ፍሉይ ልኡኽ ሕብራት መንግስታት ኣሜሪካ ማይክ ሃመር ብዓርቢ 2 መስከረም 2022 ናብ ኢትዮጵያ ከምዝምረሐ መንግስቲ ኣሜሪካ ኣፍሊጡ። ጸሓፊት ፕረስ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪካ፤ ብዝሃበቶ ሓበሬታ መሰረት፤ እቲ ፍሉይ ልኡኽ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብዝጸንሓሉ ግዜ፤ ክሎም ኣካላት ክሉ ወተሃደራዊ ስርሕታት ደው ከብሉን፤ ኣብ ዝርርብ ሰላም ክጽመዱን ዝሓትት መልአኽቲ ካብ መንግስቲ ኣሜሪካ ከብጽሕ ኢዩ።
ጸሓፊት ጉዳያት ፕረስ ቤተ መንግስቲ ኣሜሪላ ቀጺላ፤ መንግስቲ ኣሜሪካ፤ ኤርትራ ዳግማይ ኣብቲ ግጭት ምጽንባራ ከም ዝኹንን ሓቢራ። ብተወሳኺ፤ መንግስቲ ኣሜሪካ፤ ህወሓት ካብ ክልል ትግራይ ወጻኢ ዝገብሮ መጥቃዕትን፤ መንግስቲ ኢትዮጵያ ዝካይዶ ዘሎ ደብዳብ ነፈርትን ከምዝኹንን እታ ጸሓፊት ኣፍሊጣ።
ንሓሙሽተ ኣዋሪሕ ኣቋሪጹ ዝጸነሐ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ፤ ዝሓለፈ ሰሙን ዳግማይ ከምዝተወለዐ ዝዝከር ኮይኑ፤ ህወሓት፤ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስ ሰራዊት ኤርትራ ተላፊኑ ብወገን ኤርትራ መጥቃዕቲ ከምዝጀመረ ብመንገዲ ኣፈኛኡ ኣብ ትዊተር ኣፍሊጡ ምንባሩ ይፍለጥ።
ይኹን እምበር ብወገን መንግስቲ ኤርትራ፤ ክሳብ ሕጂ ነዚ ብህወሓት ዝቀረበን ብማዕኬናት ዜናን ዝጋዋሕ ዘሎ፤ ዳግማይ ተሳትፎ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ውግእ ሓድሕድ ኢትዮጵያ ዝምልከት ሓበሬታን፤ ንምእማኑ ይኹን ንምክሓዱ ዝተባህለ የለን።