back to top
ሰንበት 23 ለካቲት, 2025

ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ትግራይን ኤርትራን ብሰለስተ ግንባራት ሓድሽ ኲናት ተወሊዑ

ካብ ምንጭታት ሰቲት ዝተረኽበ ሓበሬታ ከምዘመልክቶ፡ ንትግራይ ዘማሓደር ውድብ ህወሓትን ወተሃደራዊ ክንፊ ዝኾነ ዝንገረሉ ብ ቲዲኤፍ(TDF) ዝፍለጥ ወተሃደርዊ ሓይሊን፡ ብ ግንባር ባድመን ራማን ከም’ኡውን ብ ሸነኽ ዓዲ ግራትን ኲናት ከምዝኸፈተ ይሕበር።

እዚ ናብ ዕለት ሸሞንተ ንግሆ ዘውግሐ ዝተወለዐ ኲናት ምሉእ መዓልቲ ቀጺሉ ከምዝዋዓለን ይግለጽ ኣሎ። እቶም ዝተረኽቡ ሓበሬታት ከምዘመልከትዎ፣ ብከባቢ ሸነኽ ባድመ ዝተኸፍተ ኲናት ብብዝሒ ሰራዊትን ጽዑቅ ኲናት ከምዝነበረን ይገልጹ።
ብተወሳኺ እቶም ምንጭታት፤ እዚ ናይ ሕጂ ኲናት ስፍሓት ዘለዎ ምዃኑን፡ ሓሓሊፍካ ኲናት ከምዝነበረን ኣብዚ ሕጂ ብጻዕቅን ብዝሕን ሓይልታት ከምዘይነበረን ይንገር።

ኣብ ወርሒ መጋቢት፤ ንሰብኣዊ ሓገዝ ናብ ህዝቢ ክልል ትግራይ ንክኣቱ ኣብ ኣብ መንጎ ፈደራል መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልላዊ መንግስቲ ትግራይ ህውሓትን፡ ናይ ቶክሲ ጠጠው ምባል ኣብ ስምምዖ ከምዘለዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፤ ህውሓት ካብ ዝሓለፈ ሰሙን ጀሚሩ ናብ ዝተፈላለዩ ዓለምለኻዊ ትካላት ኣብ ዝሰደዶ ደብዳቤ፤ ኲናት ኣብ ቀረባ እዋን ክህሉ ከምዝኽእልን፡ ናይቲ ከባቢ ተንተንቲ ክሕብሩ ምጽንሖም ይፍለጥ።
ብተወሳኺ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ካብ ዝኾነ ምስ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ተኸዊሉ፡ንንዊሕ እዋን ክርአ ከምዘይጸንሐን ዝፍልጥ ኮይኑ፡ ኣብ ዝሓለፈ መዓልታት ወተሃደራዊ ክዳን ተኸዲኑ ኣብ ሰለስተ ግንባራት ዑደት ከዘካየደን፡ ኣብ ብዙሕ መደረታቱ ንህላወ ኲናት ዝእንፍት ከምዝነበረን ይፍለጥ።

ኣብ መወዳእታ ኣዋርሕ 2020 ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ ኢትዮጵያ፡ ሰራዊት ኤርትራ ኣብ ጎድኒ ሰራዊት ኢትዮጵያ ምስላፉ ብብዙሕ ወገናት ክውቀስ ምጽንሑ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ኲናት ዳግም ዶባት ኤርትራ ምውልዑ ሰፊሕ ክኸውን ከምዝኽእል ይግመት።

Related Articles

LEAVE A REPLY

Please enter your comment!
Please enter your name here

ሳዓቡና

7,385ደገፍቲLike
912ስዓብቲFollow
22,900ተኸታተልቲSubscribe

Latest Articles