ልዕሊ 23 ሽሕ ሜትሪክ ቶን እኽሊ ዝጸዓነት መርከካብ ዩክሬን ናብ ኢትዮጵያ ግዕዞ ከምዝጀመረት ኣሶሰይትድ ፕረስ ኣፍሊጡ። ነዚ ካብ ዩክሬን ተጻዒኑ ኣብ ወደብ ጂቡቲ ክኣቱ ትጽቢት ዝግበረሉ እኽሊ እትጽዒን መርከብ ብሰንበት 14 ነሓሰ ካብ ገማግም ጸሊም ባሕሪ ከምዝነቀለት ‘ዩ ቲ ዜና ዝሕብር።
ኢዚ ብ ተበግሶ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ነቲ ኣብ ኢትዮጵያ ዘንጸላሉ ንዘሎ ዓጸቦ ንምምካት ተባሂሉ ዝተመደበ ሰብኣዊ ረዲአት፡ ድሕሪ ኣብ ሞንጎ ዩክሬንን ሩስያን ብ 22 ሓምለ 2022፡ ኣብ ቱርኪ ዝተብጸሐ ስምምዕ፡ ብዓይነቱ ናይ መጀመርታ ናብ ኣህጉር ኣፍሪቃ ዘምርሕ ዘሎ ከምዝኾነ ኢዩ ዝንገር።
ኣብ ሃገራት ኢትዮጵያ፡ ሶማልን ኪንያን ኣብዘን ዝሓለፋ 4 መዋእል ተራኢዩ ዘይፈለጥ ደርቂ ከምዘሎን እዚ ካብ ዩክሬን ተጻዒኑ ናብ ኢትዮጵያ ክኣቱ ትጽቢት ዝግበረሉ እኽሊ ድማ፡ ከም ሳዕቤን ናይ’ቲ ደርቂ ንጥምየት ተቃሊዕም ንዘለዎ ክረድእ ተስፋ ተነቢሩሉ ኣሎ። ኣብ ኢትዮጵያ ጥራይ ክሳብ 15 ሚልዮን ዝኣኽሉ ሰባት ናይ መግቢ ሓገዝ ከምዘድልዮም ኢዩ ጸብጻባት ዝሕብሩ።
እዚ ከምዚ’ሉ ከሎ፡ ህጹጽ ሓገዝ እንተዘይተረኺቡ፡ ኣብ ኢትዮጵያ 750 ሽሕ ስደተኛታት ስእነት መግቢ ከጋጥሞም ከምዝኾነ ሰብኣዊ ትካላት ገሊጾም። ነዚ ሓደጋ ንምግታእ ድማ፡ ፕሮግራም መግቢ ዓለም፡ ውድብ ሕብራት ሃገራትን ኣገልግሎት ስደተኛታትን ካብ ስደት ተመለስትን (R R S) ኢትዮጵያ፡ ህጹጽ ሓገዝ ክግበር ጸዊዖም። ብመሰረት ሰነዳት ናይዘን ትካላት፡ ውድብ መግቢ ዓለም ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ጥቅምቲ ዘለዎ ቀረብ ክውዳእ ከምዝኾነ ኢዩ ዝሕበር። በዚ መሰረት፡ ነዞም 750 ሽሕ ስደተኛታት ንምሕጋዝ 73 ሚልዮን ዶላር ኣሜሪካ ብህጹጽ ከምዘድሊ ኢዮም ዝሕብሩ ‘ቶም ትካላት።
ብመሰረት ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ። ኢትዮጵያ ዝበዝሑ ስደተኛታት ወጻኢ ሃገራት ካብዝርካባለን ሃገራት ኣፍሪቃ መበል ሳልሰይቲ ኮይና፡ 837,533 ስደተኛታትን ሓተቲ ዑቊባን ኣብታ ሃገር ይርከቡ። መብዛሕትኦም እዞም ስደተኛታትን ሓተትቲ ዑቚባን ከኣ ካብ ደቡብ ሱዳን፡ ሶማልን ኤርትራን ከምዝኾኑ ሰነዳት ውድብ ሕብራት ሃገራት የነጽር።
ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣብ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ክልል ትግራይ፡ ኣምሓራን ዓፋርን ኣብዝተዶኮና መዓስከራት ስደተኛታት፡ ከምኡ’ውን ኣብ ከተማታት ኢትዮጵያ ከምዘለው ይፍለጥ። ብመሰረት ኣብ ወርሒ ለካቲት ናይዚ ዓመት ዝወጸ ጸብጻብ ውድብ ሕብራት ሃገራት ብድምሩ ኣብ ኢትዮጵያ 158,662 ኤርትራውያን ስደተኛታት ኣለው።