ብኣማኢት ዝቅጾሩ ኣብ ዓቃቢ ሰላም ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዘገልገሉ ዝነበሩ ኢትዮጵያውያን ተወለድቲ ትግራይ፡ ኣብቲ ኣብ ሰሜናዊ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝግበር ውግእ ተጸንቢሮም ከምዘልው ምንጭታት መርበብ ሓበሬታ ብሉምበርግ ይሕብር። እዞም ኣብዚ ውግእ ተጸንቢሮም ዘለው ዓቃብ ሰላም ነበር፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ዘከራኽር ኣብየይ ዝብሃል ድባዊ ዞባ ተልእኾ ዝፍጽሙ ዝነበሩ ኮይኖም፡ ኣብ መጀምርታ ናይዚ ዓመት’ዚ ተልእኽኦም ፈጺሞም፡ ናብ ኢትዮፕያ ክምለሱ ስለ ዘይደለዩ፣ ኣብ ሱዳን ዑቚባ ሓቲቶም። ኣብ ሱዳን ንኲናት ንምጽንባር ወተሃደራዊ ምድላዋት ከምዝገበሩን፡ ነቲ ኩነታት ናይ ቀረባ ኣፍልጦ ዘለዎም ሓሙሸተ ወልቀሰባት ክምዝሓበሩ ብሉምበርግ ብተውሳኺ ይገልጽ።
ኣብዚ ተኸሲቱ ዘሎ ኲናት ሕድሕድ ኣብ መንጎኣ ምምሕዳር ትግራይን ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን፡ እታ ኣብ መንጎ ኢትይዮጵያን፡ ኤርትራን ሱዳንን እትርከብ ከተማ ሑመራ ብሓይልታት ምክልኻል ትግራይ ምትሓዝ ማለት ኣገዳሲ ምዕባለታት ኮይኑ፡ ንሕውሓት ኣፍደገ ቀረብ ኣጽዋር ንምኽፋት የኽእሎን ኣብ ልዕሊ ኤርትራ መጥቃዕቲ ክትፍጽም ተኽእሎታት ከምዘሎ ይሕብር ብሉምበርግ።
እዞም ኣብዚ ዝካያድ ዘሎ ውግእ ተጸንቢሮም ዘለዉ ዓቃብ ሰላም ነበር፡ ቅድሚ ናብ ሕቡራት ሃገራት ምእታዎም ኣካል ሰራዊት ኢትዮጵያ ዝነበሩ፡ ኣማኢት ካብኦም ደረጃ መኮነናት ዝበጽሑ ወተሃደራት ዝርከብዎም ኢዮም። እዞም ወተሃደራት፡ ፈለማ ኣብ ውሽጢ ሱዳን ስርሒታት ዘካየዱ ኮይኖም፡ ኣብ ቀረባ እዋን ድማ ኣብ ምዕራብ ትግራይ ናብ ትርከብ ሑመራ ቀሪቦም ከምዝተንቀሳቐሱ ክልተ ካብቶም ምንጭታት ሓቢሮም ኢሉ ኣስፊሩ ኣሎ ብሉምበርግ ኣብ ጸብጻቡ።
ዋላ’ኳ ሱዳን ብመንገዲ ሓይልታት ምክልኻል፡ ብርጋዴር ነቢል ዓብደላ ኣቢላ ህላወ ዕጡቅ ሓይሊ ትግራይ ወይ ውን ናይ ሕቡራት ሃገራት ዓቃብ ሰለም ነበር ትንጸግ፡ ኣባል ፈጻሚት ሽማግለ ህወሓት ጌታቸው ረዳ፣ እቶም ዓቃብ ሰላም ነበር ናብ ምዕራብ ትግራይ ከምዝኣተዉ ኣረጋጊጹ። ኣብ ሱዳን ዝርከብ ወሃቢ ቃል ትካል ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራትን ጌና መልሲ ኣይሃበን ዘሎ።
ዋላ’ኳ ኣብ መጋቢት 2022 ስምምዕ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተበጺሑ ይንበር፡ ብሮቡዕ 24 ነሓሰ ኳናት ዳግም ኣብ ከባቢ ከተማ ቆቦ ኣብ መንጎ ሓይልታት ምክልኻል ትግራይን መንግስቲ ኢትዮጵያን ሰዓት 5 ናይ ንግሆ ከምዝተወልዐ ይዝከር። ክልቲኦም ወገናት ድማ ፣ ነንሕድሕዶም ነቲ መጥቃዕቲ ጀሚሩ ክብሉ ይኻሰሱ።