back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ቛንቋ ትግርኛ ናብ ከብሕታት መሳርሒ ምትርጓም ጐግል ተጸንቢሩ

ኣብ መፋርቅ ዓመተ 2020 ዝጀመረ ጎስጓስ ን ቋንቋ ትግሪኛ ኣብ ከብሕታት ጐጉል ምቱርጋም መሳርሒ(Google translate)፡ ድሕሪ ልዕሊ ዕስራ ሽሕ ናይ ምሕጽንታ ፊርማታት ዝሓዘለ ደብዳቤ ናብ ትካል ጐጉልን፡ ብተሳትፎ ወለንተኛታት ኣብቲ መሰርሕን፡ ብ ዕለት 11 ግንቦት 2022 ምስቶም ኣቀዲሞም ኣብ ከብሕታት ጐጉል ምትርጓም ዝነበሩ ቛንቋታት ተጸንቢሩ።

ብመሰረት ሎሚ ዝወጸ መግለጺ ካብ ትካል ጐጉል፡ ቋንቃ ትግሪኛ ሓዊስካ 24 ቛንቋታት ናብቲ ከብሒ ከምዝተጸንብሩን፡ ኣስታት ሰለስተ ሚኢቲ ሚሊዮን ጠቅላላ ድምር ተዛረብቲ ከምዝውክሉን ይሕብር።

ቓንቃ ትግሪኛ ኣብ ኤርትራን ኢትዮጵያን ዘለዉ ደሚርካ ኣስታት ሾመንተ ሚሊዮን ተዛረብቲ ከምዘለዎ እቲ መግለጺ ይሕበር።

ከብሕታት ጐጉል ምትርጓም መሳርሒ (Google translate)፡ ኣብ 2006 ዝጀመረ ኮይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ምስዞም ሓደሽቲ ዝተጸንበሩ ቛንቋታት ደሚርካ፡ ሚኢትን ሳላስ ሰለስተን ዝኣኽሉ ቛንቋታት ሓቂፉ ከምዝርከብ እቲ መግለጺ ይሕብር።

Related Articles

10 COMMENTS

  1. ብጣዕሚ ደስ ዘብል ስራሕ ተሰሪሑ ኣብዓለም መለለይ ሕብረተሰብ ቛንቛ እዩ ሰለዚ ኣምላኽ ጻማኹም ይሃብኩም።

  2. ብጣዕሚ ፀቡቅ እዩ። በቋንቋ ና ንኽንምሃር አዝዩ ሐጋዚ እዩ። ብረኬት ወርሒ ከምዝደየብና። ንሕሰቦ።

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
913ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles