ኣብ ከተማ ሎንድን ዝመደበሩ፡ ብትካል ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር( Red Sea Afar Human Rights organization,RSHARO) ናብ ዋና ጻሓፊ ላዕላዋይ ተጻዋዒ ስደተኛታት ዉዱብ ሑቡራት ሃገራት(UNHCR) ፍሊፐ ግራንደ፡ ኣብ ዝለኣኾ ደብዳቤ፡ ኩነታት ስደተኛታት ኤርትራዊያን ኣብ ክልል ዓፋር ኣብ በርሃለን ዓሳይታን ኣዝዩ ከምዘሻቐሎን፡ ዝርከቡሉ ዘለዉ ኩነታት ብሰንኪ እዚ ዝተኸፍተ ሓድሽ ኲናት ኣብ ክልል ዓፋር፡ ጸጥታውን ሰብኣውን ኩነታት እቶም ስደተኛታት ከምዘንቆልቆለን፡ ካብ ማሕበረሰብ ዓለምን ቤት ጽሕፈት ላዕላዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉዱብ ሑቡራት ሃገራት(UNHCR) ጉቡእ ቆላሕታ ክግበረሉን ጸዊዖም።
ኣብ’ቲ ዝተላእከ ደብዳቤ፡ ኣብ ከተማ በርሓለ ኣስታት 15,000 ሽሕ ስደተኛታት ከምዝርከቡን፡ ብመሰረት ካብቲ ቦታ ዝተረኽበ ሓበሬታ ሓይልታት ህውሓት ናብቲ ስደተኛታት ዝርከብሉ ማዓስከር ደብዳብ ከቢድ ብረት ከምዝተኮሱን፡ ኣብቲ ማዓስከር ዝነበሩ ሰደተኛታት ክቖስሉ ከለዉ፡ ካልኦት’ውን ካብቲ ማዓስከር ክመዛበሉ ከምዝኸኣሉን ክፍለጥ ከሎ፡ ብ ዕለት 10 ጥቅምቲ ናይ 2021 ኣብ ዝለኣኽዎ ደብዳቤ፡ ንኩነታት ስደተኛታት ዓፋር ቆላሕታ ክገብረሉ ከምዘለዎም ዘዘኻኽር ደብዳቤ ተጻሒፉ ከምዝነበረ ብተወሳኺ ኣፍሊጦም።
ብምቅጻል፡ ድሕሪ እቲ ዝተኸፍተ ሓድሽ ኲናት ኣብ ክልል ዓፋር፡ ህውሓት ንኩሉ መንገድታት ናብ ከተማ ባርሓለ ከምዝዓጸዎን፡ ብዛዕባ ህልው ኩነታት እቶም ስደተኛታት ሓበሬታ ምርካብ ኣብ ኣዝዩ ዘጸግም ኩነታት ከምዘሎን ሻቅለቶም’ውን ከምዝዓበየን ክግለጽ ከሎ፡ ብመሰረት ጋዜጣዊ መግለጺ ህወሓት ነቲ ኲናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝተዘርግሐ ሓበሬታ፡ ብ ምስምስ ዘይፍለጡ ዕጡቓት ቀይሕ ባሕሪ ዓፋር፡ ኣብ ልዕሊ እቶም ዘይዕጡቓትን ሰለማውያን ስደተኛታት ጃምላዊ ህልቂት ክፍጸም ከምዝኽእልን፡ ናይ ዘርኢ ምጽናት በኣታ ዘለዎ ሃቀነ(intent) ጋዜጣዊ መግለጺ ከምዝኾነን ኣቃልቦ ክግበረሉን እቲ ዝተላእከ ደብዳቤ ብተወሳኺ ኣብሪሁ።
ትካል ተጣባቂ ሰብኣዊ መሰላት ቀይሕ ባሓሪ ዓፋር( Red Sea Afar Human Rights organization,RSHARO)፡ ላዕላዋይ ተጸዋዒ ስደተኛታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ብዛዕባ ስደተኛታት ዓፋር፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ዝርከብሉ ኩነታት ማሕበረሰብ ዓለም ከፍልጥን፡ ህጹጽ ህይወት ምድሓን ስርሓት ከካይድን፡ እቶም ስደተኛታት ናብ ውሑስ ቦታ ክግዕዙ፡ ብተውሳኺ፡ ብመሰረት ብ1951 ናይ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ን ጉዳይ ስደተኛታት ዝተበጽሐ ስምምዓትን፡ ብ 1957 ዘሎ ፕሮቶኮልን ኣብ ጉዳይ ስደተኛታት፡ ላዕላዋይ ተጻዋዒ ስደተኛታት ዉዱብ ሕቡራት ሃገራት(UNHCR) ጸጥታዊ ውሕስነት ክረኽቡ ግቡኡ ክዋጻእ ክምሕጸን ከሎ፡ ብ ህውሓት ዝወጸ፡ ናይ ዘርኢ ምጽናት(Genocide) በኣታ ዘለዎ መግለጺ ግቡእ መርመራ ክግበረሉ ጸዊዖም።
ኣብ ኢትዮጵያ ዝተወልዐ ኲናት ሓድሕድ፡ ኣብ ትግራይን ክልል ዓፋርን ዝጸንሑ ኣማኢት ኣሽሓት ስደተኛታት ክቆስሉ፡ ክሞቱን ደሃዮም ክስወርን ከምዝገበረ ክሕበር ምጽንሑ ይፍለጥ።