና እንብህግ እንተኾንና ንገዛእ ርእስና ብፍልጠትን ምርዳእን ክነዕቢ፡ ንእንዛረቦም ኮነ እንጽሕፎም ሓሳባት ደጊምና ክንሓስበሎም ንምህናጽ ኣህዛብ ኤርትራ ብሓባር ክንሰርሕ ይግብኣና፡፡

ሰናይ ቅነ፡፡

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles